መእተዊ

ጸሎት ኣብ መንጎ ነብስን እግዚኣብሄርን ዝግበር ቀጥታዊ ምዝርራብ እዩ ።

ዘጸ. 32:11 ”ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ፧”

ጸሎት ኩሉ ግዜን ከየባተኽካን ምስ ኣምላኽ ዝግበር ምዝርራብ እዩ

1ይ ተሰሎንቄ 5:17 ከየባተኽኩም ጸልዩ።

ጸሎት ብዝስማዕ ድምጺ ካብ ኣፍካ ዝወጽእ ክኸውን ይኽእል (ዘጸ. 32:11) (2 ዜና መዋእል 6:14-42)፤ ብውሽጥኻ (በእምሮኻ)ዝቐርብ ክኸውን ይኽእል (1 ሳሙኤል 1:13) ።

  1. ብዝስማዕ ድምጺ ካብ ኣፍካ ዝወጽእ ጸሎት

ዘጸ. 32:11 ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ፧

2 ዜና መዋእል 6:14-42 በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸማኻ ዝበለ የልቦን። እቲ ንባርያኻ። ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዝሐሎኻ፡ እወ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብሕገይ ንምኻድ መገዶም ጥራይ እንተ ደኣ ሐልዮምሲ፡ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣይኪሰኣነካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሐሉ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ንባርያኻ ዳዊት እተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን። ግናኸ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ? እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይኽእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኸመይ ገይራ? ግናኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ፡ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህለላኡን ምለስ። ኣዒንትኻ መዓልትን ለይትን ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ ንስምካስ ኣብኣ ኸንብሮ እየ? ዝበልካያ ቦታ ይከፈታ እሞ፡ ነቲ ባርያኻ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሉ ዚጽልዮ ጸሎት ስማዕ።…

ብውሽጥኻ (በእምሮኻ)ዝቐርብ ጸሎት

1 ሳሙኤል 1:13 ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበት፡ ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዔን፡ ስለዚ ኤሊ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሐሰበ።

ሓደ ካብቶም ክርስትያናት ኣብዛ ምድሪ ዘስተማቕርዎም ዓበይቲ በረኸታትን መሰላትን ብእኡ ጌሮም ድማ ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉን ጸሎት እዩ። ምኽንያቱ:

ሀ. ብጸሎት ሕድገት ሓጥያት ንረክብ።   

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። 1 ዮሃ. 1:9

ለ. ብጸሎት ካብ ጭንቀት ወጺእና ሰላም ንረክብ።   

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ

እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን

ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።   ፊሊ. 4:6-7

ሐ. ብጸሎት ካብ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ንቕበል።  

ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ

ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ። ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ

ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኺህበኩም እጽሊ ኣሎኹ።  ኤፌ. 3:14-16

ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ብጸሎት ክተግሁ ሓደራ ዝብሎም ኔሩ።

ሀ. ብኹሉ ጸሎትን ልማኖን ኩሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ ምስናይ እዚውን ብኹሉ እናተጸመምኩም ስለ ኹሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ።     ኤፌ. 6:18

ለ. ጸሎት ኣዘውትሩ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ።       ቆሎ. 4:2

ሐ. ከየባተኽኩም ጸልዩ።  1 ተሰ. 5:17       

————————————–

ብሓውና ዶ/ር እዮብ ሃብተ

 

ካልኣይ ክፋል – ኣገባብ ኣቀማምጣ  ኣብ እዋን ጸሎት