ብሓው በረኸት መንግስተኣብ

ዚ ብሩኽ ወደይ፡ መልእኽትኻ በጺሑኒ፡ ተሓጊሸ ኸኣ። ” ድምጽኻ ኣይተሓባእ” ድማ ኢለ። ኣቦታትካ “ካብ ሰብ ስሕተት፡ ካብ ፈጣሪ ምሕረት (ኣይስኣንን) “ከም ዚብሉ ግዳ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ከም መዓር ዚጥዕም መልእኽትኻ፡ ሓንቲ ሓሳብ ከም እሾኽ ሸቕ ኣቢላ ወጊኣትኒ፡ ኣይፈተኽዋን ከኣ እዚ ወደይ። ከምቲ ጎይታና ብምስላኡ ዝበሎ፡ ገለ ደኣ እቲ እኩይ ምስ ደቀስካ ኣብቲ ግራት ስርናይ ዝዘርኣ ክርዳድ እንተ ኾይና እምበር፡ ናትካ ዘይ ምዃናስ ኣለልየይያ ኣለኹ። ከም ከብዲ ኢደይ’ዶ ኣይኮንኩን ዝፈልጠካ!! “ነቲ ኣገልግሎት እቲ ዚበቅዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብለይ ፈሊጠስ እግረይ ስሒበ” ምሰልካኒ ስንብድ ኢለ፡ “ወዲ ኣይተ’ኸ እዚ ቆልዓ እንታይ ወረዶ “እየ ዘልኩ። ካብ ብመዓስ ደኣ ኢና ብዓቕሚ ሰብ ዚግልገል ኣምላኽ ዘምለኽና፣ ( ግብ 17፣25) “ዓቕሚ የብለይን ” ኢልካ ንዓቕምኻ ምስትንዓቕ ደኣ ኻበይ ተመሃርካዮ ወደይ፣ ኣውሪደ ኣደይበ ምስ ሓሰብኩ፡ ” ገለ ዶኾን ትሕትና ኾይኑ ተሰሚዕዎ ይኸውን” ዚብል ሓሳብ ቅጅል ኢሉኒ እንተ ነበረ እኳ ኣይፈተኽዎን። ግዲ’ብልካን እዚ ወደይ፡ እቲ እኩይ ተበሊጩልካ እዩ። ከምታ ንሃዋርያ ጴጥሮስ “ይባልህካ እባ ደኣ” ኢሉ ኣብዛ ኣፉ ዘንበረሉ፡ ንዓኻውን ኣብ ጫፍ ብርዕኻ፡ ኣብቲ ጎያዪ እግርኻ፡ ኣብቲ እተቐደሰ ልሳንካ፡ ……ኣንቢሩ ኣጋግዩካ እዩ። እግዚኣብሄር ይግንሓዮ!!

ኣታ ርስቶም ወደይ ንዓቕምኻ ምንዓቕ፡ ንኣምላኽ ምንዓቕ ምዃኑ እዛ ሓቂ እዚኣ ኣይትሰወርካ። ንሳ እተመሓላልፎ መልእኽቲ ድማ ብዙሕን ግናይን እዩ። እቲ ቐዳማይ መልእኽታ “ኣምላኽሲ ብዓቕሚ ሰብ እዩ ዚግልገል ” ዚብል ኪኸውን እንከሎ ። እቲ ኻልኣይ ግናይ መልእኽታ ድማ፡ እቲ ዓቕሚ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ምኽሓድ እዩ። ነቲ ውህበት እንተ ኣነኣኢስካዮ፡ ነቲ ወሃቢ ምንእኣስ’ዶ ኣይኮነን፣ ብኻልእ ኣዘራርባ “ህያብ ስለ ዘውሓድካ እዩ ኣገልግሎት ዚውሕደካ ዘሎ፡ ከም ኢድካ ኢኻ ዝተፈዴኻ” ትብሎ ኣሎኻ ማለት እኮ እዩ። እግዚኣብሄር ዓቕሚ ዘውሓደልካ ኮይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ ንኣኻ ዘይተገልጸልካ ግን ከኣ ብዛዕባኻ ኣዝዩ ሰናይን ክቡርን ሓሳብ ሓሲቡልካ ኸም ዘሎ ኺርድኣካ ይግባእ። ዓቕሚ ዜውሕደልካ፡ ንሱ ባዕሉ ዓቕምኻ ኪኾነልካ ስለ ዝደለየ እዩ። ኣብኡ ምውካል ኪምህረካ ይደልይ ስለ ዘሎ እዩ እምበር፡ ንሱ ኸየስተሓፈረ ንኹሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ’ዶ ኣይኮነን ፣ እግዚኣብሄር ኣብቶም ዘለዎም ዚመስሎም ሰባት ከም ዝጭክን እኮ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና እዩ። ከመዮ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ’ዶ ኣይኮነን፣ ኣብቲ ንቤተክርስትያን ቆሮንቶስ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ነቶም ሰብ ዓቕሚ ምዃኖም ዚስምዖም እኮ ዳርጋ “ወይልኹም” ዝዓይነቱ መልእኽቲ እዩ ዝሃቦም። ንበቦ እሞ ዝ ወደይ…

ኣሕዋተየ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ፡ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ስልጡናት፡ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባብ ምእንቲ ኼሕፍር፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ፡.…ኣምላኽ ነቲኣነ ገለ እየዚብል ኸንቱ ምእንቲ ኪገብሮ፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኮነን ሓረዮ። ዝበሎ ቓል እኮ፡ ምስቲ “ድኹም ስለ ዝኾንኩ፡ ዓቕሚ ስለ ዘይብለይሲ ካብ ምግልጋል ኣንሳሒበ” ዝበልካዮ ቓልካ ገጽ ንገጽ እዩ ዝጋጨው። ነቲ ብኣምላኽ ዜሕርየካ ረቛሕስ ትድርብዮ፡ ነቲ ኣምላኽ ኬሕፍሮን ከንቱ ኺገብሮ ዚደልይ ረቛሒታት ድማ ኣኽቢርካዮን መሪጽካዮን ማለት እዩ። ርስቶም ወደይ! “ንኣምላኽ ኣይትንዓቆ” ዘበለኒ ድማ ንሱ እዩ፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻ እንተ ዘየልቦ፡ ከመይ ጌርካ ከተኽብሮ ይከኣለካ፣ እቶም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዓቕሚ ዚንዕቁ፡ ንኣምላኽ እዮም ዚንዕቁ ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ኪጥቀመሎም ዝደለዩ ሰባት፡ ዓቕሞም ብምስትንዓቕ “ኣይንለኣኽን” ኢሎም ኪኣብይዎ ከለዉ ይቑጥዖም ነበረ። ነብዩ ሙሴ መጀመርታ ብዓቕሙ ተኣማሚኑ፡ ንእስራኤል ያኢ ብቕልጽሙ ኬድሕን፡ ንግብጻውያን በብሓደ ኪቐትል፡ ንእስራኤላውያን ድማ ኪሽምግል ኣንቀደ። “ህውኽ ዝብእስ ቀርኒ ይነክስ” ኮይኑዎ ድማ ነዛ ንህይወቱ ኬድሕን “እግረይ ኣውጽእኒ” ኢሉ ሃደመ። እቲ ምዱብ ጊዜ ኣኺሉ፡ እግዚኣብሄር ” ንዓ ናብ ግብጺ ኪልእኸካ” ምስ በሎ ግና በዓል ድኹም ዓቕሚ ምዃኑ እናኣመኽነየ፡ ላሕ ኣበሎ። ሙሴ ፡ ነቲ ንኹሉ ግብሪ ባዕሉ ዚገብርን ንኹሉ ዚፈልጥን ኣምላኽ!

ኣየ ጎይታይ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእ ልሳነይ ድማ ኾርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ኾነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን፡ ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኮንኩን በሎ። እዚ ዘረባ እዚ ንእግዚኣብሄር ኣየሐጎሶን። ነቲ ልኡላዊ ስልጣኑ ዜቃልል ዘረባ ምዃኑ ስለ ዝተረድኣ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፣ ዓባስ ወይስ ጸማም፡ ዚርእይ ወይስ ዕዉር ዝገበሮ መን እዩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኮንኩን፣ ኢሉ መለሰሉ። ነቲ ሙሴ ባዕሉ እኳ ዝተጸየፎ ወታእን ኾርታዕን ልሳኑ ዝመረጸሉ ምኽንያት ድማ፡ ሕጂ ንዓ ኺድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ኾይነ እቲ እትዛረቦ ኽምህረካ እየ። ብምባል ገለጸሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ኣነ ኣፍ ኪኾነካ እየ” እዩ ዝበሎ። ርስቶም ወደይ፡ “ንሱ ኣፈይ ክኾነለይ እንተኾይኑ፡ ዋላ ዓባስ እኹን እንታይ ጸገም ኣለዎ። ” ኽብል ከም ዝገበረኒ ትፈልጥ’ዶ፥ ሓይሉ ምስ ድኻመይ፡ ጥበቡ ምስ ዕሽነተይ፡ ነቲ ብርቱዕን ዝርጉሕን ቅልጽሙ ኣብ ጎኒ እዚ ድኹም ቅልጽመይ ሰሪዑ፡ ብሓይሉ ክሕይል ዚገብረኒ እንተ ኾይኑ፡ ቅልጽመይ እንተ ኣግዘፍኩ ጾር ይኾነኒ፡ የስሕተኒ፡ ኣብ ርእሰይ ክውከል እሞ መርገም ክዓጽድ ይገብረኒ እምበር እንታይ ይዓብሰለይ፣

ሙሴ በታ ናይ ወዲ ሰማንያ ዓመት ድኽምቲ ቅልጽም፡ ትንዕ እናበለ ዝፈጸሞ ተኣምራት ማእለያ ኣይነበሮን፡ ፡ እግዚኣብሄር የርኢኻ! ንባሕሪ’ዶ ሰብ ብበትሪ ሃሪምዎ ምተመቕለ!! ግብጻውያን ደድሕሪኦም ኪግስግሱ ርእዮም ብብርቱዕ ጭንቀት ምስ ተታሕዙ፡ ሙሴ ናብ ኣምላኽ ተማህለለ፡፡ እግዚኣብሄር ግን ኣይተሓጎሰን። እግዚኣብሄር ብጸሎት ካብ ዝኾረየለን ኣጋጣሚታት ሓንቲ እዚኣ እያ። ንሙሴ ድማ፡ “ስለ ምንታይ ናባይ እትምህለል፣ ንደቂ እስራኤል ኪጓዓዙ ንገሮም። ንሳኻ ድማ በትርኻ ኣልዒልካ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ ምቐሎ።” በሎ። (ዘጸ፡ 14፥15-16) “ኢድካ ዘርግሕ እሞ ኣነ ክመቕሎ እየ” እኳ ዘይበለ። ዘገርም እዩ። መቓላይ ባዕሉ ኽነሱስ ንሙሴ፡ ነቲ እሙን ባርያኡ ምእንቲ ኬኽብርን ኬዕብይን፡ “ኢድካ ዘርጊሕካ ምቐሎ” በሎ። ቅዱስ ዳዊት፡ “…ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን፡ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቐለ፡…” ብምባል መቓሊ ባዕሉ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣረጋጊጹልና እዩ። (መዝ፡ 136፥ 12-13) ሰለዚ እግዚኣብሄር ፡ሙሴ እታ ዝርካባ ቅልጽሙ ኪዝርግሕ፡ ነታ ዝርካባ ሓይሉ (ዓቕሙ) ኪስንዝር ይጽበዮ ነበረ። እግዚኣብሄር፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዘርግሐ ድማ ንሱ ነታ ኸተውድቕ እምበር ክትወቅዕ ዘይትርኤይ ቅልጽሙ ማዕሪኣ ኪዝርግሓ ብትዕግስቲ ይጽበዮ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ንኽቡር ቅልጽሙ ኣብ የማን ሙሴ ዜሕለፈ፡ እቲ ንርእሱ ዘልኣለማዊ ስም ምእንቲ ኪገብር፡ ኣብ ቅድሚኦም ማያት ዝኸፈለ…” ብምባል ነብይ ኢሳይያስ ኣብ (ኢሳ 63፣12) ነቲ ኽቡር ቅልጽሙ ኣብ የማን ቅልጽም ሙሴ ብምሕላፍ ነቲ ተኣምር ከም ዝገበሮ ገለጸልና። ርስቶም ወደይ፡ ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ተስተውዕለሉ’ዶ ኣሎኻ፣ እግዚኣብሄር ነቲ ዓብይ ዓቕሙ ኣብ የማን ናይዚ ድኹም ዓቕምኻ ኪዝርግሕ ይብህግ ኣሎ። ምህለላ ኣየተብዝሕ፡ ሃየ ዓቕምኻ ዘርግሕ፡ ብዛዕባ ዓቕምኻ ከተስተማስል ጊዜ በሊዕካ፡ ዓቕሊ ኣምላኽ ኣይተጸንቅቕ፡ ነቲ ተዋሂቡካ ዘሎ ምዱብ ግዜ ኣይትኽሰሮ፡ ሓደ እኳ ኪዓይየላ ዘይከኣላ ነዋሕ ለይቲ ኣብ ቅድሜኻ ተሰጢሓ ትጽበየካ ኣላ እሞ፡ መዓልቲ ኸላ ግብሪ እቲ ዝለኣኸካ ጎይታ ፈጺምካ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽብሮ፡፡ እቲ “ኣይዓቕምኻን’ዩ፡ ኢድካ ኸይትስእን ካብ ምዝርጋሐ ተጠንቀቕ” ዚብል ድምጺ ፡ናይ ዝጸውዓካ ጎይታ ኣይኮነን፡ ካብኡን ካብ ቃሉን ከምኡ ኣይተምሃርካን። ድምጺ ጎይታኻ ኣይተገግዮ። “ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝኾና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር ኣይስዕባኦን እየን” ኣይተባህለልናን ድዩ።

ዳዊት እቲ ኾተት፡ ንድምጺ ሳኦልን ንድምጺ ኣሕዋቱን፡ ዋላ ንድምጺ ጎልያድ’ውን ኣይሰምዔን። ካብቲ ኣይትኽእሎን ኢኻ፡ ልዕሊ ዓቕምኻ እዩ፡ መስሓቒ ፍልስጤማውያን ክትገብረና፡ ክትልክመና ኢኻ፡ ” ዚብል ድምጺ ኻልኦት ንላዕሊ፡ ነቲ ” ኣጆኻ፡ ኣነ እየ ዓቕምኻ፡ ነቶም ኣናብስን ድብታትን ዘክሮም፡ ዕጥቂ ሳኦል ንየው በሎ፡ ነታ ወንጭፍ ተማልኣያ፡ ነተን ዘርእየካ ኣእማን ሩባ ኣልዕል፡ ” ዚብሎ ድምጺ ኣምላኽ ኪሰምዕ መረጸ። ርስቶም ወደይ፡ መቸም እንተ ወሓደ ነንበሳ፡ እንተ ብስእሊ፡ እንተ ብቺናማ፡ እንተ ብዛንታ ፈሊጥካዮ ኣሎኻ። ኣንበሳ’ዶ ከም ወጠጦ ብጭሕሙ ሒዝካ ክትቀትሎ ይከኣል እዩ፣ ድቢዶ ብዘይ ሰይፊ ይቕተል እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኽቡር ቅልጽሙ ብየማን ዳዊት ስለ ዘሕለፈ’ዶ ኣይኮነን፡ ትንፋስ ናይቲ ሓያል ኣንበሳ ኣብ ኢድ ዳዊት ዝሓለፈ። ንውግእ’ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፡ ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፡ የማነይቲ ኢድካ’ውን ደጊፋትኒ፡ ሕያውነትካ ድማ ዓብዩ ገይሩኒ።” ኢሉ ክዝምር ዝደረኾ እኮ እዚ ተሞክሮ እዚ እዩ። ሳምሶን ን ኣንበሳ ማሕስእ ከም ዝሰላላዕ ገይሩ ምንህንህ ዘበሎ ብቕልጽሙ ድዩ፣ እቲ ጽሑፍ “መንፈስ ኣምላኽ ወረዶ እዩ ዝብለና” ስለዚ እቲ መንፈስ ኣምላኽ እዩ ነቲ ኣንበሳ ዝሰላልዖ ፡እተን ዝተጠቕመለን ኣእዳው ግን ናይ ሳምሶን ኮና። ርስቶም ወደይ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ንኡስ ዓቕምኻ፡ ነዚ ድኹም ሓይልኻ ኪጥቀመሉ ትፈቅድ እንተ ዄንካ ሃየ ኣእዳውካ ዘርግሕ፡ ካብ ኣስራዚ፡ ካብ ሓጺን፡ ካብ ከውሒ ንዚጸንዕ ልብን ክሳድን ኪሕምሽሸለን ከሎ በዒንትኻ ክትርእይ ኢኻ። ኢድካን ኢዱን ተላፊነን ኪሰርሓ ይብህግ ኣሎ።

ጊዴዎን ፡ እቲ ተሓቢኡ ስርናይ ኣብ መጽሞቕ ወይኒ ዚዘብጥ ፈራህ ሰብኣይ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር መጺኡ ” ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ።” በሎ። ኣይ!… ኣታ ርስቶም ወደይ፡ ብፍርሃት ተዋሒጡስ ነቲ ስርናይ እኳ ንቡር ከሊእዎ፡ ነቲ መጽሞቕ ወይኒ እውን ኣበላሽይዎ እናርኣየስ፡” ሓያል ጅግና” ኪብሃል’ዶ ምተገብኦ፣ ኣየ እዚ እግዚኣብሄር ኪሐይው!! ሓይሉ ኣዕጢቑ ከጀግኖ ምስ ኣንቀደን ግና ኸምኡ በሎ። ሽዑ እቲ መልኣኽ ዘይኮነስ እግዚኣብሄር ባዕሉ ናብኡ ግልጽ ኢሉ፡ “ልኢኸኻ’ዶ ኣየኮንኩን፡ በዚ ሓይልኻ እዚ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ምድያን ኣድሕኖም” በሎ። (መሳ፡ 6፣14) ኣስተውዕል!  “በታ ዘላትካ ሓይሊ” እዩ ዝበሎ.። ሓይሊ ከምዝውስኾ ቃል ኣይኣተወሉን። በታ ዘላቶ ሓይልን ዓቕምን ተኣዚዙ ሕራይ ኢሉ እንተ ወፈረ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ሓያል ቅልጽሙ ብየማኑ ኣሕሊፉ ተኣምር ኬርእዮን ኬዕብዮን እዩ። እታ ኽፍእቲ ዝምባለ ወዲ ሰብ ድማ ቦጮቕ ኢላ ኣብ ጊዴዎን ተራእየት። ካብ ትሑት ዓሌት፡ ካብ ድኻ ስድራቤት፡ ካብ ቤት ኣቡኡ ድማ እቲ ዝነኣሰ ምዃኑ እናጸብጸበ፡ ንእግዚኣብሄር ኬዘክሮ ጀመረ። መልሲ እግዚኣብሄር ግን ” ሓያል ፡ዓብይ፡ ሃብታም ክገብረካ እየ” ዘይኮነስ። “ኣነ ምሳኻ ኪኸውን እየ” ዚብል ነበረ። ሚድያናውያን ኪወርዎም ምስ መጹ ድማ፡ ” መንፈስ እግዚኣብሄር ወረዶ” “ክተት” ኢሉ ምስ ኣወጀ ድማ፡ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰብ መጾ። ዓቕሙ ድማ ክብ በለ። ንእግዚኣብሄር ግና እዚ ዓቕሚ ስጋ እዚ ኣይተበርሆን። ጽባሕ ንጉሆ ምስ ተዓወተ፡ ህዝቢ እስራኤል “ኢደይ ኣድሓነትኒ” ኢሉ ከይዕበየሉ፡ “ፈራህን ተሸባርን ዘበለ ይመለስ” ምስ በለ፡ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመሊሶም፡ ዓሰርተ ሽሕ ጥራይ ተረፉ። እግዚኣብሄር ነዚ ዓቕሚ እዚ እውን ስለ ዝተጸየፎ ኣሳትያ ኸልቢ ንዚሰትዩ ኹሎም መሊሱ 300 ሰባት ጥራይ ንርእሱ ኣትረፈ። ዓቕሚ ጊዴዎንን እስራኤልን ኣዝዩ ከም ዝጎደለ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ጎኖም ኪስለፍ ባህ ኣበሎ። ዋላሓንቲ ሴፍ ከየልዓሉ ብየማናይ ኢዶም መለኸት በቲ ሓደ ድማ መብራህቲ ሒዞም ንሚድያናውያን ስዓርዎም።

ርስቶም ወደይ፡ ምብዛሕን ምዕባይን ዓቕሚ ህላውነት ኣምላኽን ሓይሉን የስእነካ እምበር ኣይሕግዘካን እዩ፡፡ እግዚኣብሄር ነቶም ዚጥቀመሎም ሰባት ቅድም ነቲ ዓቕሞም እዩ ጸልጺሉ ዜጉድለሎም። ከምቲ ኣቐዲመ ዘልኩኻ ነቶም ብርቱዓት፡ ነቶም ወሓለታት፡ ነቶም ጠቢባን፡ ነቶም “ሰብ ዓቕሚ ኢና” ዚብሉ ኸንቱ ኺገብሮምን ኬሕፍሮምን እዩ ዚዕጠቕ። ሰለዚ ዓቕሚ ዝወሓደካ ኮይኑ ክስመዓካ ከሎ ኣምላኽ ንሰናይካ መኺሩልካ ከምዘሎ ዘክር። ዮናታን ምስ ጋሻ ዛግሬኡ ኾይኑ፡ ንምሉእ ሰራዊት ፍልስጢኤማውያን ኸም ዝሰዓረ ኣይትረስዕ። ነዚ ዓወት እዚ ዘብቅዓቶ ድማ፡ እታ እግዚኣብሄር ብብዙሕን ብውሑድን ዓቕሚ ሰብ ካብ ምድሓን ዚኽልክሎ ኸም ዘየልቦ ፈሊጡ፡ “ምናልባሽ እግዚኣብሄር ገለ ይገብረልና ይኸውን ንዓናይ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግዙራት ንሳገር” ምባሉ እዩ። (1ይ ሳሙ፡ 14፣1-15)

`ዚ ወደይ ብሩኽ፡ ንኣምላኽ ኣቦታትካ “ዓቕሚ ኽልኣኒ እሞ ባዕልኻ ዓቕሚ ኹነኒ” ኢልካ ለምኖ። ከምዚ ዝበለ ጸሎት ንልቡ የስምሮ እዩ።

እታ መበለት ሰራጵታ ዘስተማቐረቶ ተኣምርሲ ትዝክሮ’ዶ፣ ይዋእያ! ወርትግ ድኻ፡ ብዓልቲ ድኹም ቁጠባዊ ዓቕሚ እያ ዝነበረት። “ቅድም ንዓይ ብድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲ” ዚብል ሓያል ትእዛዝ ከኣ ወደቓ። ንሳ ግና ነቲ ዝተጸንቀቐ ዓቕማ ንዘይምእዛዝ ምኽንያት ክትገብሮ ኣይመረጸትን። እቲ ዜገርም ድማ እተን ዜለውኣ ነጊፋ ሰንኪታተን ክነሳ፡ ናብታ ዝተነግፈት ዕትሮኣን ናብታ ዝተጸንቀቐት መቐርሰሚቶኣን ምምላስ ዘይምሕዳጋ እዩ። በብዝመጸቶ ድማ ንሰለስቲኦም ዚኸውን ትስእን ኣይነበረትን፡ ንሳ መዓልቲ መጸ በዓልቲ ባዶ ዓቕሚ ኮይና ትነብር ነበረት። እንተ ኾነ ብቕዓታ ማዕከና ንእግዚኣብሄር ስለ ዝገበረቶ፡ ናይ ድኻ ሃብታም ኮይና ነቲ ክፉእ ናይ ደርቂ ዘመን ብዓወት ሰገረቶ። ኣማን ወደይ፡ ነዛ ለባም መበለት ንምሰላ ድኣ፡ ዓቕምና ኣብ ሰማያት ኣብ ኣምላኽ ንኸዝኖ። ካብ ናይ ሃብታም ድኻ ምዃን፡ ናይ ድኻ ሃብታም ምዃን’ዶ ኣይበለጽን፣ ሓያል ዓቕሚ ኺህልወና ዘይኮነስ፡ ነቲ ኽቡር ዓቕሙ ብየማንና ኼሰልፎ፡ ኣባና ኼግህዶ ንለምን። እግዚኣብሄር ነቶም ንርእሶም ባዶ ዝገበሩ እዩ ዚመልእ።

ፈታዊኻ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እዚ ምስጢር እዚ ምስ ተረድኦ’ዶ ኣይኮነን ብድኻሙ ኪሕበንን ኪሕጎስን ዝኸኣለ። ጎይታ፡ ባርያኡ ብትዕቢት ተፈቲኑ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ኸም ዜንጸላለዎ ምስ ረኣየ፡ ንዓቕሚ ስግኡ ዜድክም ግራጭ ኣብ ስግኡ ሶኽዓሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ስግኡ ክደክምን ዓቕሙ ኪጎድልን ኣይፈተወን፡ ብጸሎት ደጋጊሙ ምስ ተጋደለ ድማ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚግለጽ እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ” ተባህለሉ እሞ ነቲ ሓሳብ ኣምላኽ ቀልጢፉ ቆብ ኣበሎ። ብኡ ንብኡ ድማ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።” ብምባል ንክርስትያን ዘመንና ዘይስቆሮ ምስጢርን ኣርኣያን ገለጸልና። (2ይ ቆረ፡ 12፣7-10) እምበኣር ርስቶም ወደይ፡ ድኻምና፡ ሓይልን ጸጋን ናይ ክርስቶስ እዩ ዚጽውዓልና። እቶም እዚ ጥበብ እዚ ዚሰርሓሎም ግና፡ እቶም ብድኻሞም ዚምክሑን ዚሕጎሱን እምበር፡ እቶም ብዛዕባ ድኻሞም ዜስቆርቁሩን ብድኻሞም ዚዕንቀፉን ኣይኮኑን። ፍቁር ወደይ፡ ሃየ እምበኣር ነዚ ጥበብ ቅዱሳን ተጠቐመሉ። እቲ እኩይ ከይብለጸልካ ተጠንቀቕ።

እተን ጎይታ ንትሽዓተ ሽሕ ሰባት ዝመገበለን ክልተ ኣጋጣሚታት ክዝክረን ከለኹ፡ ኩሉ ጊዜ ነዛ ሰማያዊት ጥበብ እዝክራ። (ማቴ፡ 14፣15-21:-/ 15፣32-39) ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ ጎይታና ፡ ባዕላቶም ነቲ ህዝቢ ዚብላዕ ኪህብዎ ምስ ኣዘዞም፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዓቕሚ ጎይታ ዘይኮነስ ኣብ ዓቕሞም ኪርእዩ መረጹ። ኣብቲ ቐዳማይ ትኣምር፡ ” ንርእሶም እንጌራ ኪዕድጉ ኣሰናብቶም” ምስ በልዎ ፡ ንሱ ድማ “ምኻድ ኣየድልዮምን፡ ኪበልዑ ንስኻትኩም ሃብዎም” ብምባል በድሆም። ኪገብሮ ዝመደቦ ነገር ከምዘለዎ ግን ኪሓስቡ ኣይክኣሉን። ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ጫሕ ኢሉ ምደሪ ዝኸደነ፡ ብዘይ ቆልዓ ሰበይቲ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ዚኸውን ህዝቢ እምበር፡ ነቲ ብዙሕ ተኣምር ዘርኣዮም ጎይታ ኣይርኣይዎን። ኣብዚ ብዘይካ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ገለ የብልናን። ብምባል ዓቕሚ ትሕዝትኦም ኣብ ቅድሚኡ ኣነኣኣስዎ። ንሱ ድማ “ናባይ ኣምጽእዎ” ብምባል እታ ምስጢር ገለጸሎም። ምስ ኣምጽእሉ ድማ ኣልዒሉ ባረኾ እሞ ነቲ ህዝቢ ኪዕድልዎ ኣዘዞም። መቸም እቲ ጽሑፍ ቆልዓ ሰበይቲ ወሲኽካ ንልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ዚኣኽሉ እንጌራ ክሳዕ ዚኸውን ኮይኑ ከም እተኾመረ ኣይነግረናን እዩ። ክንዲ ዘልዓሉ እንተ ኣልዓሉ ግና እተን ውሑዳት ኢሎም ዝነዓቕወን እንጌራን ዓሳን ኣይተወድኣን። ኩሉ ሰብ ጸጊቡስ ወድኤ፡ ነቲ ተረፍ ሓንቲ እኳ ኸይተረፈት ኪእከብ ዚኣዘዘሉ ምኽንያት ከኣ ዓቕሚ ሰብን ዓቕሚ ኣምላኽን ኪወሃሃድ ከሎ እንታይ ዓይነት ትኣምር ኪግበር ከም ዚክኣል ምእንቲ ኼርእዮም እዩ።

እምበኣር ርስቶም ወደይ ንለብም፡ ብጥበብ ቅዱሳን ንጥበብ፡ ብዓቕምና ምስትምሳል ሓዲግና ነተን ዝርካበን ዓቕምና ናብኡ ነምጽኣየን። ንሱ ድማ ዓይኒ ዘይርኣየቶ፡ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፡ ኣብ ልቢ ሰብ ዘይተሓስበ ተኣምር ኪሰርሓለን እዩ። ካብታ መበለት ተማሂርና፡ በተን ንጋፍ ዓቕምና ጥራይ ንእኡ ቀዳምነት ንሃቦ። “ቅድም ኣነን ደቀይን በሊዕና ብድሕሪኡ እቲ ተረፍ ንዓኻ ንህበካ” ጥራይ ኣይንበሎ። እዚ እዩ ንዓቕምና መመሊሱ ዜማስኖ። ንበረኸትና ድማ ዜርሕቖ ዘሎ። ዝተናዕቐ ዓቕሚ ትቐብሮን ትሓብኦን እምበር ክትጥቀመሉ ኣየተባብዓካን እዩ። ከምቲ በዓል ሓደ መኽሊት ኣይንዓሹ። ንእግዚኣብሄር ወለድ ናይቲ ኣባኻ ዘፍሰሶ ዓቕሚ ኣይትኽልኣዮ። ዓቕምና ኣፍሲስና ፍረ ኸይረኣና ኸይንተርፍ ኣይንፍራህ። ንሕና እንተዘይኣከብናዮ እኳ እቲ ዋና መኽሊት መጺኡ ባዕሉ ወለዱ ኪእክብ እዩ እሞ ሃየ እዚ ወደይ “ክንደይ ዓቕሚ ኣሎኻ፣ናባይ ኣምጽኣዮ” ይብለካ ኣሎ። ስምዓዮ የዋጽኣካ እዩ። ሓንትስ ዓቕምኻ ኣይተስተናዕቕን ኣይተባኽንን እምበር። ግብሩን ክብሩን ርኢኻ ክትጸግብ ኢኻ። “ኣይፋለይን” እንተ በልካ ድማ እቲ ዘባኸንካዮ ዓቕምኻ ዘይመውት ሓሰኻ፡ ዘይዝሕል ሃልሃልታ ኾይኑ ንዘልኣለም ኪጸግበካ ኪነብር እዩ። ቋንቋ ነብያትን ሃዋርያትን ደኣ ኣዘውትር። እቲ እኩይ ኣዳህሊሉ ኣብ ልብኻን ኣብ ኣፍካን ትሕትና ዚመስል ግን ከኣ ንዓቕሚ ኣምላኽ ዜስተናዕቕ ዕቡይ ቃላት ከየንብረልካ ተጠንቀቕ። ቅዱሳን ነብያት ሓሳባት ልብናን ፍርያት ልሳንናን እንታይ ኪመስል ከም ዚግብኦ እኮ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጾሙልና እዮም። “ኣግማድካ ዘሊቑ፡ ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ኣየትረሮን፡ ነቲ ጋንጽላ ኣይግትሮን። (ምኽንያቱ ዓቕምኻ ድኹም እዩ) ሽዑ እቲ ዘመተ ናብ ብርቱዕ ምርኮ ይምቀል፡ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ይማርኹ። ካብቶም ኣብኣ (ኣብ የሩሳሌም) ዚነብሩስ ሓደ እኳ ‘ሕማቕ እየ’ ኣይብልን። እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሓዲግሉ እዩ” ኢሳ፡ 32፣ 23-24 “እዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውጅ፡ ውግእ ኣዳልዉ፡ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ ይውጽኡ፡ ማሕረሻኹም ሰይፊ ማዕጺድኩም ከኣ ኲናት ስርሕዎ። እቲ ድኹም ድማ ‘ኣነ ጀግና እየ’ ይበል። ዎ እግዚኣብሄር ንጀጋኑኻ ኣብኣ ኣውርዶም።” ዩኤ 3፥9-11 “በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩ ኪከላኸለሎም እዩ፡ እቲ ኻባታቶም ድኹም ዝኾነ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ከም ዳዊት ኪኸውን እዩ፡ ቤት ዳዊት ከኣ ከም ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኦም ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ክትከውን እያ።” ዘካ 12፣8 ነብይ ኢሳይያስ፡ ንኢየሩሳሌም ከም መርከብ መሲልዋ ኣሎ። እቶም ሰባት ይትረፍ ምስቶም ምኩራት ኣሶራውያን ገጢሞም ክስዕሩስ፡ ኣግማዶም ጽቡቕ ጌሮም ኪኣስሩ፡ ነቲ ጋንጽላ ኪግትርዎ ነቲ ደቐል’ውን ኬጽንዕዎ እኳ ዓቕሚ ኣይነበሮምን። እግዚኣብሄር ኣብ ክንድኦም ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓረሎም ግን፡ ይትረፍ እቲ ጥዑይ ሰብ፡ እቲ ተደጊፉ ዚኸይድ ሓንካስ እኳ ምርኮ ኪማርኽ በቕዐ ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዓቕሙ ዝገበረ ሰብ “ኣነ ጅግና እየ” እምበር”ሕማቕ እየ” ኣይብልን እዩ። እቲ ዓቕሙ ንኣምላኽ ዜግዝአ ሰብ ፡ ገና ብማዕዶ ብቓንቋኡ ኢኻ እተለልዮ። ካብ ልሳኑ መኣዛ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዜጉስዕ።

ርስቶም ወደይ ፡ እዚ ኣብ ዘመንኩም ዓብሊሉ ዘሎ ናይ ገሃነም “ወንጌል” ኣይኮንኩን ዝሰብከልካ ዘለኹ። ንሳቶም ምስቲ እኩይ ተሓባቢሮም፡ ንገዛእ ርእሶም “ኣምላኽ” ዚገብሩ፡ ቆርበት በጊዕ እተኸድኑ ተዃሉ፡ ዚጥብሩ እኩያት ዓየይቲ፡ ንቤተ ክርስትያን ብዘይ ምሕረት ዚቆራርጹ ህሩፋት ኣኽላባት እዮም። (2ይ ቆረ፡ 11፣ 13-15/ ፊሊ፣3፣2/ 2ይ፡ጴጥ 2፣12-15/ይሁ፡ 8-16/ ኢሳ፡ 56፣ 9-11) ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕካ ህያው እምኒ ኢኻ እሞ፡ እዚ ወደይ ቋንቋኻ ድማ ቋንቋ ነብያትን ሃዋርያትን ይኹን። “ኣንታ እዚ ኣቦይ ፡ ሎሚ ደኣ በየናይ ዓቕሙ እዩ ነዚ መልእኽቲ ኽንድዚ ኣስፊሕዎ”‘ዶ ኢልካኒ፣ እህህ… ነቲ ኸኣል ኩሉ ዓቕመይ ምስ ገበርክዎ ሰሊጡኒ። ርስቶም ወደይ!! ነታ መፍትሕ እንድየ ረኺበያ። እዞም ደቂ ግዜ “ክሊክ ግበራ” ዲኹም ትብሉ፡ ዓቕሚ ኣምላኽ ዓቕመይ ዚገብረሉ ጥበብ ተገሊጩለይ እዩ። ክብሪ ንስሙ ይኹን። ነዚ ዕድመ ዝበልዖ ዓቕመይ ኣረኪበ፡ በታ ዘይትጽንቀቕ ዓቕሙ ንእርግናይ ይነብራ ኣለኹ። እቲ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሉ ኣብ ዝነቕዐ ኣቕሓ መሬት ዘንበረ ኣምላኽ ስሙ ትኽበር ትመስገነለይ። ነጉባዝ ኣብ እተሐልል፡ ነባጽሕ ኣብ እተሰናኽል እክይቲ ዓለም ኢኻ እትነብር ዘሎኻ። ንሓይልኻ ብሓይሉ ኣሐድሶ። በኽናፍ ንስሪ ኼበርትዓካ እዩ። ጎይዩ ዘይሕለል፡ ከይዱ ዘይደክም ሰብ ገይሩ ኬቑመካ እዩ። ከም ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ንሓይሉን ፍቓዱን ተማሪኽካ ትኽእሎ ይግበርካ!!! እዚ ወደይ ብሰላም ቀንየለይ፡ ጽኑዕ ርገጽ!! ኣቦኻ እየ።