ብዶር እዮብ ሃብተ

ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ንጸሎት ብዝምልከት ብዙሕ ዓይነት ኣቀማምጣ (position) ተጠቒሱ ኣሎ። ካብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ዓይነት ኣቀማምጣ ምስ እንዝርዝር፥

ሀ) ተንበርኪኽካ

1 ነገስት 8:54 “ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተንስኤ።”

1ይ ነገስት 18:42 “ሽዑ ኣከአብ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ።”

2 ዜና መዋእል 6:13 “ሰሎሞንሲ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝምግፋሑ፡ ሰለስተ እመትውን ዝምብራኹ ናይ ኣስራዚ መበረኽ ተዛራቢ ሰሪሑ ነበረ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣጻድ ከኣ ገበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደው በለ፡ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብብርኩ ተደቢሩ ኣአዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።”

ሉቃስ 22:41 “ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፥ ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ።”

መዝሙር ዳዊት 95:6 “ንዑ፣ ፍግም ኢልና ንስገድ፣ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ፈጣሪና፣ ንንበርከኽ።”

ዳንኤል 6:10 “ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፣ ናብ ቤቱ ኸደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፣ ጸለየን ኣመስገነን።”

ግብሪ ሃዋርያት 7:60 “ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺ፡ ጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሐዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዐረፈ።”

ግብሪ ሃዋርያት 9:40 “ጴጥሮስ ግና ንዂላተን ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ተምበርኪኹ ጸለየ፡ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ጣቢታ፡ ተንስኢ፡ በላ። ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፡ ንጴጥሮስ ምስ ረአየቶውን፡ ኮፍ በለት።”

ግብሪ ሃዋርያት 20:36 “እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ ተምበርኪኹ ምስ ኲሎም ሐቢሩ ጸለየ።”

ኤፌሶን 3:14 “ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዚስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ።”

ለ)  ፍግም ኢልካ

ማቴዎስ 26:39 “ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን።”

1 ነገ 1፥47 “እቶም ገላዉ ንጉስ ድማ አትዮም፡ ንጐይታና ንጉስ ዳዊት፡ ኣምላኽካ ንስም ሰሎሞን ካብ ስምካ የብልጾ፡ ንዝፋኑ ኸኣ ካብ ዝፋንካ የዕብዮ፡ ኢሎም መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ዀይኑ ሰገደ።”

ሐ)  ደው ኢልካ

1ይ ሳሙኤል 1:26 “ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስምዓኒ፡ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፡ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ።”

2ይ ዜና መዋእል 20:9 “ኣብ ልዕሌና ኽፉእ እንተ መጸ፡ ሴፍ፡ፍርዲ ወይ ፌራ ወይ ጥሜት፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እዛ ቤት እዚኣን ኣብ ቅድሜኻን ደው ክንብል ኢና፡ ስምክስ ኣብዛ ቤት እዚኣ እዩ እሞ፡ ብመከራና ናባኻ ኽንምህለል ኢና። ንስኻ ኸኣ ሰሚዕካ ኸተድሕን ኢኻ።”

ሉቃስ 18:11-13 “እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን።”

መ) ኮፍ ኢልካ

       2 ሳሙ 7:18 “ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር አተወ ተቐሚጡ ድማ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ፡ ቤተይከ እንታይ እያ፡”

ሰ) ብኸብድኻ በጥ ኢልካ

     2 ሳሙኤል 12:16 “ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ ዳዊት ከኣ ጾም ጾመ፡ አትዩ ድማ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሉ ሐደረ።”

ረ) ኣብ ኣብ መደወሲኻ ኮይንካ

 መዝ. 4:4 “ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን።”

መዝ. 63:6 “ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣሎኹ እሞ፣ ኣብ     ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ክሓስበካ ከለኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።”

1 ነገ 1፥47 “እቶም ገላዉ ንጉስ ድማ አትዮም፡ ንጐይታና ንጉስ ዳዊት፡ ኣምላኽካ ንስም ሰሎሞን ካብ ስምካ የብልጾ፡ ንዝፋኑ ኸኣ ካብ ዝፋንካ የዕብዮ፡ ኢሎም መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ዀይኑ ሰገደ።”

ይቕጽል

=> ቀዳማይ ክፋል ኣንብብ