እዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም፡ ብንብዓት ዝጠልቀየት ዓለም እያ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝፈስስ ኰነ ተሓቢኡ ኣብ ስውርን ጸልማትን ቦታ ዚፈስስ ንብዓት ማእለያ የብሉን። እንነብዓሉ ኣርእስትታት ካብ ምብዝሑ ዝተላዕለ ክንዲ ቑጽሪ ናይቶም ነባዕቲ ኸይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ገሊኡ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ እዩ ዚነብዕ። ገለ ውሑዳት ግና ብዛዕባ ካልኦት ምንባዕ ዚኽእሉ ኣይሰኣኑን እዮም። ገለ ሰባት ዚነብዕ ሰብ እንተ ርእዮም፡ ማዕሪኡ ወይ ልዕሊኡ ኪበኽዩ ይርኣዩ። ገለ ኣምላኽ ዝሃቦም ሰባት ድማ፡ እቲ በዓል ጉዳይ ብዛዕባ ርእሱ ኸይነብዐ፡ ንሳቶም ዝርንዛሕ ዚነብዑሉ ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ንሓይሊ ንብዓት ብስእላዊ መገዲ ዚገልጽ ጽሑፍ ምስ ኣንበብኩ፡ ብዛዕብኡ ኣዕሚቘ ክሓስብ ልበይ ደረኸኒ።

እቲ ጽሑፍ፡ ኣብ “የተቆረሱ ነፍሶች” እትብል ናይ ሰለሙን ኣበበ ገብረመድህን መጽሓፍ እተረኽበ ኾይኑ፡ “ናሽናል ካቶሊክ ሪፖርተር (National Catholic Reporter)” ብዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ጥሪ 23, 2015 ካብ ዝተዘርግሔ ምጽጽ ዝበለ ጸብጻብ ዝተወስደ ምዃኑ ተጠቒሱ ይርከብ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ፥

“ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝዀኑ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ኣብ ኣህጉር ኤስያ ዑደት ይገብርሉ ኣብ ዝነበሩ ኣጋጣሚ፡ ናብ ሃገረ ፍሊፒንስ በጽሑ እሞ፡ ሓንቲ ‘ግለይዘል ፓሎርማ’ ዝስማ ጓል 12 ዓመት ፊሊፒናዊት ቈልዓ፡ ‘ኣባ! ንምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ንንጹሃት ቈልዑን ህጻናትን ሕማቕ ነገር ኪበጽሖም ዚፈቅድ፧’ ብምባል ሓተተቶም። ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ናብ ፍሊፒንስ ቅድሚ ምብጽሖም ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን፡ ዝናብ ሓዘል ህቦብላን ማዕበል ባሕርን ንፊሊፒንስን ንኸባቢኣን ኣዕለቕሊቕዎ ስለ ዝነበረ ፓሎማርን ብዙሓት ካልኦት ቈልዑን ግዳያት ኰይኖም ነበሩ። እታ ቖልዓ ብብኽያት እናተነኽነኸትን፡ በእዳዋ ንብኽያታ ክትሽፍን እናተቓለሰትን፡ ” ከምዚ ኽንከውን ከሎና። እግዚኣብሄር ንምንታይ እዩ ሱቕ ዚብል፧ ብወለዶም ዝተሓድጉ ህጻናት እኰ ብዙሓት እዮም!!” ቀጺላ ድማ “ብዙሓት ህጻናት ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ዘይደለይዎ ነገራት ኪውዕሉ ተገዲዶም ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ ምንዝርና ተዋፊሮም ገሊኦም ድማ ብዘይ ድሌቶም ተጠቀምትን ኣሰጋገርትን ናይ ሓሽሽ ኮይኖም :- – – –  ንምንታይ ብዘይ በደሎም፧ ንምንታይ እዩ እግዚኣብሄር እዚ ኹሉ ኺበጽሓና ኸሎ ሱቕ ኢሉ ዚርእይ፧ በዚ ዓይነት ሽግር ንእንሳቐ ቆልዑ ኺረድኡና ዚኽእሉን ዚፈትዉን ሰባትከ ንምንታይ እዮም ውሑዳት ኰይኖም፧” ብምባል ነቲ ዝኸብዳን ዘይተመለሰላን ሕቶ ኣቕረበት። እቶም ጳጳስ ነቲ ሕቶ ዝዀና ነገር ክትሓትት ብምትባዓ መጀመራታ ንመንፍዓታ ብጣቕዒት ድሕሪ ምድናቕ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ማኒላ ዩኒቨርሲቲ ንዝተጋብኡ ዕዱማት፡ “እዛ ቖልዓ እቲ እንኰ መልሲ ዘይርከቦ ሕቶ ኣልዒላ ኣላ” በሉ። ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ናይ ክፉእ ፍጻመ እንታይነትን ከመይነትን ብዓይኒ ፍልስፍና ዀነ ብነገረ መለኮት ኪትንትንዎ ኣይፈተኑን። ነታ ቆልዓ ግን ሓደ ነገር በልዋ። ” ብዛዕባ እዚ ንስኻትኩም እትሓልፍዎ ዘለኹም ኩነታት ክንበክይ እንተ ንኽእል ኔርና፡ ርድኢት ምረኸብና እሞ ገለ መልሲ ኽንህብ ምኸኣልና ኔርና።” ድሕሪ ምባል፡ “ቆልዑ ንምንታይ ይሳቐዩ፧” ዚብል ሕቶ ዓብዩ ሕቶ ምዃኑን፡ ኩሉ ጊዜ ኺለዓል ከም ዚግብኦን ድማ ኣስመርሉ። እቲ መልሲ ግን ኣብ ኣእምሮና ዘይኰነስ ኣብ ልብና ኸም ዚርከብ ድማ ኣረድኡ።”

ናይ ስነ-ህይወትን ናይ ስነ-ሕክምናን ሊቃውንቲ ከም ዚገልጽዎ፡ ንብዓት ፡ ነዒንቲ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፈሳሲ እዩ። ኣዒንትና ንብዓት ካብ ምምንጫው እንተ ኣቋሪጸን፡ ኩዕሶ ዓይንናን ጉልባሽናን (ከበሮ ዓይንና፣ ሽፋን ዓይንና) ንሓድሕዱ ተጣቢቑን ተፋሓፊሑን ናብ ዑረት እዩ ዚመርሓና። ንብዓትና እምበኣር ከም መለስለሲ ወይ መጣሰሚ (lubricant) ዀይኑ እዩ ዜገልግለና። እቶም ንብዓት ዜመንጭዉ ጽክታት ዓይኒ ስርሖም ምስ ዜቋርጹ ሰብ-ሰርሖ ንብዓት (artificial tear) ዚወሃበሉ ምኽንያት ድማ ንሱ እዩ። ኣቡነ ፍራንሲስ፡ እቲ ምእንቲ ኻልኦት ዚብከይ ብኽያት፡ ንውሽጣዊ ኣዒንትና ኣጽርዩ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምርዳእ ዓቕምና ኸም ዜዕብዮ እዮም ኣብሪሆምልና።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝነብዐን ከም ዝበኸየን ኣብቲ ቅዱስ መጽሓፍ ተጻሒፉልና ኣሎ። ኣሓት ኣልኣዛርን እቶም ዜሰንይወን ሰባትን ኪበኽዩ ምስ ረኣየ፡ ምእንቲ ኣልኣዛር ዘይኰነስ ምእንቲ እተን ዚበኽያ ዘለዋ ኸም ዝነብዐ ተነጊሩና እዩ። እዚ ድማ ንሕና’ውን ብዛዕባ እቶም ብስጋ ዀነ ብመንፈስ ዝተወጽዑ ሰባት ክንነብዕ ከም ዚግብኣና ዝገደፈልና ኣርኣያ እዩ። ጐይታና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣይበኸየን፡ ኣይነብዐን ከኣ። ስለዚ እቲ ክርስቶስ ምእንትኡ ዝኸፈሎ ዋጋ ተረዲእዎ ምስ ኣምላኽ ተዓሪቑ ሓድሽ ህይወት ዝጀመረ ክርስትያን፡ ልቡ ካብ ናይ እምኒ ልቢ ናብ ናይ ስጋ ልቢ ስለ ዚልወጥ፡ ሓሳቡ ልክዕ ከም ናይ ክርስቶስ እዩ ዚኸውን። ንኹሉ ነገራትን ፍጻሜታትን በቲ ክርስቶስ ዚርእየሉ ዓይኒ ስለ ዚርእዮ፡ ንርእሱ ኻብ ምንባርን ካብ ምብካይን ወጺኡ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ኪበክይን ምእንቲ ኻልኦት ኪነብርን ዓቕሚ ይረክብ። ኣብ መንጎ ሰባት ዚረኣይ ሰፊሕ ፍልልይ ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ኣነባብራን ድማ ካብዚ ዝነቐለ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ገዛእ ከስዐኡ ዚኣክል ተዓንጊሉ ኸሎ፡ ብጥምየት ናይ ጎረቤቱ ኪቕረጽ ይሓድር። እቲ ኣዒንቲ ሕልንኡ ዝዓመተ ኸኣ፡ “ኣብ ጎረቤትና ጥምየት ኣብ ገዛና ድማ ጽጋብ ይገዝእ ኣሎ፡” ኢሉ ኪዝምር ይስማዕ። ገሊኡ “ነዞም ኣሕዋተይ ዘይትምሕሮም እንተ ዄንካ፡ ካብ መጽሓፍካ ሕኸኸኒ” ይብል። እቲ እግዚኣብሄር ዝጸልኣሉ ድማ ኣሕዋቱ ብቐዛፊ ለበዳ እናጠፍኡ ኸለዉ ዘይዓጀቦ፡ ብናቱ ጉንፋዕ ግን ድቃስ ይስእን።

ሓደ ጸረ ወንጌል ዝኾነ ሰብ፡ ንሓደ ሰባኽ-ወንጌል “በኸይቲ ኢኹም” ኢሉ ምስ ኣቃለሎም ዝሃብዎ መልሲ:- ” ‘በኸይቲ ኢኹም’ ከኣ ትብሉና፡ እወ ንበክይ፡ ንስኻትኩም ሰብ ምስ ሞተ ኢኹም እትበኽዩ፡ ንሕና ግና ሰብ ምእንቲ ኸይመውት ኢና እንበክይ።” ዚብል ነበረ። ምኽንያቱ ንዝሞተ ምብካይ ዋላ ሓንቲ ትርጉም የብሉን። እቲ ሓቀኛ በኻዪ፡ ንሰባት ካብ ሞት፡ ሞት ብሞቱ ድማ ካብ ዘልኣለማዊ ሞት ንኺድሕኑ እዩ ዚበክይ። እቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ብጨርቂ ዘይኰነ ብኢድ ኣምላኽ ዚድረዝ፡ እዚ ዓይነት ንብዓት’ዚ እዩ። ነዚ ንብዓት እዚ ድማ እቶም ወዲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ዘለዎም ናይ ኣምላኽ ሰባት ጥራይ እዮም ኪነብዕዎ ዚኽእሉ።

ንብዓት ፡ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ካብ ዜኽብሮም ዓበይቲ መስዋእትታት ሓደ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ንንብዓት ቅዱሳኑ ኣብ ጭልፋ ዚእክቦ። እቲ ቕዱስ ዳዊት:

ንስኻ ንምኹብላለይ ቈጸርካ፡ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፋኻ ኣከብካዮ፡ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን

ዝበሎ ቃል ኪርሳዕ ኣይግባእን እዩ (መዝ 56፡8) ። እቲ ንጹህን ቅኑዕን ንብዓት ቅዱሳን፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ከም ቅዱይ ቅብኢ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ጭልፋኡ ዚእክቦ፣ ነቲ ዝተነብዐን ዝፈረየን መጠን ንብዓት ድማ ኣብ መጽሓፉ ዚምዝግቦ። እግዚኣብሄር ዜኽብሮን ዚዓቑሮን ንብዓት ግና ተራ ንብዓት ኣይኰነን። ብምኽንያት ሓጢኣትካ ብዝወረደካ ጸበባ እትበኽዮ ብኽያት፡ ዓስቢ ዓመጻኻ ስለ ዝዀነ፡ እግዚኣብሄር ዚጽየፎ እምበር ዚዓቑሮ ንብዓት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ብናትካ ውልቃዊ ምኽንያት ምስ ስድራ ቤትካ ስለ ዝተፈላለኻ፡ ባህግታትካ ስለ ዘይሰመረልካ፡ ብሕማም ስጋ ስለ ዝተሳቐኻ፡ ናይ ቪዛን መንበሪ ወረቐትን ጉዳይ ስለ ዘይሰለጠካ፡ ግራትካ ስለ ዘይቀደወልካ እትነብዖ ንብዓት፡ መንዲልካ ወይ መተርኣስካ ይሰትዮ እምበር ናብ ጭልፋን መጽሓፍን ናይ ኣምላኽ ገጹ ኣይቀርብን እዩ። ብርግጽ እዚ ዝተጠቕሰ ጸገማት ብምኽንያት ወንጌል ዝመጸ እንተ ዀይኑ ግና እግዚኣብሄር ዚፈልጦ ንብዓት እዩ። እምበኣር እግዚኣብሄር ዚብህጎ ንብዓት:-

  • ብዛዕባ ሓጢኣትካ ኣብ ንስሓ እትነብዖ ንብዓት
  • ብምኽንያት ወንጌል ብዚወርደካ ማእሰርትን ማህረምትን፡ ምግባት ንብረትን፡ ምስጓጉን፡ ጥምየትን ዕርቃንን፡ ወዘተን እትነብዖ ንብዓት።
  • ብዛዕባ ሓጢኣትን ጥፍኣትን፡ ግፍዕን ጸበባን፡ ናይ ካልኦት ምብካይ ወይ ምንባዕ
  • ምእንቲ ዕዮን ክብርን ናይ ኣምላኽ ምንባዕ።
  • ምጽኣት ጐይታ ብምንፋቕ ንእንነብዖ ንብዓት የጠቓልል።
  1. ብዛዕባ ሓጢኣት ዘሎና ኣረኣእያ፡ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ፡ ብምኽንያት ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ክንንሳሕ ከሎና፡ ንብዓት ዚበሃል ንማለቱ ዘይረኣየና ኣዚና ብዙሓት ኢና። ሓጢኣት ምፍጻም ማለት መንፈሳዊ ሞት ምሟት ማለት እዩ። ብመንፈሳውን ዘልኣለማውን ሞትና ሓንቲ ነጥቢ እኳ ዘይነባዕና፡ ብሞት ኣባል ስድራ ቤትናን ፈታዊናን፡ ብሕማም ስጋናን ብኻልእ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ጊዝያውን ምድራውን ጸገማት ኣይሂ ዝዀነ ንብዓት ክንነብዕ ከሎና፡ ኣብ ሚዛን ኣምላኽ ተመዚንናስ ቀሊልና ኸም እተረኸብና ዓብዩ መረጋገጺ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ቈላሕታ ናይ ጎይታ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ምስ ረትዖ ናብ ደገ ወጺኡ ዝበኸዮ መሪር ብኽያት፡ ካብቲ ሃዋርያዊ ማዕርግ ካብ ምውራድ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብቲ ናይ ይሁዳ ዝዓይነቱ ዘልኣለማዊ ጥፍኣት’ውን ተበጅይዎ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣትና ክንነብዕ ሓይሊ ንስእን ዘሎና፡ንሓጢኣት በቲ ኣምላኽ ዚርእየሉ ዓይኒ ስለ ዘይንርእዮ እዩ። ብዛዕባ ሓጢኣትና መጠናዊ ጣዕሳ እምበር፡ ክንድቲ ኣምላኽ ዚጉህዮ ጓሂ ኣይስማዓናን እዩ። መጠን ንብዓትና ድማ ምስ መጠን ጓሂና ቀጥታዊ ዝምድና ኣለዎ። ጓሂና እናበዝሔ ብዝኸደ መጠን፡ ንብዓትና ድማ ብእኡ መጠን እዩ ዚበዝሕ። ሓጢኣትና፡ ሞት ወዲ ኣምላኽ ከም ዝጠለበን ከም ዘኽፈለን፡ ደጋጊምካ ብሓጢኣት ምቁምጣዕ ድማ፡ ነቲ ሓንሳእ ብሰሪ ሓጢኣትካ ዝተሰቕለ ወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ደጋጊምካ ምስቃልን፡ ነቲ ዝፈሰሰ ደሙ ምርጋጽን፡ ነቲ ማሕተም ውልድነትካ ኪኸውን ዝተዋህበካ መንፈስ ጸጋ ምጽራፍን ምዃኑ፡ እቲ ሓቀኛ መልክዕን ትርጉምን ናይ ሓጢኣትካ እንተ ተረዲኡካ፡ ተደቢርካ “ይቕረ በለለይ” ብዚብላ ምስ ስምዒትካ ዋላ ሓንቲ ምትሕሓዝ ብዘይብለን ደረቕ ቃላት ጥራይ ኣይትንሳሕን ኢኻ። ጐይታና ኣብ ጌተሰማኔ ብዛዕባ ሓጢኣትና ኺጉህይን ኪትክዝን ምስ ጀመረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ጉህያ ኣላ (ብጓሂ ክሳዕ ሞት በጺሔ ኣለኹ)” ኢሉ ተዛረቦም (ማቴ26፡38፣ ዮሃ12፡27) ። ጸሓፊ ናይ መልእኽቲ ናብ እብራውያን ድማ፡ ኣብዛ እዋን እዚኣ “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን” ከም ዝጸለየ ገሊጹልና ኣሎ (እብ 5፡7) ። ንብዓት ጥራይ ዘይኰነ ኣብቲ ኸትከት ዝብል ለይቲ፡ ረሃጹ ከም ነጥቢ ደም ክሳዕ ዚንጥብጠብ ከም ዝዀነ ተገሊጹልና እዩ (ሉቃ 22፡44) ። ክፍኣት ናይ ሓጢኣት ክንድቲ ናቱ ኺርድኣና ስለ ዘይክእል ጓሂና ምስ ጓሂኡ ኺመጣጠን እንተ ዘይከኣለ እኳ፡ ክንድቲ ናይቶም ብንስሓኦም ዜስመርዎ ቕዱሳን ብመሪር ብኽያት ብዛዕባ ሓጢኣትና ኽንጉህን ክንንሳሕን ይግባኣና እዩ። ብዕምቆት ስለ ዘይጎሃና ኢና፡ ዘይንጠዓሰሉ ንስሓ ምንሳሕ ስኢንና፡ ከም ከልቢ ደጋጊምና ትፋእና ኸነልምጽ፡ ከም ሓሰማ ተሓጺብና ኣብ ጸብሪ ኸነንገርግር ንርከብ ዘሎና።
  2. 2. ምእንቲ ወንጌል፡ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ብዝተቐበልናዮ ዝተፈላለየ ዓይነት መከራ እንነብዖ ንብዓት ድማ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ብኽብሪ ዚጥመት መስዋእቲ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ነዚ ንብዓት እዚ ንምድራዝ እዩ ንመዓልቲ ምጽኣት ወዱ ብትዕግስቲ ዝጽበይ ዘሎ። እቶም ናይ እምነት ነጻነት ኣብ ዘለዎ ሃገራት ዘሎና፡ ነዚ ኽቡር ንብዓት እዚ ኣይተዓደልናዮን። ኣብ ዓዲ መሰል ናይ ምህላው ወጽዓ ድማ እዚ እዩ። ኣብ ዓዲ ወጽዓን ግህሰት መሰልን ዚነብሩ ኽነሶም ነዚ ኽቡር ንብዓት እዚ ዘይካፈልዎ’ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ምኽንያቱ “ክብረቶም” ኺሕልዉ፡ ነቲ እምነቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኼውድቕዎ ስለ ዝመረጹ እዮም። እቲ ኻብዚ ዝዓይነቱ ንብዓት ዚሃድም፡ ካብታ እግዚኣብሄር ብኢዱ ንብዓት ቅዱሳኑ ዚደርዘላ ናይ ክብሪ መዓልቲ እዩ ዚሃድም። ኣምላኽ ዚደርዞ ንብዓት ምንባዕ እቲ ዝዓበየ ትዕድልትን ክብረትን እዩ
  3. 3. ምእንቲ ዕዮ ወንጌል እትነብዖ ንብዓት ድማ እቲ ሳልሳይ፡ እግዚኣብሄር ካብ ደቀ መዛሙርቱ ዚጽበዮ ንብዓት እዩ። ቅዱስ ዳዊት፡

ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዓጽዱ። ዘርኢ ተሰኪሙ ብብኽያት ይወፍር፡ እንዳእቲ ተሰኪሙ ብእልልታ ይምለስ።

ከም ዝበለ፡ ንብዓትን ምዝራእን ዘይፈላለዩ መኻይዲ እዮም (መዝ 126፡5-6) ። እቶም ዚዘርኡ፡ ነቲ ምግቦም እዮም ናብ ምድሪ ዝብትንዎ፣ ዚድርብይዎ ዘለዉ። ስለዚ ኪጠምዩን ጾሞም ኪሓድሩን ስለ ዝዀኑ እዮም እናነብዑ ዚዘርእዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ወንጌል ብኸመይ ከም ዝሰበኸሎም ምስ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን ኪዘራረብ ከሎ፡

ብውዲት ኣይሁድ ፈተና እንተ በጽሓኒ እኳ፡ ብኹሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ከም ዘገልገልኩ፡ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም፡ ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ከየብኰርኩ ኸም ዝመሃርኩኹም . . . ትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ምምዓድ ከም ዘየብኮርኩ እናዘከርኩም ንቕሑ።

ዝበሎ ቓል፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ንብዓት፡ ዘርኢ ወንጌል ዜብቁል ዝናብ ምዃኑ ኣረጋጊጽልና ኣሎ (ግብ 20፡19,20,31) ። መቸም እቲ ሰባኺ ወንጌል። “ክሰብኽ ከለኹ ክነብዕ ኣሎኒ” ብምባል ባዕሉ ነቲ ንብዓት ኬምጽኦ ኣይክእልን እዩ። ወንጌል ኪሰብኽ ከሎ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝሰብኮ ቓል፡ ነቲ ዚስበኽ ዘሎ ህዝብን ካብ ዘለዎ ቅንኣት ዝተላዕለ፡ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ኣንጻር ፍቓዱ ብዝዀነ መገዲ እዩ ዚነብዕ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብኣካል ደው ኢሉ ኪሰብኽ ከሎ ጥራይ ዘይኮነ ዋላ ናብተን ኣብያተ ክርስትያናት መልእኽቲ እናጸሓፈ ኸሎ’ውን ይነብዕን ይበክይን ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ (ፊሊ 3፡18) ። እግዚኣብሄር በቶም ንዝተዋህቦም ዘርኢ ወንጌል ብንብዓት ዚዘርኡ ኣዝዩ እዩ ዚሕጎስ። ምኽንያቱ ሕጊ ናይቲ ባዕሉ ዝሰርዖ ዕዮ ወንጌል ብንብዓት ምዝራእ እዩ። እምበኣር “ሃብቲ ንብዓት ሃበኒ” ኢልካ ምጽላይ ጸሎት ብልህታት እዩ።

  1. 4. እቲ ኻልእ ምንጪ ናይቲ ንኣምላኽ ዜስምር ቅዱስ ንብዓት ድማ፡ ምግሃድ ጐይታና ኢየሱስ ብምንፋቕ እንነብዖ ንብዓት እዩ። ነዚ ንብዓት እዚ ዚነብዕ ቁጽሪ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ካብ ትዕዝብቲ ናይ ኩላትና ስዉር ኣይኰነን። ይትረፍ ክንነብዓሉ፡ ብዛዕባ ምጽኣቱ እንዝክረሉ እዋን እኳ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ንምጽኣቱ ፈጺምና ከም ዘይንዝክሮ እቲ ኣነባብራና እዩ ዜቃልዓና። ኣብዛ ሓላፊት ምዃና ዝተነግረና ዓለምን ህይወትን ንዘልኣለም ከም እንነብር ኴንና እምበር ከም ኣጋይሽን ከም ሓለፍቲ መገድን ኴንና ኣይኰንና ንነብር ዘሎና። ብናፍቖት ናይ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝተፈልየና ኣባል ስድራና ፈታዊና እምበር፡ ብናፍቖት ጐይታ ምንባዕ ዚሕሰብ’ውን ኣይኰነን። ሰብና ብሞት ኪፍለየና ኸሎ ንሓዘንና ዜምርሮ፡ ብዛዕባ ንብረትን ርስትን መሰልን ክሳዕ ምክሳስን ምቅታልን ዚብጻሕ፡ ተስፋን ናፍቖትን ናይ ጐይታናን ናይ መንግስቱን ስለ ዘይብልና እዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ግና ናብ ጐይታ ብሞት ኺግዕዙ፡ ወይ ከኣ ጐይታ ብምጽኣቱ ኺገሃድ ብርቱዕ ሃረርታን ናፍቖትን ነበሮም ( ፊሊ1፡22-24)። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ፡

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና። ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ ኣሎና። ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣሎና።

ዝበሎ ቃል፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታናን እታ ሰማያዊት መንግስቱን ክንደፋነቕን ክንበክይን ከም ዚግባእ ኣነጺሩልና እዩ (2ቆረ 5፡1-4) ። ንክርስትና ኣብ ምድራዊ ህይወትና ብዓወት ከይንነብሮ ዜድክመና ዘሎ፡ ንጐይታ ክሳዕ ምብካይ ስለ ዘይናፈቕናዮን፡ ንዓለምን ናብራኣን ድማ ክሳዕ ክንድኡ ስለ ዘይጸላእናዮን እዩ። እቲ ብናፍቖት ምጽኣቱ እንደፋነቖን እንነብዖን ድማ ብኢድ ጐይታ ዚድረዝ ሰማያዊ ጠሊ እዩ። ክርስቶስ ድማ ንምድሓን እቶም ብንብዓት ዚጽበይዎ እዩ ዚገሃድ (እብ 9፡28)

ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኲሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኲላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እንሆ፡ ኣምላኽና እዚ እዩ፡ ተጸቤናዮ፡ ኬድሕነና ኸኣ እዩ፡ እቲ እተጸቤናዮ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ብምድሓኑ ንተሐጐስ ባህውን ይበለና፡ ኪበሀል እዩ።(ኢሳ 25፡8-9)

ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን። (2ጢሞ 4፡6-8)

ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ ኣለዉ፡ስለዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳልይሎም ኣሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪበሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን እዩ።”  (እብ 11፡16)

  1. እቲ ሕመረትን መበገስን ናይዚ መልእኽቲ ዝዀነ ሓምሳይ ዓይነትን እግዚኣብሄር ልዕሊ ኹሉ ዚናፍቖን መኣዛኡ ድማ ነቲ ናይ ክርስቶስ ዚጥዕም ንብዓት፡ እቲ ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ብዛዕባ ኻልኦት እትነብዖ ንብዓት እዩ። ነዚ ንብዓት እዚ ኺነብዖ ዚኽእል፡ እቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺነብዕ ዚገብሮ ኩሉ ኻልእ ምኽንያታት ዝፈትሐን ዜዳቐሰን እዩ። ብዛዕባ ካልኦት ምንባዕ ዚሰኣነና እኮ፡ ኣብቲ ናትና ጉዳያት ጥራይ ስለ እንጽንቅቖ፡ ንኻልኦት ዚኸውን ጥብ ዚብል ንብዓት ንስእን። ብዛዕባ እቲ ዘይተናገፉሉ ደጋጊሞም ዚፍጽምዎ ሓጢኣት ኪበኽዩ ዚነብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ ኻልኦት ኪነብዕዎ ዚኽእሉ ተረፍ ንብዓት ኣይህልዎምን እዩ። እቶም ብምኽንያት እምነቶም ብዝወርዶም መከራ ዚነብዑ’ውን፡ ብጸጋ እናዓበዩ ምስ ዚኸዱ፡ ብዛዕባ እቲ ዝወርዶም መከራን ምእንቲ ስሙ ኺሓስሩ ብቑዓት ዀይኖም ብምቑጻሮምን ናብ ምሕጓስን ምሕባንን ስለ ዚዓብዩ፡ እቲ ንብዓቶም፡ ምእንቲ እቶም መከራ ዜጽግብዎምን ምእንቲ እቶም ብወንጌል ኣሚኖም ዘይደሓኑ ሰባትን፡ ምእንቲ ጽንዓት ናይቶም ኣብ እምነት ዘለዉ ምእመናን እዮም ዜፍስስዎ። ሃዋርያ ጳውሎስን ሲላስን፡ ኪስፈፍ ዜድልዮ ቁስሊ ክሳዕ ዚቘስሉ ተገሪፎም ከይኣኽሎም፡ መሓውሮም ብመቑሕ ምስ ጉንዲ ብጽኑዕ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ፍርቂ ለይቲ ዝፋን ኣምላኽ ዚንቕንቕ ምስጋናን ውዳሴን ብመዝሙር የቕርቡ ነበሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ’ውን ንጽባሒቱ ኺስየፍ፡ ብመቑሕ ምስ ክልተ ወተሃደራት ተኣሲሩ ኣብ መንጎኦም ተጋዲሙ ኸሎ፡ ኣዝዩ ልዋም ድቃስ ወሰዶ። እዚ ድማ፡ እዞም ቅዱሳን ሃዋርያት ብዛዕባ’ቲ ዝወረዶም ጸበባ ኻብ ምስትምሳልን ምስቁርቋርን ከም ዝወጹ፡ ልዕሊ ዓይነትን መጠንን ንውሓትን ናይቲ ዚወርዶም ጸበባ ከም ዝዓበዩ ዜመልክተና እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡

ስለዚ ክብረትኩም እዩ እሞ በቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባይ ከይትስልክዩ እልምነኩም ኣለኹ።

ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኩላትኩምውን እሕጎስ ኣለኹ። ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ በሉ ምሳይውን ተሓጎሱ።

ሕጂ ድማ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጎስ ኣለኹ። ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ ኣለኹ።

እምበኣርከ. . . . ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓግ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።

ብምባል፡ ነቲ ጸበባ ሓለፍ ዚብሎ ጸጋ ኸም ዘጥረዩ፡ ከም ክርስቶስ ካብ ገዛእ ርእሶም ናይ ምውጻእን ርእሶም ናይ ምኽሓድን ዓቕሚ ኸም ዘጥረዩ ኣረጋጊጾሙልና እዮም (ኤፌ3፡13፣ ፊሊ2፡17-18፣ ቈሎ1፡24፣ 2ቆረ12፡10) ። ስለዚ እቲ ልዕሊ ሕግን ሓጢኣትን፡ ልዕሊ ጸበባን ርእሰ ፍትወትን ጸብለል ዚብለሉ ጸጋ ዝረኸበ ሰብ፡ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱን ጸበባኡን ዜፍስሶ ንብዓት፡ ምእንቲ ኻልኦት ስለ ዚነብዖ፡ ንምስሊ ኣርኣያ ክርስቶስ ለቢስዎ ኣሎ ማለት አዩ።

ነብዪ ኤርምያስ፡ ካብቶም ናብዚ ብራኸ ጸጋ እዚ ዝደየቡ፡ ናይ ኣምላኽ ቅዱሳን ሓደ እዩ ዝነበረ። ካብዚ ዝተላዕለ ሰበኽቲ ወንጌል “እቲ በኻዪ ነብዪ፡ ኣልቃሻው ነብይ፣ The weeping (lamenting) prophet” እናበሉ ናይ ክብሪ ቕጽል ስም ኪህብዎ ይስምዑ እዮም። ንሱ ዝጸለዮ ጸሎት፡ ብልሳን ዝዀነ ኻልእ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኪጽለይ ከሎ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሰማዕናዮን። እቲ

ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፡ ለይትን መዓልትን ክበክስ፡ ርእሰይ ዔላ ማይ፡ ኣዒንተይ ድማ ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዚኸውን መን ምሃበኒ።

ዚብል ጸሎቱ፡ ይትረፍ ክትጽልዮ ክትርድኦ’ውን ኣጸጋሚ እዩ (ኤር 9፡1) ። ከምዚ ዝዓይነቱ “ስግንጢር” ኰይኑ ዚረኣየካ ጸሎት ኪጽልይ ዝደረዀ ግን እንታይ እዩ፧ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምዕራፋት ዝኸፋፈሉ ሰባት ፈልዮምዎ እምበር፡ ቅድሚ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሰፊሩ ዘሎ ኩነታት ናይቲ ነብዪ፡ እዚ ጸሎት እዚ ንኺጽልይ ዝደረዀ ምኽንያት ብስእላዊ መገዲ ዚገልጽ እዩ።

ኣብ ሓዘነይሲ ምጽንናዕ ኣበይ ክረክብ እየ፧ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሰለውለው ይብለኒ ኣሎ እንሆእግዚኣብሄርዶ ኣብ ጽዮን የሎን፧ ንጉሳዶ ኣብኣ የሎን እዩ፧’ ዚብል ኣውያት ጓል ህዝበይ ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ።……ቀውዒ ሓለፈ፡ ሓጋይ ተወድኤ፡ ንሕና ኸኣ ኣይደሓንናን ጓል ህዝበይ ስለ እተሰብረት ተሰበርኩ፡ ጸለምኩ ሰካሕኩውን ዚልከይ ፈውሲዶ ኣብ ጊልዓድ የልቦን፧ ፈውሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ። ስለምንታይ ደኣ ቁስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፊፉ ዘይሓዊ፧” (ኤር 8፡18-22) ።

ብዛዕባ ጉድኣት ህዝቡ ናብ ከምዚ ዝበለ ስምዒት ዘይኣተወ ሰብ፡ ነቲ ኤርምያስ ልዕል ኢሉ ዝጸለዮ፡ “ስግንጢር” መሳሊ ጸሎት ፈጺሙ ኺጽልዮ ኣይክእልን እዩ። ከም ነብዩ ኤርምያስ ኣብ ማእከል ህዝብኻ ሃሊኻ ተኻፋሊ ናይቲ መስበርቲ ኽትከውን ትኽእል። ወይ’ ውን ስግር ባሕሪ ወይ ስግር ዶብ ናይታ ሃገር ዘሎኻ ስደተኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝሃለኻ ሃልው በቲ ኣብ ህዝብኻ ዝወረደ ቑስልን መስበርትን ልብኻ ሰለውለው ኽሳዕ ዚብለካ ዘይትሓዝንን ዘይትስክሕን ልብኻ ዘይስበርን እንተ ዀይኑ፡ መንፈሳዊ ህዋሳትካ ሞይቶም፡ ኣብ ከቢድ መንፈሳዊ ምትኻስን ድንዛዘን ወዲቕካ ኸም ዘሎኻ ኣዝዩ ዓብዩ ምልክት እዩ። ነብዩ ኤርምያስ እቲ ስግንጢር መሳሊ ጸሎቱ ተመሊስሉስ፡

እምበኣርሲ እዚ ቓል እዚ ንገሮም፡ እታ ድንግል ጓል ህዝበይ ብብርቱዕ መውቓዕቲ፡ ብዜሰቅይ ቁስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፡ ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ

እንተ ዘይሰማዕኩም ግና፡ ብሰሪ ትዕቢትኩም፡ ነፍሰይ ብሕቡእ ክትበክይ እያ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፡ ንብዓት ድማ ዘርባሕባሕ ይብላ ኣለዋ

ኢሉ ኽሳዕ ምምስካር በቒዑ እዩ (ኤር 14፡17; 13፡17) ። ኣብቲ ጥቕስታት ኣስተውዒልናዮ እንተ ኣሎና፡ እግዚኣብሄር ከምኡ ኢሉ ኺዛረብ ስለ ዝኣዘዞ እምበር፡ ንሱ ብሕቡእ ይበክይ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ እዩ። ንሕና ሳሕቲ ኣብ ዚውደብ መንፈሳዊ ናይ ንስሓ ማልዶት (ምልጃ) ጉባኤታት ሓንሳብ ዝርንዛሕ እንተ ነቢዕና፡ ንሰማይን ምድርን ብንብዓትና ዜጠልቀናዮን ዜበስበስናዮን ኰይኑ እዩ ዚስምዓና። ነዚ ነገር እዚ ንውሑድ ግዜ ደጋጊምናዮ ህጹጽ መልስን ፍታሕን እንተ ስኢንና ብፍላይ፡ “ኣብ ቅድሚኡ እዚ ኹሉ ነቢዕና እንታይ ረባሕና፧ ፍርድና ካብ ኣምላኽ ሓሊፉ እዩ፡ ኣምላኽ ብጸሎትናን ንብዓትናን ቕጭ መጺእዎ እዩ።” ብዚብል ዘይመንፈሳዊ ፈሊጥ ወይ ብሂል፡ ናብ ከምኡ ዚመስል ካልእ ጉባኤ ኽንከይድ እኳ ባህጊ ኣይነርእይን ኢና። እዞም ኣርኣያና ኽንገብሮም ዝተዋህቡና ቅዱሳን ግን ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ብሕቡእን ብስዉርን መገዲ እዮም በኽዮምን ኣልቂሶምን። እግዚኣብሄር ከኣ፡

ኢየሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ ቐጽርኺ ሓለውቲ ኣቚመ ኣለኹ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይኪብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ ንኢየሩሳሌም ክሳዕ ዜጽንዓ፡ ኣብ ምድሪውን መመስገኒ ክሳዕ ዚገብራ ኣይተዕርፍዎ

ኢሉ እዩ ዝኣዘዘ (ኢሳ 62፡6-7) ። እቶም ሓሳብ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ዘሕደሩ ቅዱሳን ድማ፡

ጽድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፡ ምድሓና ኸኣ ከም ሃልሃልታ ፋና ማሕ ክሳዕ ዚብል፡ ብዛዕባ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን፡ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ድማ ኣይክዓርፍን እየ

ብምባል ንኣምላኽን ንህዝቢ ኢየሩሳሌምን ቃል ይኣትዉ፡ ይትግብርዎ ኸኣ (ኢሳ 62፡1) ። ከም ነብዪ ኤርምያስ፡ ነብዪ ኢሳይያስ’ውን ፣

ስለዚ (ብዛዕባ ህዝበይ) ኣምሪረ ኽበክስ ቁሊሕ ኣይትበሉኒ (ሕደጉኒ) ብጥፍኣት ጓል ህዝበይ ንምጽንናዕ (ከተጸናኑዑኒ) ኣይትነዝንዙኒ።

ክሳዕ ምባል በጽሐ (ኢሳ 22፡4) ። እግዚኣብሄር ምእንቲ እቶም ብኸምዚ ዝበለ ሕያውነት ንህዝቦም ኪብጀዉ ዘንቀዱ ሕሩያቱ ኢሉ፡ መዓልታት መከራ ኼሕጽር፡ ነቲ ዚነድድ ቁጥዓኡ ኼህድእን፡ ፍቓድ እቶም ዝኸም ልቡ ዝዀኑ ባሮቱ ኺመልእን እቲ ሰናይ ባህሪኡ ይድርኾ እዩ። እግዚኣብሄር ከምኡ ኺሰምዕ ስለ ዝበሃገ፡ ነቲ ዋጋ ዕዳጋ ዚጥዕም ጸሎት ኣብርሃም ኪሰምዕ ስለ ዝናፈቐ እዩ፡ ነታ ብዘይካ ሎጥ ካልእ ጻድቕ ዘይነበራ ሶዶም ናይ ምድምሳስ መደቡ ንኣብርሃም ባርያኡ ኼካፍሎ ዝመረጸ። ጸሎት ኣብርሃም ድሕነት ሶዶም እንተ ዘየውሓሰ እኳ፡ ንባህጊ ኣምላኽ ኣዕጊቡ፡ ንሕያውነት ኣምላኽ ኣግሂዱ፡ ንጽድቂ ኣብርሃም ድማ ከም ብርሃን ጸሓይ ኣድሚቕዎ እዩ። ኣብርሃም፡ መደብ ናይ ኣምላኽ ሰሚዑ ኼብቅዕ፡ ብዛዕባ እታ እግዚኣብሄር ዝቐበጻ ሶዶም ከይቀበጸ ኼማልድ እንተ ዘይተግህ፡ ከምቲ ነብዩ ሳሙኤል፡

ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ፡ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሓቕ።

ዝበሎ፡ ንኣብርሃም ብርግጽ ሓጢኣት ምዀኖ ነይሩ (1ሳሙ 12፡23) ። እግዚኣብሄር፡ በቲ፡ መዓት ተመዲቡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣንጠጥዩ ኸም ዘሎን እናፈለጠ፡ ወይ ድማ መዓት ወሪዱ ንህዝቡ የጥፍእ ከም ዘሎ እናረኣየን እናሰምዐን፡ ብንብዓት ዘይጽልን ዘየማልድን ውልቀ ሰብን ህዝብን ኣዝዩ ኸም ዚግረም፡ ካብ ምግራም ሓሊፉ’ውን ከም ዚቑጣዕ፡ ብቓሉ፡

ደጊም ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ረኣየ፡ ሓደ እኳ ዜማልድ ስለ እተሳእነ ተገረመ. . . ”

ኣነ ኸየጥፍኣስ፡ ነቲ ቐጽሪ ዜጣጥእ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ምንቃዕ ዚቐውም ኣብ ማእከሎም ሓደ ሰብኣይ ደሌኹ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። ስለዚ ኸኣ ኩራይ ኣብ ልዕሊኦም ኣፍሰስኩ ብሓዊ ነድረይ ኣጥፋእክዎም፡ መገዶም ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም።. . .”

እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ነቶም ገለ ኸይርእዩስ ንመንፈስ ርእሶም ዚስዕቡ ዓያሱ ነብያት ወይለኦምይብል ኣሎ። ኣታ እስራኤል፡ ነብያትካ ኸምተን ኣብ ምድረ በዳ ዚነብራ ወኻሩ እዮም። በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቈሙስ፡ ናብቲ ፍራስ ኣይወጻእኩምን፡ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቀጽሪ ኣይሰራሕኩምን

ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ኢሳ59፡16፣ ህዝ22፡30-31፣ ህዝ13፡3-5) ። እምበኣር እቶም ብንብዓት ምእንቲ ህዝቦም ዚጽልዩን ዜማልዱን ናይ እግዚኣብሄር ሰባት፡ ንፍሩስ ዚጽግኑ ንህዝቦም ድማ ቀጽሪ ዚዀኑ እዮም። ንእግዚኣብሄር ድማ ካብ ቁጥዓ ርእሱ ኺገትእ ስለ ዚድርኽዎ፡ ኣገልግሎቶም ድርብ እዩ። ነቲ ህዝቢ ቀጽሪ ይኾንዎ፣ ንእግዚኣብሄር ድማ ቑጥዓኡ ኺገትእ ይድርኽዎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ድርብ ኣገልግሎት ዚጽመድ ሓደ ሰብ ብምስኣኑ እግዚኣብሄር እንተ ተገረመን እንተ ተቘጥዐን እምበኣር ኬገርመና ኣይግባእን እዩ። ከምቲ ምምላድ ኣብርሃም ንሶዶም ዘየድሓና፡ ንብዓትካን ጸሎትካን ንህዝብኻ እንተ ዘየድሓኖ እኳ፡ ካብዚ ቅዱስን ድርብን ኣገልግሎት እዚ ንምብኳር ከም ምኽንያት ክትጥቀመሉ ኣይግባእን እዩ። ሙሴ ሓሳብ ኣምላኽ ዝተረድኦ ሰብ እዩ ዝነበረ። ድሕሪ ጥፍኣት ቈራሕን ዳታንን ኣቢራምን፣ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ምስ ኣጉረምረመ፡ እግዚኣብሄር ብጣዕሚ ተቘጥዐ እሞ፡

ካብ ማእከል እዚ ኣኼባ እዚ ፍልይ በሉ፡ ኣነ ብቕጽበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ።

ኢሉ ተዛረቦም (ዘሁ 16፡44-45) ። ሙሴ ግና ተኣዚዙ ኣብ ክንዲ ዚፍለይ፡ ብኣንጻሩ ንኣሮን ጽንሃህን ዕጣንን ሒዙ ኣብ ሞንጎ ህዝብን እግዚኣብሄርን ቈይሙ ኼተዓርቖም ነገሮ። ኣሮን ከምኡ ምስ ገበረ ድማ እቲ መዓት ዝግ በለ። ስለዚ ኣሮን ነቲ ህዝቢ ቐጽሪ ዀይኑ ካብ ጥፍኣት ተበጅይዎ ማለት እዩ። ብመሰረት ራእይ 5፡8; 8፡34 እቲ ዕጣን ጸሎት ቅዱሳን እዩ።

ነብዪ ኤርምያስ ብጸሎቱ፡ ቐጽሪ ህዝቢ ዀይኑ ዘገልገለ፡ ምእንቲ ህዝቡ ንኣምላኽ ብምልማን ድማ ላሕ ዘበሎ ሰብ ምንባሩ በዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ገሊጹልና ኣሎ፣

እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ነዚ ህዝቢ እዚ ሰናይ ኣይትለምነሉ”   ኤር 14፡11

“.  . . ንስኻስ ምእንቲ እዚ ህዝቢ ኣይትለምን ምእንትኦም ከኣ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን”  ኤር 11፡14

እምበኣርሲ ኣይክሰምዓካን እየ እሞ፡ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ኣይትማህለል፡ ኣይትጸልይ፡ ላሕውን ኣይተብለኒ”  ኤር 7፥16

“. . . ጽቡቕ ክገብረሎምን ኩራኻ ኸርሕቐሎምን ኢለ ኣብ ቅድሜኻ ከም ዝቘምኩ ዘክር ” ኤር 18፡20

እቲ ለይትን መዓልትን ኸየቋረጸ ዜፍስሶ ዝነበረ ንብዓት፡ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈይሙ ምእንቲ ህዝቡ ኣብ ዚጽልየሉ እዋን ዜፍስሶ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ብንብዓትን ጸሎትን ናይ ኤርምያስ ጥራይ ኣይዓገበን። ኩሉ እቲ ህዝቢ ኺበክይን ኪቑዝምን ኪዱግዕን ደለየ። ህዝቡ ብኽያት ኪለምድን ድጉዓ ኺመሃርን ከም ዚደልይ ብኸምዚ ዚስዕብ ገለጸ።

እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣስተብሂልኩም በኸይቲ ኣንስቲ ኺመጻ ጸውዑ፡ እተን ለባማት ኪመጻ ድማ ልኣኹለን። ሃገር ስለ ዝሐደግና፡ ኣባይትና ኸኣ ስለ ዘፍረስዎ፡ ሓፍረት ለበስና፡ ኣታ ኽንደይ ጠፊእና ኢና፡ ዚብል ድምጺ ቚዝማ ኻብ ጽዮን ይስማዕ ኣሎ እሞ፡ ኣዒንትና ንብዓት ኪቐዝር፡ ኰበሮ ዓይንናውን ማይ ኬውሕዝ፡ ቀልጢፈን ይቘዝማልና። ንቘልዑ ኻብ ቅርዓት፡ ነጒባዝ ድማ ካብ ኣደባባይ ምእንቲ ኼብርስ፡ ሞት ብመሳዂትና ደዪቡ ናብ ኣዳራሻትና ኣትዩ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዓ፡ ኣእዛንክን ድማ ቃል ኣፉ ይቀበል። ነዋልድክን ቊዝማ ኣልምዳ፡ ንሓድሕድክን ከኣ ድጒዓ ተማሃሃራ። እግዚኣብሄርሲ፡ ሬሳታት እቶም ሰብ፡ ከምቲ ደድሕሪ ዓጻዲ ዚእክቦ ዜብሉ እንዳእቲ፡ ከም ድኹዒ ኣብ ግራት ኪወድቁ እዮም፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም።”    ኤር 9፡17-22

ኣብዚ ክፍሊ ጽሑፍ እዚ ኸም እንግንዘቦ፡ ነተን በኸይቲ ኣንስቲ፡ “ለባማት ኣንስቲ” ኢሉ ጸዊዕወን ኣሎ። ነቲ ህዝቢ ብብኽያት ክመርሓኦን ባዕሉ ምብካይ ከም ዚኽእል ገይረን ኬልምዳኦን ኪምህራኦን ድማ ኣዘዘን። እምበኣር እቲ ምብካይ ዘይኰነሉ ሰብ፡ ከምቲ ንጸሎትን ንመዝሙርን ንቓል እግዚኣብሄርን ዚመሃሮ፡ ከምኡ ድማ ንብኽያት ኪመሃሮ ከምዚግባእ እግዚኣብሄር ኣዚዙ ኣሎ። ካህን እዝራ፡ እቲ ኻብ ምርኮ ዝተመልሰ ህዝቢ፡ ነቲ ናብ ምርኮ ኣሕሊፉ ዝሃቦም ሓጢኣት ኣቦታቶም ኪደግሙ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብብኽያት ምእንቲ ህዝቡ ተናዘዘን ጸለየን (እዝ 9፡1-15; 10፡1)።

ነህምያ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዚቐውም ኣዝዩ ጥዑም ናብራ ዜስተማቕር ሰብ እዩ ዝነበረ። ካብ ኣሕዋቱ ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ህዝባን ኣዝዩ ዜሕዝን ዜና ምስ ሰምዐ ግና ሓያሎ መዓልታት ብዓሚቚ ሓዘን እናበኸየ ኣብ ቤቱ ኺጸውምን ኪጽልይን ቀነየ። ናብ ስርሑ ተመሊሱ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣገልገሎቱ እናፈጸመ ኸሎ’ዉን እቲ ጓሂ ገና ንልቡ መሊኡስ ኣብ ገጹ ከይተረፈ ይረኣይ ነበረ። እቲ ንጉስ ድማ ኣንቢብዎስ፡ “ዘይሓመምካ ክነስኻስ ገጽካ ጉህዩ ኣሎ፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ፧ እዚ ኻልእ ነገር ኣይኰነን፡ ጓሂ ልቢ ደኣ እዩ።” ኢሉ ተዛረቦ። ብዛዕባ ወጽዓ ኻልኦት ከምዚ ዝበለ ጓሂ እንተ ዘይብልካ፡ ንንብዓት ዚኸውን ዓቕምን ፍቓድን ኣይህልወካን እዩ። ልክዕ ከምቲ መትንታት ህዋሳቱ ብሕማም፡ ብመድሃኒት ወይ ብመስተ ዝደንዘዘ፡ “ወቒዖምንስ ኣይተሰምዓንን፡ ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን፡” ዚብል ሰብ ኴንካ ኣሎኻ ማለት እዩ። እቲ ብዛዕባ እስራኤል፡

ስለዚ ቑጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዓወሉ፡ እዚውን ብኽቡ (ብዙርያኡ) ኣንደዶ ግናኸ ኣይፈለጠን ሞዂ ኣበሎ ግናኸ ኣብ ልቡ ኣይተመልሰን

ዝተባህለሉ መንፈሳዊ ድንዛዘ በጺሑካ ኸም ዘሎ ኸተስተውዕል ይግባእ (ኢሳ 42፡25) ። ኣቦታት “ኣፍንጫ እንተ ተሃርመትስ፡ ዓይኒ ትበክይ” ከም ዚብሉ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ዝዀነ ክፍሊ ኣካላቱ ተሃሪሙ ኪቘስል ኪስበር ከሎ እያ ዓይኒ ፈጺማ ዘይተተንከፈት ክነሳ ኣይሂ ትነብዕ፡ ኣፍ ድማ ተእውን ትቑዝምን፡ ካልእ ኣካላት ድማ ምስቲ ጉዱእ ኣካል ብሓባር ይልለው። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡

ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኩሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኩሉ ኣካላት ሓቢሩ እዩ ዚሕጎስ።

ብምባል ኣረጋገጸልና (1ቆረ 12፡26) ። ኣብ ሃገርካን ህዝብኻን ዝወረደ ጸበባ፡ ዓዲ ስለ ዘርሓቕካ ኣባኻ እንተ ዘይበጽሐ እኳ፡ ኣብቲ ንስኻ ዝኣካሉ ሰብነት ይወድቕ ስለ ዘሎ፡ ምስኡ ሓቢርካ ኽትስቀይን ክትነብዕን ናብ እግዚኣብሄር ድማ ኸተእውየሉን እዩ ዚግባእ። እዚ ድማ ሃገርካን ህዝብኻን ጽድቆምን ምድሓኖምን ከም ብርሃን ጸሓይን ከም ሃልሃልታ ፋናን ክሳዕ ዚደምቕ ኪቕጽል ይግብኦ።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብተን ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዓመታት ናይ ኣገልግሎቱ ዳርጋ ኹሉ ጊዜ ብመንፈስ እናጐሃየን እናተከዘን እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብቲ ኣብ ኣኽራን ንበይኑ ኺጽልይ ዝደየበሉ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ኼድሕኖን ህይወቱ ኪኸፍለሉን ዝመጸ ህዝቢ ብንብዓት ኪጽልይ ይሓድር ከም ዝነበረ ነጋሪ ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ኹሉ ዓመታት ንመንነቱ ዚግባእ ክብሪ ዝተቐበለላ መዓልቲ ሓንቲ ጥራይ እያ። ንሳ ኸኣ መዓልቲ ሆሳእና ነበረት። ምሉእ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን፡ ኪሰግድ ናብኡ ዝመጸ ህዝቢ እስራኤልን፡ ክዳኑን ስየን ኣንጺፉ ሆ! እናበለ ብምዝማር የኽብሮ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሱ ግና ይበክይ እምበር ይሕጎስ ኣይነበረን። ብዛዕባ ስቕለቱን ሞቱን ዘይኰነ ድማ፡ ብዛዕባ እታ ንሰላማ ዚኸውን መገድን፡ ንምሕረታ ዚኸውን ዘመንን ምፍላጥ ተሳኢንዋ፡ ነቶም ንድሕነታ ናብኣ ዝተላእኩ ነብያት ክትቀትል ዝጸንሐት፡ ንእኡን ንሃዋርያቱን ንምቕታል ድማ ደሞም ትጸምእ ዝነበረት ኢየሩሳሌምን ህዝባን እዩ ዘልቀሰ። ምኽንያቱ ነቲ ዝተዳለወላ ሰላምን ምሕረትን ድሕነትን ስለ ዝተሓሰመቶ፡ ከቢድ ቁጥዓን ጥፍኣትን ተዳልዩላ ኸም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ እዩ። እምበኣር ብስሙ “ክርስትያን” እተሰመና ምስሊ ኣርኣያኡ ዝለበስና ኩልና፡ ኣብ መዓልቲ ውልቃዊ ሓጎስናን ክብረትናን እኳ፡ ብዛዕባ ጥፍኣትን ጉድኣትን ናይ ህዝብና ንምብካይን ምድጓዕን ቀዳምነት ክንህቦ እምበር ኪንርስዖ ከም ዘይግብኣና ዘይሃስስ ድሙቕ ኣሰርን ኣርኣያን ሓዲጉልና ኣሎ (ሉቃ 19፡41-44; ማቴ 23፡ 37-39) ።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ተልእኾኡ ንኣህዛብ እምበር ንህዝቢ እስራኤል ኣይነበረን። እንተ ዀነ ብዛዕባ እቲ ልቡ ዘትረረ፡ ምድሓን ካብ ማእከሉ በቚላ ኸተብቅዕ፡ ኬለልያን ኪቕበላን ዘይከኣለ ህዝቡ ግና ዓሚቕ ሓዘን ይስምዖ ኸም ዝነበረ፡

ኣነ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕልናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይመስክረለይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ። ኣነ ብርእሰይ (ንባዕለይ) ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለይ ምደለኹ

ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ሮሜ 9፡1-3) ። እዚ ኽቱር ጓህን ስቓይን እዚ ብፈልፋሊ ንብዓት ዝተሰነየ ምዃኑ ነጋሪ ዘየድልዮ ጉሁድ ሓቂ እዩ። እቶም ዘይደሓኑ ናይ ስጋ ኣዝማዱ ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ካብ ክርስቶስ ውጉዝ ኰይኑ ብምፍላይ ዘለኣለማዊ ዋጋ ኪኸፍለሎም ድሉውን ፍቓደኛን ዝነበረ ሰብ፡ ብዛዕባ ድሕነቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብንብዓት ካብ ምጽላይ የዕርፍ ነይሩ ኽትብል ኣጸጋሚ እዩ።

እምበኣር፡ ንሕና’ውን ንብዓት ክርስቶስን ንብዓት ናይቶም ብእኡ እተላእኩ ነብያትን ሃዋርያትን እንተ ነባዕና ብርግጽ ንብዓትና ኣብ ላዕሊ ብኢድ ኣምላኽ ዚድረዝ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ኣብ መንዲልን መተርኣስን ተሰትዩ ኣይኪተረፍን እዩ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ጭልፋኡ ዘይዕቈር፡ ኣብ መጽሓፉ ዘይጸሓፍ፡ ብኢዱ ዘይድረዝ ንብዓት፡ እግዚኣብሄር ዚጽየፎ ኸንቱን ሕሱርን ንብዓት እዩ። ስለዚ ንብዓትና ኸይተረፈ ኣብ ምርጫና ኸም ዚምርኰስ ነስተውዕል። ነቲ ኣብ ላዕሊ ዚድረዝ ቅዱስ ንብዓት ንምረጽ። ካብ ክርስቶስን ካብ ነብያቱን ሃዋርያቱን ንመሃሮ፡ ንለማመዶ፡ ንውረሶ ድማ። እዚ ኣምላኽ ዜኽብሮ፡ ባዕሉ ኺደርዞ እምበር ንኻልእ ኣሕሊፉ ኺህቦ ዘይፈትው ንብዓት፡ ናይ ነፍስና ቕዱይ ቅብእን ምኡዝ ሽቶን እዩ። እቶም ኣብዛ ምድሪ፡ ኣብዛ ሓጻር ዕድመ እዚኣ፡ ኣምላኽ ዜኽብሮን ዚደርዞን ንብዓት ኣብዚሖም ዘይነብዑ ሰባት፡ ድሕሪ ምጽኣቱ ንዘለኣለም እናበኸዩ ኺነብሩ እዮም። ብኣንጻሩ እቶም ኣብዛ ሓጻር ዕድመ እዚኣ ንብዓት ክርስቶስ ብምንባዕ ዜሕለፍዎ ግና፡ ነቲ ዘልኣለሞም ብሓጐስን ብምጽንናዕን ብኽብርን ኬሕልፍዎ እዮም (ሉቃ 6፡20-26) ።

እምበኣር ፍቁራተይ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዚድረዝ ንብዓት ካብ ንነብዕ ክንደይ ዚኣክል ጊዜ ዀን ሓሊፉና ይህልው፧ ነዚ ንብዓት እዚ እቶም ናይ ብሓቂ ኣብ እምነት ዘለዉ ሰባት ጥራይ እዮም ዚነብዕዎ። ስለዚ ጐይታ በቶም ዝኣመኑ ኺድነቕ ኪመጽእ ከሎ፡ ነቶም በዚ ቕዱስ ንብዓት ዝሃብተሙ ኹሎም’ውን ኬድንቖም እዩ። ምኽንያቱ ነታ ኸምዚ ዝበለ ንብዓት ዝናፈቐት ጭልፋኡ ዚመልእሉ ንሳቶም እዮም። እዚ ቕዱስ ንብዓት እዚ ኣብ ሕቑፊ ናይቲ ልዑል ኣምላኽ እዩ ዚድረዝ። ብዝነባዕናዮ መጠን ከኣ እዩ ዚድረዘልና። ገሌና ኣብ ሕቑፉ ኽሳዕ እንኣትው ስለ ዘይንነብዕ፡ ኣብ ምድራዝ ከይበጻሕና ንብዓትና ባዕሉ ደሪቑ እዩ። ዕድመ ምሉእ ዚንባዕ ክነሱ፡ ንብዓትና ከም ደበና ብጊሓት፡ ከምቲ ኣንጊሁ ዚጠፍእ ኣውሊ ዀይኑ ይተርፍ ኣሎ። ሰማያት ዝናም ኪኸልእ ከሎ ከም እንጭነቖን እንጉህዮን፡ ዓይኒ ማይ ንብዓትና ኺደርቕ ከሎ ሓለፋኡ ኽንጭነቕ ምተገብኣና። ንእስራኤል እቲ ሰማያዊ ማና ኸም እተመነዎም፡ እዚ ሰማያዊ ጠሊ ኣዒንቲ እንተ ተመንዩና፡ ነፍስና ካብ ምድረ በዳ ሲና ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ተስፋ ኣይክትበጽሕን እያ። እቲ ነዚ ንብዓት እዚ ዚሕሰሞ ሰብ፡ ከምቲ “ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧” ዝበለ ቃኤል፡ ካብ ገጽ ኣምላኽ ርሒቑ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኰይኑ እዩ ዚተርፍ። እቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ንዝወደቐ ሓው ምእንቲ ኸይረድእ፡ “ኣነ ዘናን ቁስሊ ኣይኰንኩን” ዚብል ሰብ ልክዕ ከምቶም ሰላም ዘየልቦ ኽነሱ “ሰላም ሰላም” እናበሉ ንመውቃዕትን መስበርትን ህዝቦም ብሸለልትነት ዚፍውሱ ዕኑዳት ጓሶት እዩ (ኤር 6፡14; ኢሳ 3፡7) ። ንመስበርቲ ዚጽግን ንቑስሊ ዚሰፍፍ ዝበለጸ መድሃኒት፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እነፍስሶን ብእኡ ጥራይ ዚድረዝን ንብዓት እዩ። እታ ኣብ ቤት ስምኦን ፈሪሳዊ መጺኣ ብቕዱይ ቅብኢ ክትለኽዮ ዝመጸት ሓጢኣተኛ ሰበይቲ፡ ነቲ ብደሮና ተዓሊሱ ዝነበረ ብማይ ዘይተሓጽበ እግሩ፡

እናበኸየት፡ ብንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት።

ተባሂሉ ተመስከረላ። ጐይታ’ውን ብዛዕባኣ፡

ነዛ ሰበይቲ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት፡ ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት።

ኢሉ መስከረ (ሉቃ 7፡36-46) ። ጎይታ፡ እግሩ ብንብዓት ኪጥልቅይ፡ ብጸጉሪ ርእሲ ኪድረዝ፡ ብዘይ ምቁራጽ ብኸንፈር ኪሰዓም፡ ሱቕ ምባሉ፡ ስቕ ካብ ምባል ሓሊፉ’ውን ኣዝዩ ምሕጓሱ፡ ሓደ ዓብይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፈልና። ነቲ ኣብ እግሪ ዝፋኑ ዚፈስስ ቅዱይ ንብዓት ማዕረ ኽንደይ ከም ዜፍቅሮን ከም ዚብህጎን ኣመልኪቱልና ኣሎ። ብዛዕባ ርእስና ምዃኑ ተሪፉ ብዛዕባ ኻልኦት ምስ ዚኸውን እሞ ኸኣ ኣዝዩ ዝኸበረ እዩ። እቶም ክርስትና ዘይትንከፍ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝዀነሉ ሃገርን ኩነታትን እንነብር፡ ብሰሪ እምነትና ብዚወርደና መከራ እንነብዖ ንብዓት ካብ ዘይህልወና፡ ብዛዕባ እቶም ዚጭነቑ፡ ዝሓመሙ፡ ዝተገፍዑ፡ ዝተኣስሩ፡ ዝጠመዩ እንተ ዘይነቢዕና ደኣ እሞ፡ ነየናይ ንብዓትና’ዩ ጐይታ ኺደርዘልና፧ ምኽንያት ኣርእስቲ ንብዓትና ደኣ ንቐይር እምበር፡ ኣብዛ ምድሪ ግሽነት ቅዱይ ንብዓት ካብ ምንባዕ ኣይነቋርጽ።

እምበኣር ብክርስቶስ ፍቁር ሓወይ፡ ከምኡ ድማ ፍቅርቲ ሓብተይ፡ ኣብ ላዕሊ ዚድረዝ ንብዓት ካብ ዘይትነብዕ/ ካብ ዘይትነብዒ ክንደይ ጌርካ/ ጌርኪ ኣሎኻ/ ኣሎኺ ፧

ብሓው በረኸት መንግስተኣብ