Posted on Posted in

ብዶር እዮብ ሃብተ …ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ንጸሎት ብዝምልከት ብዙሕ ዓይነት ኣቀማምጣ (position) ተጠቒሱ ኣሎ። ካብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ዓይነት ኣቀማምጣ ምስ እንዝርዝር፥ ሀ) ተንበርኪኽካ 1 ነገስት 8:54 “ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተንስኤ።” 1ይ ነገስት 18:42 “ሽዑ ኣከአብ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ።” 2 ዜና መዋእል […]

Posted on Posted in

ውጽኢት መኣዲ ብዲያ. ዶር ገ/እግዚኣብሄር ደብረጽዮን እቲ ዓለማዊ ይኹን መንፈሳዊ ምርድኣት ዝሰማማዓሉ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ሓድነት ወይ ሕብረት ምንጪ ኩሉ ሓይሊ ምዃኑ እዩ። ሓድነት ዝብል ቃል ዘመሓላልፎ ትርጉም፡ ሓደ ምዃን ወይ ምስማማዕ ማለት እዩ። ሓድነት ዘድልየሉ ኸኣ ኣብቲ ብዙሕነት ዘለዎ ቦታ ወይ ኩነት ምዃኑ ንኹላትና ርዱእ ዝኾነ ሓቂ እዩ። ሓድነት ምንጪ ሓይሊ እዩ ምባልና፡ ሰባት ካብ ድምር እቲ ብተናጸል (ብብሓደ) ዝሰርሕዎ፡ እቲ ብሕብረት ዝዓይዎ ውጽኢቱ ከም ዝዓቢ ንምምልካት እዩ። ብሕብረት ምዕያይ ከም ንሓደ ገመድ ናብ ሓደ ኣንፈት ምስሓብ ብምዃኑ […]

Posted on Posted in

መእተዊ ጸሎት ኣብ መንጎ ነብስን እግዚኣብሄርን ዝግበር ቀጥታዊ ምዝርራብ እዩ ። ዘጸ. 32:11 ”ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ፧” ጸሎት ኩሉ ግዜን ከየባተኽካን ምስ ኣምላኽ ዝግበር ምዝርራብ እዩ 1ይ ተሰሎንቄ 5:17 ከየባተኽኩም ጸልዩ። ጸሎት ብዝስማዕ ድምጺ ካብ ኣፍካ ዝወጽእ ክኸውን ይኽእል (ዘጸ. 32:11) (2 ዜና መዋእል 6:14-42)፤ ብውሽጥኻ (በእምሮኻ)ዝቐርብ ክኸውን ይኽእል (1 ሳሙኤል 1:13) ። ብዝስማዕ ድምጺ ካብ ኣፍካ ዝወጽእ ጸሎት […]