መዓልታዊ ንባባት ካብ ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስ፡-
ራእ 17-19
ኣርእስቲ መዓልታዊ መጽናዕቲ -
“ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ።... “ (ዘፍ 1፡4)
ብርሃን እንተ ዘይህሉ ጽባቐ ፍጥረት ከነስተማቕሮ ምኽኣልና'ዶ፧ ብርሃን እቲ ቀዳማይ ኣምላኽ ጽቡቕ ዝበሎ ፍጥረት እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ጽባቐ ብርሃን ምስ ተረድአ እዩ፡ “ብርሃን ጥዑም እዩ፡ ኣዒንቲ ንጸሓይ ኪጥምታኣ ከለዋ ከኣ ባህ ይብለን” ዝበለ (መክ 11፡7)። እዚ ንርእዮ ብርሃን ጥዑም ካብ ተባህለ ደኣ እቲ መለኮታዊ ነገራት ዝገልጽ ናይ ወንጌል ብርሃን ደኣ ክሳዕ ክንደይ ክቡርን ጽቡቕን ዘይከውን። መንፈስ ቅዱስ መንፈሳዊ ብርሃን ምስ ሃበና ኣዒንቲ ልብና ተኸፊቱ ንነገራት ከምቲ ዓለም ትርእዮ ዘይኮነስ ጐይታ ብዝርእዮ ምርኣይ ኢና እንርእዮ። በዚ ምርኣይዉዚ ድማ ኢና ንሓጥያት በቲ ናይ ሓቂ ሕብሩ፡ ንነብስና ብናይ ሓቂ ሚዛን፡ ንእግዚኣብሄር ብቅድስንኡ ከምኡውን ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና ከም መጠን ምሕረቱን ለውሃቱን ዕላምኡን ክንርእዮ እንጅምር። እዚ ብርሃን እዚ ኣብ ልዕሌና ምስ ኣብርሀ ኢና ድማ ተስፋ ናይ ጽውዓናን ክብሪ ናይቲ ተዳልዩልና ዘሎ ርስትን እንፈልጥ። እስከ ቁሩብ ንሕሰብ፡ እቲ ካብቲ ምንጪ ብርሃንና ዝኾነ እግዚኣብሄር ዝወጽእ ብርሃን ክሳዕ ክንድዚ ጽባቐ ካብ ሃለዎ፡ እቲ ምንጭን ኣቦ ኵሉ ብርሃናትን ደኣ ከመይ ኮን ይኸውን፧ እወ ገጹ ምስ ረኣና ክንጸናናዕን ክንግረምን ኢና። ክንጸናናዕ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ብዘይንገር ሓጐስ ክንሕጐስ ኢና። እወ ንሱ እቲ ምንጪ ሓጐስናን ተስፋናን እዩ። ንእኡ ድማ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ስብሓት ይኹኖ። (ማቴ 4፡16፣ 2ቈረ 4፡6፣ ራእ 21፡33፣ 2ጢሞ 1፡10፣ 1ጢሞ 6፡16)