Posted on Posted in

ርስቶም ወደይ ከመይ ኢልካ ቐኒኻ፧ እቲ ዘፍቅሮን ዝህንጠዮን ደብዳቤኻ በጺሑኒ፡ ሕጉስ ኢለ እየ ቐንየልካ። እቲ ቛንቛኻ ከኣ ላዛ ዝመልኦ ምኡዝ ስለ ዝዀነ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ። ነቲ ብናፍቖትን ብሸቐልቀልን ዝረሰነ ልበይ የዝሕለለይ እዩ’ሞ ሃየ ኣይትብቀቐለይ! ዘገርም እዩ ርስቶም ወደይ፡ ሎምቅነ ሽታ ጸሎተይ ተለዊጡለይ ቀንዩ፡ ጽቡቕ እየ ዘለኹ። ዝበዝሕ ግዜ ዋላ ብዙሕ ጸልየ ምስ ተንሳእኩ “ሎምስ ጽቡቕ ጸልየ ኣምላኽ ይመስገን” ኢለ ኣብ ዘመስገንክሉ እዋን እኳ፡ እቲ ልበይ ነቲ ባዕሉ ዝጸለዮ ጸሎት ምእማን ይስእኖ እሞ ስኽፍክፍ እናበለኒ እየ ዝውዕል። እቲ ጸሎተይ ካብቲ ናሕሲ […]

Posted on Posted in

እዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም፡ ብንብዓት ዝጠልቀየት ዓለም እያ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝፈስስ ኰነ ተሓቢኡ ኣብ ስውርን ጸልማትን ቦታ ዚፈስስ ንብዓት ማእለያ የብሉን። እንነብዓሉ ኣርእስትታት ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ ክንዲ ቑጽሪ ናይቶም ነባዕቲ ኸይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ገሊኡ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ እዩ ዚነብዕ። ገለ ውሑዳት ግና ብዛዕባ ካልኦት ምንባዕ ዚኽእሉ ኣይሰኣኑን እዮም። ገለ ሰባት ዚነብዕ ሰብ እንተ ርእዮም፡ ማዕሪኡ ወይ ልዕሊኡ ኪበኽዩ ይርኣዩ። ገለ ኣምላኽ ዝሃቦም ሰባት ድማ፡ እቲ በዓል ጉዳይ ብዛዕባ ርእሱ ኸይነብዐ፡ ንሳቶም ዝርንዛሕ ዚነብዑሉ ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ መዓልታት […]

Posted on Posted in

ሰላም ኣምላኽ ምሳኻ ይኹን። ከመይከ ቀኒኻለይ፧ ክብሪ ነቲ ቅዱስ ስሙ ይኹን፡ ግሩም እየ ዘሎኹ። ኣብ ዕድመ እርግናይ ነቲ ዝደረቐ ኣዕጽምተይ ብምስጢራቱ የጥልለለይ ኣሎ። ነቲ ዝኸሰርክዎ ዕድመ ንእስነተይ እናዘከርክዎ፡ ስጋዕ ዜርህጸኒ እጠዓስን እሓፍርን እምበር፡ ዝጐድለኒ የብለይን። ከምዚ ናትካ “ኣብ ዕድመ ንእስነተይ ዘኪረዮን ፈሊጠዮን እንተ ዝኸውን፡ እዘን ሓጸርትን መረርትን ዓመታተይ ክንደይ ኮን ምመቀራለይ ይዀና፧ እብል። ግን ከኣ፡ ነዚ መረቑ ዝወድአ፡ ሓይሉ ጸላኢ ዝበልዖ ሽምግልናይ ከይነዓቐ ኣብ እርግናይ ኬልምዓንን ኬፍርየንን ፈትዩለይ ክርኢ ከሎኹ ድማ ባህ ይብለኒ። ዚ’ ወደይ፡ ሎምቕነ ድማ ነቲ ዕድመይ ምሉእ […]

Posted on Posted in

ብሓው በረኸት መንግስተኣብ ዚ ብሩኽ ወደይ፡ መልእኽትኻ በጺሑኒ፡ ተሓጊሸ ኸኣ። ” ድምጽኻ ኣይተሓባእ” ድማ ኢለ። ኣቦታትካ “ካብ ሰብ ስሕተት፡ ካብ ፈጣሪ ምሕረት (ኣይስኣንን) “ከም ዚብሉ ግዳ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ከም መዓር ዚጥዕም መልእኽትኻ፡ ሓንቲ ሓሳብ ከም እሾኽ ሸቕ ኣቢላ ወጊኣትኒ፡ ኣይፈተኽዋን ከኣ እዚ ወደይ። ከምቲ ጎይታና ብምስላኡ ዝበሎ፡ ገለ ደኣ እቲ እኩይ ምስ ደቀስካ ኣብቲ ግራት ስርናይ ዝዘርኣ ክርዳድ እንተ ኾይና እምበር፡ ናትካ ዘይ ምዃናስ ኣለልየይያ ኣለኹ። ከም ከብዲ ኢደይ’ዶ ኣይኮንኩን ዝፈልጠካ!! “ነቲ ኣገልግሎት እቲ ዚበቅዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብለይ ፈሊጠስ […]

Posted on Posted in

  ንእግዚኣብሄር ንምውዳስን ንምኽባርን ንምዕባይን ኤፌ. 3:14-21 ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ። ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ። ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ። ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና […]

Posted on Posted in

ሀ. ብዛዕባ ገዛእ ርእስና 1.      ብዛዕባ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ንስጋና ዘድልየን ነገራት ማቴ. 6:11 ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና።  2.      ባዛዕባ መንፈሳዊ ህይወትና ድማ ንክርስቶስ ናብ ምምሳል ክንዓብን ብምሉእ ልብና ከነገልግሎን ጸጋ ከብዝሓልና ቆሎ. 1:9-12 ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና። ለ. ብዛዕባ ስድራ ቤትና ኢዮ. 1:5 እተን […]

Posted on Posted in

  ምዕዛም ወይ ዕዛመ ማለት ድንዛዘ ወይ ቀዘዝታ ማለት እዩ። ሓደ ነገር ተረዲኡካ ወይ እናረኣኻዮ ከለኻስ ዋላ ሓንቲ ክትገብር ዘይምኽኣል ማለት እዩ። ዝበዝሐ ጊዜ ምስ ኣጋንንታዊ ስራሕ ዝተተሓሓዘ እዩ። ንኣብነት ተመን ከም ዘይነኽሶም ጌሮም ዝዕዝሙ ሰባት ከም ዘለዉ ይንገር እዩ። ንጾታዊ ዓመጽ ኢልካውን ነቲ ዝዕመጽ ሰብ ናይ ምዕዛም ሰይጣናዊ ስራሕ ይስራሕ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ተገሊጹ ዘሎ ምዕዛም ከኣ ነቲ ዝተረዳእካዮን ዝበጻሕካዮን መንፈሳዊ ሓቂ ከይትእዘዞ ወይ ከይትገብሮ ዝገብር ምዕዛም እዩ። እዚ ምዕዛም እዚ ናብ መንፈሳዊ ሞት ኣብጺሑ መወዳእታኻ ኪጽይቕ ዝኽእል እዩ። […]

Posted on Posted in

ኣገልገልቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ እምላኽ ብዲያ ዶ/ር ገ/እግዚኣብሄር ደብረጽዮን ወደ መዝሙር ጐይታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣገልግሎት ምስ ተበገሰ ሰባት ናብኡ ክመጹን ክስዕብዎን ምጽዋዕ እዩ ዝጀሚሩ። እቶም ጻዊዒቱ ተቐቢሎም ክስዕብዎ ዝጀመሩ ደቀ መዛሙርቲ ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ባህሊ ኣብ ክርስቶስ ዝተጀመረ ዘይኰነስ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝመጹ ኩሎም ዓበይቲ መራሕቲ ከምኒ ሙሴን ዮሃንስ መጥምቕን እንርእዮ ኣገባብ’ውን እዩ። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 9:28 ፈሪሳውያን ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ምዃኖም ክገልጹ ኢና እንርኢ ። ዮሃንስ መጥምቕ`ውን ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝነበርዎ ኣብ ወንጌል […]

Posted on Posted in

ብዶር እዮብ ሃብተ …ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ   ኣብ ልብና ክፉእ ሃቐና ምስ ዝህልወና መዝ. 66:18 ኣብ ልበይ እኩይ ሀቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ። 1 ዮሃ. 3:21-22 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና። ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። ብክፉእ ሕልና ምልማን ያዕ. 4:3 ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም። ምጥርጣር ያዕ. 1:5-8 ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ […]

Posted on Posted in

ብዶር እዮብ ሃብተ …ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንኽረክብ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣገደስቲ እዮም ሀ. መጀመርታ እግዚኣብሄር ህያው ምዃኑን ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ከምዝቦምን ምእማን እዮ። እብ. 11:6 ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ። ለ. ጸሎት ብእምነት ናብ እግዚኣብሄር ብልማኖ ክቐርብ ኣለዎ። ማቴ. 21:22 የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛ ኦም በለስ ከም ዝዀነቶ […]