ሰላም ኣምላኽ ምሳኻ ይኹን። ከመይከ ቀኒኻለይ፧ ክብሪ ነቲ ቅዱስ ስሙ ይኹን፡ ግሩም እየ ዘሎኹ። ኣብ ዕድመ እርግናይ ነቲ ዝደረቐ ኣዕጽምተይ ብምስጢራቱ የጥልለለይ ኣሎ። ነቲ ዝኸሰርክዎ ዕድመ ንእስነተይ እናዘከርክዎ፡ ስጋዕ ዜርህጸኒ እጠዓስን እሓፍርን እምበር፡ ዝጐድለኒ የብለይን። ከምዚ ናትካ “ኣብ ዕድመ ንእስነተይ ዘኪረዮን ፈሊጠዮን እንተ ዝኸውን፡ እዘን ሓጸርትን መረርትን ዓመታተይ ክንደይ ኮን ምመቀራለይ ይዀና፧ እብል። ግን ከኣ፡ ነዚ መረቑ ዝወድአ፡ ሓይሉ ጸላኢ ዝበልዖ ሽምግልናይ ከይነዓቐ ኣብ እርግናይ ኬልምዓንን ኬፍርየንን ፈትዩለይ ክርኢ ከሎኹ ድማ ባህ ይብለኒ።

ዚ’ ወደይ፡ ሎምቕነ ድማ ነቲ ዕድመይ ምሉእ ዝጸላእክዎን ዝሃደምኩሉን ነገር ክናፍቕን ክሃርፍን ጀሚረልካ ኣሎኹ። “እዚ ሰብኣይ ዓቢዱ’ዩ ግዲ” ከይትብለኒ ደኣ እፈርህ ኣሎኹ እምበር። እዘን ደቀንስትዮ ኣሓትና ገሊኣተን ጥንሲ ክሕዘን ከሎ፡ “ሰብ ይብህጐ እዩ” ኢልካ ዘይትሓስቦ ቃሕ ክብለንን ከጸልለንን ክሳዕ ዚደልይ ኪዀና ክርእየን ከለኹ ይገርመኒ ነበረ። እታ ብርኽቲ ኣዴኻ እኳ፡ እግዚኣብሄር ይመስገን ከምኡ ኣይነበራን። ገሊኣተን ኣንስቲ ኣዕሩኽተይን ኣዝማደይን ከምኡ ኺገብረን ከሎ፡ ብእአንን ብሰብኡተንን እሓዝን ነይረ። እቲ መጀመርታ ናፍቖት ድኽነት ኪሕዘኒ ምስ ጀመረ፡ ” ኣንታ ከምዚ ናይዘን ደቂ ሄዋን ግዲ ኺገብረኒ እዩ” ዚብል ፍርሓት ሓዘኒ። “ቱፍ በሎ” ኢለ ካብ ኣእሙሮይ ከውጽኦ እንተ ደለኹ፡ ኣቕብጽ ኣበለኒ። ክኣትው ክወጽእ፡ ክድቅስ ክትንስእ ናብዚ ኣእምሮይ ህሩግ እናበለ ኣትከኸኒ። ” ጸላኢና ድኽነት ይናፍቕ “ኢለ፡ ደፋእክዎ፡ ሕጂ’ውን ኣይኮነለይን። ዕድመ ንእስነተይ ደኣ ዘይ ምስኡ ክቃለስ እየ ዘበልኽዎ። ንሓይሊ ጉልበተይን ኣእምሮይን ዝበልዖ ንሱ እዩ። መዓልትን ለይትን ጽዒረ፡ ሓሶትን ስርቅን ሓዊሰ ብዙሕ ገንዘብ አዋህልል እሞ፡ ኣነን ቤተይን ጽቡቅ ክንሰትይ ክንበልዕ፡ ጽቡቕ ክንክደን እናረኣኹ፡ ገዛይ ኣስሪሐ፡ መኪናይ ዓዲገ ኣብ ባንክ’ውን ሒደት ዘይኰነ ገንዘብ ኣዋህሊለ እናሃለኹ፡ እቲ ድኽነት ዝብልዎ ጭራቕ (በላዕ-ሰብ) ኩሉ ጊዜ የፍርሃኒ ነበረ። ስለዚ ካብዚ ጭራቕ ‘ዚ ዝሃድመሉ ጥበብ፡ ሃነፍነፍ እናበልኩ እንተ ብቕንዕና እንተ ብዓመጽ ገንዘብ ምእካብ ኰነ። ኣብቲ ከባብየይ ዘሎ ኹሉ ሰብ እንተ ተዓዘብክዎ ድማ ብጀካ’ዛ ናተይ ካልእ ዚሓይሽ ጥበብ ዘይብሉ ዀነኒ። “እምበኣር እዚ ድኽነት ናይ ምጽላእን ዝገበርካ ጌርካ ኻብኡ ናይ ምህዳምን ጥበበይ ንቡርን ቅቡልን እዩ” ኢለ ረዓምክዎ። እቶም ክሳዕ ሻብዓይ ወለዶኦም ንሽሕ ዓመት በሊዖምን ኣጋይጾምን ዘይውድእዎ መጠን ገንዘብ ዘለዎም ሃብታማት፡ ገና ካልእ ካዕበት ሃብቲ ንምእካብ ሃነፍነፍ ኪብሉ ክርእዮም ከለኹ፡ ኣብ ኣእሙሮይ፡ ” ድኽነት፡ ኩነተ ኣእምሮ ድዩ ወይስ ክውንነታዊ ናብራ” ዚብል ሕቶ የልዕለለይ ነበረ። ክውንነታዊ ናብራ እዩ ኸይብሎ፡ ዋላ እቶም ካብኡ ኣዝዮም ርሒቖም ዘለዉ ሃብታማት እኳ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞቶም ካብኡ ብናህሪ ኺሃድሙ፡ ብዝሃብተሙ መጠን መመሊሶም ዝበዝሐ ገንዘብ ንምእካብ ጸደፍደፍ ክብሉ እርእዮም። ስለዚ “ድኽነት ኩነተ ኣእምሮ እዩ” ኢለ ደምደምኩ። ምኽንያቱ፡ ድኽነት ኩነተ ኣእምሮ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ እቶም ኣኺሉስ ንወሎዶታት ዚተርፍ ሃብቲ ዘለዎም ሰባት፡ ሃብቲ ካብ ምእካብን ካብ ድኽነት ካብ ምህዳምን ምዓረፉ ነይሮም። እቲ ሃብቲ ናይ ምእካብ፡ ሃብታም ናይ ምዃን ክቱር ድልየት ኣዝዩ ካብ ምብርትዑ ዝተላዕለ፡ ነቲ ስስዔኻ ንምዕንጋል ዋላ ብሓጢኣት ኢኻ ኽትእክቦ ድሕር ዘይትብል። ንድኽነት እፈርሆን እጸልኦን እኳ እንተ ነበርኩ፡ እቲ ሃብታም ናይ ምዃን ባህግን፡ እቲ ሃብቲ ኣብ ኢደይ ምስ ኣተወ’ውን ኣይቀደወንን። ኣብቲ ዝደልዮ ሃብቲ ምስ በጻሕኩ፡ ፈዂሱን ቀሊሉን ይረኣየኒ ነበረ። ኩሉ ጊዜ ድማ፡ “ነቲ ሃብቲ ምስ ረኸብክዎ፡ እቲ ውሽጠይ ዘይዓርፈለይ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ንምእካብ ዝሃለኽክዎን ዝሓጣእክዎን ደኣ እንታይ እዩ ረብሕኡ፧” ዚብል ሕቶ ይቐልወኒ ነበረ። ናብ ኣምላኸይ ተመሊሰ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ከንብቦ ምስ ጀመርኩ፡ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ዝበሎ ቃል አንብበልካ። እታ ኣብ ውሽጠይ ትቐልወኒ ሓሳብ ከኣ ኣብኣ ኮፍ ኢላ ጸንሓትኒ። ከምዚ ዝስዕብ እያ ትብል እዚ ወደይ ። “ኣነ ብልበይ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ብመዓልታት ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኪገብርዎ ዚግብኦም ሰናይ ክሳዕ ዝርእይ፡ ልበይ ብጥበብ እናመርሓንስ፡ ንስጋይ ወይኒ(መስተ) ኸይከልኦ፡ ንድንቁርና ኸኣ ክሕዛ ወሰንኩ፡ ዓበይቲ ዕዮ ገበርኩ፡ ኣባይቲ ንዓይ ኣስራሕኩ፡ ኣታኽልቲ ወይንታት ንኣይ ተኸልኩ፡ ኣታኽልቲ ገነታትን ንኣይ ገበርኩ፡ በብዓይነቱ ዚፈርይ ኣእዋም ከኣ ንዓይ ተኸልኩ፡ ነቲ ኣብ ዱር ዝበቘለ ኣእዋም ምእንቲ ኸስትየሉስ፡ ንኣይ ሓጽቢ ገበርኩ። ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ዓደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ከኣ ነበሩኒ፡ ብዙሓት እንስሳታት፡ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ዚበዝሓ ኣሓን ኣባጊዕን ድማ ነበራኒ፡ ብሩር፡ ወርቂ፡ ናይ ነገስታትን ሃገራትን ከኣ መዝገባት ኣዳሎኹ፡ ደራፎን ዚደርፉን፡ እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ከኣ፡ ብዙሓት ኣንስትን ገበርኩ። በዚ ኸምዚ ዓብዩ ዀንኩ፡ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ድማ እናዓበኹ ከድኩ፡ ጥበበይ’ውን ምሳይ ጸንዐት። ኣዒንተይ ዝደለያኦ ኹሉ ኣይከላእክወንን፡ ሓጎስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን። ልበይ ብኹሉ ጻዕረይ ይሕጎስ ነይሩ እዩ’ሞ ጻማ ኹሉ ጻዕረይ እዚ ዀነ። ሽዑ እቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ኹሉ ዕዮን፡ እቲ እናዓየኹ ዝጸዓርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ እዚ ኹሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን – – -ኩሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ተግባር ከፊኡኒ እዩ እሞ፡ ህይወት ጸላእኩ። ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሓድገሉ እየ እሞ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዓየኽዎ ኹሉ ዕዮይ ጸላእክዎ። – – – ስለዚ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቑረጽክዎ። – – – ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓረሉን ልቡ ዝሃወኸሉን ኩሉ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧ ኩለን መዓልትታቱ ስቓይ እየን፡ ዕዮኡ ጓሂ እዩ፡ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዓርፍን(እዩ)፡ እዚ’ውን ከንቱነት እዩ።” (መክ፡ 2፣3-11/17፣18፣20፣22፣23) ልዑል ጥበብን ፍልጠትን ዝተዋህቦ ሰብ ዝጸሓፎ ተመክሮኡ ድሕሪ ምንባብካ፡ ርስቶም ወደይ፡ሃብታም ንምዃን ምብሃግን ምህላኽን ኣየጽልኣካን’ዶ፧ እዚ ምግላጽ እዚ፡ መሰረትካ ኣብ ሃብቲ ምግባር ማዕረ ኽንደይ ዕሽነት ከም ዝዀነ እዩ ኣርእዩኒ። ብፍላይ ነቲ “ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዓር፡ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ።” ዚብል ቃል ምስ ኣንበብኩ፡ እቲ ዕድመይ ዘህለኽኩሉን፡ ጥበበይ ዘባኸንኩሉን ጻዕረይ ዘኪረ ብጣዕሳ ሕርር በልኩ (ምሳ፡ 23፣4)። ንኣምላኽ’ውን “እንታይ ገይረካ እየ፡ ጥበበይን ሓይለይን ብኸንቱ ኽሃልኽ ዝሓደግካኒ፧” ኢለ ኽሳዕ ዝኸሶ እየ ዀይነ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ዜፍቅሮ ናይ መንፈስ ወዱ ንጢሞቴዎስ፡ ገና ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ኸሎ ዝጸሓፈሉ፡ ” – – – ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሓቕ። እዚኣቶም ኣምልዀስ መገባብሮ ረብሓ ከም ዝዀነ እዩ ዝመስሎም። ግናኸ ኣምልዀስ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዩ ረብሓ እዩ። ማለት፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይኣኽለና። እቶም ኪህብትሙ ዝደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጥራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥም ናይ ዕሽነት ጉድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኩሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶም’ውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ኻብዚ ህደም እሞ፡ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ።” ዚብል ምዕዶ ኣብ ጊዜ ንእስነተይ ረኺበ እንተ ዝኸውን፡ ደድሕሪ ንፋስን ከንቱነትን ካብ ምጉያይ ምደሓንኩ ነይረ (1ጢሞ፡6፥ 4-11)። ርስቶም ወደይ፡ ኣነ ንኹሉ ነገር ብመንጽር እቲ ናይ ኩሉ ነገር ኣርኣያ ዝዀነና ክርስቶስ ክርእዮ ኸም ዝደልይ ትፈልጥ ኢኻ። ካብታ ኻባና ስጋ ወሲዱ ፍጹም ሰብ ዝዀነላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ኣብዚ ምድሪ ዘሕለፎ ታሪኽ ህይወቱ ምልስ ኢለ ኸጽንዖ እንተ ጀመርኩ፡ ኣዝዩ ዜገርመንን ዚምስጠንን ነገር ክዕዘብ ጀመርኩ። ንምንታይ ክሳዕ ሕጂ ከስተውዕሎ ኸም ዘይከኣልኩ እናገረመኒ ድማ ነዚ ድኹም ኣእምሮይ ጸላእክዎ። ገና ቅድሚ ምውላዱ፡ ካብቲ ንሱ ኺውለደሉ ዝመረጾ ወለዶ ኣትሒዝና እንተ ረኣና፡ “ካብቶም ወለዶኡ መን ሓሰቦ፧” ክሳዕ ዚበሃለሉ ኣብቲ ሕብረተሰብ ግምት ካብ ዘይወሃቦም ስድራ ቤት ክውለድ ምምጽኡ፡ ብዛዕባ ትርኢቱ’ውን፡ “መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዜጎልብብሉ ሰብ እተዋረደ እዩ። ንሕና ‘ውን ገለ እኳ ኣየቋጸርናዮን” ዝተባህለሉ እዩ (ኢሳ፡ 53፣2-8) ኪውለድ ከሎ ድማ ኣብቲ ድኻታት እኳ ዘይውለዱሉ ኣብቲ ዒባን ፋንድያን ዓዀርን ሽንትን ዝመልኦ መብልዕ ማል ምውላዱ ኣየገርምን’ዶ፧ ኣብ ምልእቲ ቤተ ልሄም’ሲ ንሓንቲ ኣብ ጻዕሪ ሕርሲ ዘላ ጓል ሄዋን እትድንግጽ ሓንቲ ስድራቤት ተሳኢና ማለት ድዩ፧ ንሱ ዝገበርካ ጌርካ ተሓሊፉስ ስድራ ቤቱ ንመዓልታት ምንጻህ ዚስዋእ ገንሸል ወይ ድቤላ ስኢኖም፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ጨቓዊት (ጫጩት) ናይ ርግቢት ብምቕራብ እቲ ጥልቂ ድኽነቶም ተጋህደ(ሉቃ፡ 2፣22-24/ ዘጸ፡ 13፣2/ ዘሌ፡ 12፥4፣6፣8)። ርእሱ ዜጸግዓላ ዝዀነት ዓይነት ቤት ኣይነበረቶን(ማቴ፡ 8፥ 19-20)። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኪምህር ይውዕል፡ ለይቲ ለይቲ ኸኣ ደብረ-ዘይቲ ኣብ ዝበሃል ጎቦ ደይቡ ይሓድር ነበረ(ሉቃ፡ 21፥37)። ኣብ ምልእቲ ኢየሩሳሌም ኣብ ገዝኡ ዜሕድር ሓደ ሰብ ስኢኑ ዶኾን ይኸውን፧ ኪስቀል ከሎ እቶም ወተሃደራት ብጀካ ሓንቲ ብላዕሊ ዚኽደና ዓለባን ሓንቲ ቐምሽን ካልእ ዚምቀል ክዳን ኣይረኸብሉን። ነታ ዓለባ ነርባዕተ መቒሎም ሓሓዲኦም ወሰዱ፡ ነታ ቐምሽ ግን ብዕጫ ዝበጽሓቶ ሰብ ብጀካ ሓንቲ ብላዕሊ ዚኽደና ዓለባን ሓንቲ ቐምሽን ካልእ ዚምቀል ክዳን ኣይረኸብሉን። ነታ ዓለባ ነርባዕተ መቒሎም ሓሓዲኦም ወሰዱ፡ ነታ ቐምሽ ግን ብዕጫ ዝበጽሓቶ ሰብ ወሰዳ(ዮሃ፡ 19፥23-24)። እቲ ዓመታዊ ናይ ክልተ ድሪም (ዲናር) ግብሪ ቤት መቕደስ ኪኸፍል ምስ ተሓትተ፡ ካብ ጅብኡ ዚኸፍሎ ስለ ዘይነበሮ፡ ብተኣምር ካብ ከብዲ ዓሳ እስታቴር ኣውጺኡ ኸፈለ(ማቴ፡ 17፥24)። ወንጌል ነቶም በቲ ሕብረተሰብ ዝተረስዑ ድኻታት ኪስበኽ ምምራጹ፡ ካብቲ ብዙሕ መባእ ሃብታማት ንላዕሊ፡ ነቲ ክልተ ሰናቲም ናይታ ድኻ መበለት ምድናቑ፡ ብዛዕባ ድኻታትን ድኽነትን ዝነበሮ ናይ ኣረኣእያ ፍሉይነት ተዓዚበ ተገረምኩ(ማቴ፡11፥5/ ሉቃ፡21፥1-4) ርስቶም ወደይ፡ እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን። ንደቀ መዛሙርቱ ኩሉ ሓዲጎም ጥራይ ኢዶም ኪስዕብዎ ኺጽውዖም ከሎ፡ ከምታ ንሱ ዝገበራ፡ ብፍታዎም ኪደኽዩ እዩ ዚጽውዖም ዝነበረ፡ ኣባይቶም፡ ግራውቶም፡ ጃልባኦም ንግዶም፡ ሞያኦም፡ ዝተቘጽርሉ ስርሖም፡ ብሓፈሻ ኹሉ ጥሪቶም ሓዲጎም ምስ ወጹ ምሉእ ብምሉእ ድኻታት ከም ዝዀኑ ኣይትዘንግዕ ርስቶመይ። ንሃዋርያቱ በብኽልተ ኼዋፍሮም ከሎ ድማ፡ “ብነጻ ኢኹም ተቐቢልኩም እሞ፡ ብነጻ ሃቡ። ኣብ ሕሽኩልኩም (ማሕፉዳኹም) ወርቂ፡ ብሩር፡ ገንዘብ ኣስራዚ ኣይትሓዙ። ከምኡ ኸኣ ስንቂ ንመገዲ፡ ክልተ ኽዳን፡ ኣሳእን በትሪ ኣይትሓዙ።” ብምባል ዜገርም ትእዛዝ ኣዘዞም(ማቴ፡ 10፥8-10 ካ፡ት)። ርስቶም ወደይ፡ “ንምንታይ እዩ ንምድካዮም ክንድዚ ተዓጢቑ፧ ” ኢልካ ሓቲትካ ትፈልጥ’ዶ፧ እቲ ኻልእ ዜደንቕ ድማ፡ እቶም ሃዋርያት ብትእዛዙን ብፍታዎምን ኪደኽዩ “ሕራይ” ኢሎም ምእዛዞም እዩ። ንሕና ብጸጋ ምእንቲ ኽንሀብትም ንሱ ብስጋ ኽደክይ ምፍቃዱ ስለ ዝፈለጡ፡ ንሳቶም ድማ ነዚ መለኰታዊ ኣሰርን ምርጫን እዚ ኪስዕብዎ ኬድምቕዎን መረጹ። ስለዚ ኸኣ ” – – – ንሕና ግና ሕሱራት ኢና፡ ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣሎና። ማሕደር የብልናን፡ ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣሎና። – – -” ይብሉ ነበሩ ( 1ይ ቆረ፡ 4፥ 10-12)። ምእንቲ ኽብሪ ኣምላኽን ምእንቲ ድሕነት ሰባትን ደኣ ፈትዮም ርእሶም ኣድክዮም እምበር፡ ብዘይ ፍታዎም እዚ ድኽነት ዝብልዎ ጭራቕ መጺኡ ስለ ዝጐበጦም ኣይኰነን። ብጃልባኦም ዓሳ ገፊፎም ህዝቢ ዚቕልቡ ዝነበሩ ሰባት፡ ጠምዮም ጸሚኦም ኪበሃለሎም ንዓለምን ነቶም ካብ ማይ ብሑቚ ዓለምን ዘይጸረዩ “ክርስትያናት” ግርምቢጥ ኣበሃህላ እዩ። ርስቶም ወደይ፡ ዋላ እቶም ናይ ዘመን ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን ‘ውን “ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ, ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰዪፎም ሞቱ፡ ኣጎዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ስኣኑ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጉዲ ምድርን ኰለል በሉ።” ከም ዝተባህለሎም ነቢብካዮ’ዶ ኣሎኻ(እብ፡11፥37-38) ፧ ነቲ ቃል ኣስተውዕለሉ፡ ብፍታዎም ኩሉ ሓዲጐም ኪደኽዩ ዘምረጾም፡ ዓለም ከምዘይትበቕዖም ብምፍላጦም እዩ። ንዓኣቶም እትበቕዖም እታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራቲኣን ብኢድ ሰብ ዘይተገብረት ሰማያዊት ኢዮሩሳሌም እያ። እዞም ነዛ ርኽስቲ ዓለም እምበር ነታ ቅድስቲ ኸተማ ዘይበቕዑ ሕሱራት ግና፡ ነቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ሃብትን ተድላን ምቾትን እዮም ሃነፍነፍ ዚብልዎ። ፈተውቲ ገንዘብን ፈተውቲ ርእሶምን ስለ ዝዀኑ፡ ሱር ናይ ኩሉ ኽፍኣት ኣባታቶም ኣሎ። ስለዚ ድማ ካብ ዝሙት ጀሚርካ ኩሉ ዓይነት ሓጢኣት ኣባታቶም ኣይትስእኖን ኢኻ። እቲ ኣዝዩ ዜገርም ከኣ ነቲ ኣምልኾኦምን ኣገልግሎቶምን መገባብሮ ረብሓ መኻዕበቲ ሃብቲ ኺገብርዎ ይጋደሉ። እታ ዝለኣኽካልና ሰራም ሽሓኒ(ድሽ) ዘይትስሕቦን ዘይተርእየካን ነገር የብላን። ኣፋ ናብ ሰማይ ገጻ ጋህ ኣቢላ ንዝመጻ እያ ትውሕጥ። አረ ዝመረጽካዮ ኽትርእይ ትፈቕደልካ ዀይና እያ እምበር፡ ምርጫ ዘይትፈቅድ እንተ ትኸውን ካብቲ ናሕሰይ ነቒለ ምደርበኽዋ ነይረ። እቶም ሃዋርያት ሓሶትን ስስዐን ነቲ ኣብ መዓሙቕ ገሃነም ዝተደርሰ “ወንጌሎም” ኪተፍኡልና ኸለዉ፡ ሕጅስ እዛ ተካል ሸሓኒ ናብ ታሕቲ ናብ መዓሙቕ ገጻ ተደፊኣ ትህሉው’ያ ኢለ ወጺአ እንተ ረኣኽዋስ ገና ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪራ ኣፋ ሃህ ኣቢላ ትጸንሓኒ እሞ ሕርቕ እየ ዝብል። ጐይታ ንኹሉ ከከም ግብሩ ኪፈዲ ብኽብሩ ክሳብ ዚምለስ፡ ንሳ’ውን ከም ሰባ ካብ ኩሉ እናሓዋወሰት፡ ግናኸ ኣንቃዕሪራ ከም ዘላ እናመሰለት ከም እትጸንሕ እንድየ እንዳዘንጋዕኩ። ርስቶም ወደይ፡ ካብዚ ማይ ብሑቕ ኣጋንንቲ ርእስኻ ሓልው። ነቲ ብሃብታሙ ኸሎ ብፍታዉ ዝደኸየልካ ኢየሱስ ዘክሮ። ገና ሃብታም ከሎ፡ ብዘሎ ሰማያትን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኹሉን ናቱን ኣብ ኢዱን ከሎ ብድኽነት እዩ ዝተመላለሰ። በዚ ኣካይድኡ እዚ ኽንሓስቦ ዚግብኣና ኣርኣያን መልእኽትን እዩ ዜመሓላልፈልና ዘሎ። እቲ ስሩት መሰረት ዝዀነ ኢየሱስ ከምኡ እንተ ገይሩ፡ እቶም ብልሓተኛታት ሃነጽቲ ድማ ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ኣነን ንስኻን’ከ እንታይ እዩ ክንገብር ዚግብኣና፧ ብሓቂ ኣብ ልዕሊ’ቲ መሰረት ዝተሃነጽና ህያዋን ኣእማን እንተ ኴንና እቲ ኽንኰኖ ዚግባኣና ፍሉጥን ኣማራጺ ዘይብሉን እዩ። ኣብ ብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንበብና፡ እግዚኣብሄር ጸግዕን ጠበቓን ረዳእን ናይ ድኻታት፡ እምበር ናይ ሃብታማት ምዃኑ ዚገልጽ ኣይንረክብን ኢና። ንሰባት ድማ ንድኻታት ክንሓልይ፡ ክንጣበቕ ኣዘዘና። እምበኣር ርስቶም ወደይ፡ ነቲ “ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ” ዝተባህለሉ ጐይታ እናሰዓብካ፡ ኮር ተገልበጥ ኰይኑ “ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ሃብታም ገበረ” ኪበሃለልካ ትጋደል እንተ’ሊኻ እንታይ እዩ ብልሓቱ፧ ጐይታና ብገዛእ ህይወቱ፡ ብህይወት ነብያቱን ሃዋርያቱን በቲ ዝመሃሮ ትምህርትን፡ ድኽነት፡ መሰረት ክርስትና ምዃኑ ክትርዳእ’ዶ ኣይከኣለካን፧ ጥበብ ክርስትና፡ ልክዕ ከም ጐይታኻ ገዛእ ርእስኻ ድኻ ምግባር እዩ። ዋላ ብጽድቂ እተኣከበ እግዚኣብሄር ዝሃበካ ሃብቲ እንተ ሃለወካ እኳ፡ ከም ድኻ እምበር ከም ሃብታም ኴንካ ክትነብር የብልካን ማለት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ጐይታ ገንዘብካ እምበር ባርያ ገንዘብካ ክትከውን የብልካን’ዩ መልእኽቱ። ሃብታም ክንሱ ኣብ ሃብቱ ዘይውከል ሰብ፡ መሰረቱ ኣብ ድኽነት ዝገበረ ሰብ እዩ። እዚ ሰብ እዚ፡ ጥበቡ ርእስኻ ድኻ ምግባር ስለ ዝዀነ፡ ኣብዚሑ ይልግስ፡ ንሰብ ኣይዕምጽን፡ ገንዘቡ ብሓጢኣት ኣየኻዕብትን እዩ። “ዘሎካ ኩሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ እሞ ድኻ ዄንካ ስዓበኒ” እንተ ተባህለ፡ ንጐይትኡ ዝባኑ ሂቡ እናጐሃየ ዘይኰነ ዚሃድምሲ፡ ብሕጉስ ልቢ ነቲ ዝተነግሮ ፈጺሙ ደድሕሪ ጐይታኡ እዩ ዚኸይድ። እቲ ሃብታም ጎበዝ ብኹለንትንኡ “መንፈሳዊ” ሰብ’ዩ ዝነበረ። ናይ ዘልኣለማዊ ህይወት ጽምኣት’ውን ነበሮ። ብፍላይ ወንጌላዊ ማርቆስ፡ “ኢየሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ” እዩ ዚብለና። ካብ ምፍጻም ዓሰርተ ትእዛዛት ሓሊፍካ ናብ ፍጹምነት ክብጻሕ ዚከኣል፡ ዘለካ ኹሉ ንኻልኦት ሂብካ ንገዛእ ርእስኻ ድኻ ጌርካ ንክርስቶስ ምስዓብ እዩ። እዚ ሃብታም ጐበዝ ግና ነቲ ብዙሕ ሃብቱ ኣብ ልቡ ኣስፊርዎን ኣግዚእዎን፡ መሰረቱ ድማ ኣብ ሃብቲ ስለ ዝገበረ፡ ካብቲ ዝበሃጎ ዘልኣለማዊ ህይወት ኪፍለይ መረጸ። መሰረቱ ድኽነት ነይሩ እንተ ዚኸውን ግን ነቲ ናይ ጐይታ ትእዛዝ ንምፍጻም ዓይኑ ኣይምሓሰየን ነይሩ። ጐይታ ነዚ ምስ ረኣየ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ብምባል ምሉእ ዕድሜኻ ዘይርሳዕ ትምህርቲ ሃቦም። “- – – ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል።”(ማቴ፡ 19፥23-24)። ርስቶም ወደይ፡ እታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ቐጣን እታ ኣፍደገ ድማ ጸባብ ምዃና ብወግዒ ነጊሩና እዩ። ሃብትን ፍቕሪ ገንዘብን ንደጌታት ሲኦል ክሳዕ ዓንቀሮም ጋሕ ኣቢሉ ዜርሕው፡ ንደጌታት መንግስተ ሰማያት ድማ ከም ዓይኒ መርፍእ ዑንቁን ዜጽብብ እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ ኢና ኣዚና እንሃርፎ ዘሎና፧ እዚ ባህሪ እዚ ብሓቂ ‘ዶ ካብ ኣምላኽ እዩ፧ ካብቲ ናብ መንግስተ ሰማያት ናይ ምእታው ተኽእሎና ከም ዓይኒ መርፍእ ኬጽብበልና ዚደልይ ድያብሎስ’ ዶ ኣይኰነን፧ እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ናብ ከቢድ ፈተናን መፈንጥራን ብርሰትን ጥፍኣትን ጉድኣትን ዜስጥም ክፉእ ትምኒትን ከም ዜቃልዕ፡ ናብ ገዛእ ርእስኻ ብዙሕ ስቓይ ከተምጽእ ከም ዚገብር እዩ ዚነግረና። ብኸመይ እዩ ሰብ ዓይኑ እናረኣየ፡”ገ” እናበልዎ ዚጋገይን ዚጸድፍን ዘሎ፧ መሪር ሱር ክፍኣት ኣብ ስጋኻን ኣብ ናብራኻን ክትከል ምድላይ ምስ ምንታይ ኪቑጸር ይከኣል፧ እቲ “ናይ ኣምላኽ ሰብ እየ” ዚብል ኩሉ ካብዚ ኣጉል ትምኒት እዚ ኺሃድም፡ ብኣንጻሩ ብጽድቂ፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ ብትዕግስትን ብህድኣትን ምእንቲ ኺህብትም ደድሕሪ ገንዘብ ዘይኰነ ደድሕር’ ዚ ጻድቕ ባህርያት’ ዚ ኺስዕብ ከም ዚግብኦ እዩ እተጻሕፈልና። ስለዚ ሃብታም ክትከውን ምብሃግን ምጽዓርን ማለት ኣብ መፈንጠራ ኽትነብር ምምራጽ፡ ምእታው ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቅን ጸቢብን ኪኾነካ ምምናይ’ ዶ ኣይኰነን፧ ብርሃን ወንጌል ዝበርሃሉ ሰብ ፡ ከምዚ ዝበለ ዓሻ ምርጫ ኪገብር ካብ ምርኣይ ዚኸፍእ እንታይ ኣሎ፧ ኣብ ዓለምና ካብ ብሃብቲ ስጋኦም ዝረብሑ እቶም ብእኡ ዝተጐድኡ’ ዶ ኣይበዝሑን እዮም። ርስቶም ወደይ ፡ ኣብቲ ሃብቲ ዚምለኸሉ ተድላ ዚፍተወሉ ስፍራ ኢኻ ዘሎኻ እሞ ሓደራኻ፡ ካብዚ ዓሻ ትምህርቲ ርእስኻ ሓልው። ምናልባት ብሃብቲ ኸተገልግሎ ኢሉ ሃብታም ምዃን ጽሕፍቶኻ ገይሩ እንተ ሃበካ እኳ፡ ከምቲ “ጻድቃን ከኣ ነዚ ርእዮም ይፈርሁ እሞ፡ እንሆ እቲ ብብዝሒ ሃብቱ ተወኪሉስ፡ ብኽፍኣቱ ዝበርትዐ እምበር ፡ ንኣምላኽ’ ሲ ሓይሉ ዘይገበሮ ሰብኣይ እዚ እዩ” እናበሉ ኺስሕቕዎ እዮም።” ዝተባህለሉ ሰብ ከይትኸውን ተጠንቀቕ(መዝ፡ 52፥6-7)። ከምቲ ግራቱ ዝቐደወሉ እሞ ብዛዕባ ምግፋሕ ቆፎታቱን ምብላዕን ምስታይን እምበር ብዛዕባ ነፍሱ ኪሓስብ ዘይከኣለ፡ “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ።” ዝተባህለሉ ሰብ ኣይትኹን። ከም ኣሳፍ ፡ “ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፡ ንኣኻ ካብ ረኸብኩ ኣብ ምድሪ ዚደልዮ የብለይን ” ምባል እዩ ዚሕሸካ። ቃሉ “ንመዝገብካ ናብ መሬት፡ ንወርቂ ኦፊር’ ውን ናብ ኣእማን ርባ ደርብዮ። ሽዑ እቲ ኹሉ ዚኽእልሲ ወርቅኻን ዜንጸባርቕ ብሩርን ኪዀነልካ እዩ።” ዝበለ ቓል ዘክሮ(እዮ፡ 22፥24-25)። ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለይ ፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ኣይኰነን። ድኽነት ዘናፈቐኒ ንሱ እዩ።ናብራ ጐይታይን ሃዋርያቱን እየ ዝናፈቕኩ። ሃብታም ከሎኻን ብፍታውካን ምድካይ እየ ናፊቐ። ወርቀይን ብሩረይን ጐይታይ ባዕሉ ኪዀነለይ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ኪገፍሓለይን ኪቐለለይን እየ ናፊቐ። ርስቶም ወደይ፡ ካብ መፈንጥራን ብርሰትን ስቓይን ሃዲምካን ርሒቕካን ምንባር፡ ኣብ ጽድቅን ፍቕርን ምዕቋብ እየ ናፊቐ። ኣይዓሸኹን ርስቶም፡ “እዚ ኣቦይ እንታይ እዩ ወሪድዎ” ኣይትበለኒ። ስዓበኒግዳ። እቲ ንኢየሱስ ዜፍቅር ነቲ ናቱ ቕዲ ህይወት እዩ ዚናፍቕ፡ ናፍቖትካ ይፈውሰልካ!!
ሰላም ኩን።