ምዕዛም ወይ ዕዛመ ማለት ድንዛዘ ወይ ቀዘዝታ ማለት እዩ። ሓደ ነገር ተረዲኡካ ወይ እናረኣኻዮ ከለኻስ ዋላ ሓንቲ ክትገብር ዘይምኽኣል ማለት እዩ። ዝበዝሐ ጊዜ ምስ ኣጋንንታዊ ስራሕ ዝተተሓሓዘ እዩ። ንኣብነት ተመን ከም ዘይነኽሶም ጌሮም ዝዕዝሙ ሰባት ከም ዘለዉ ይንገር እዩ። ንጾታዊ ዓመጽ ኢልካውን ነቲ ዝዕመጽ ሰብ ናይ ምዕዛም ሰይጣናዊ ስራሕ ይስራሕ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ተገሊጹ ዘሎ ምዕዛም ከኣ ነቲ ዝተረዳእካዮን ዝበጻሕካዮን መንፈሳዊ ሓቂ ከይትእዘዞ ወይ ከይትገብሮ ዝገብር ምዕዛም እዩ። እዚ ምዕዛም እዚ ናብ መንፈሳዊ ሞት ኣብጺሑ መወዳእታኻ ኪጽይቕ ዝኽእል እዩ። ኣብ ክርስትና ዝርአ ናይ መንፈሳዊ ምዕዛም ጠንቂ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ግሩም ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። ንሰብ ገላትያ ኣብ ዚጸሓፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ናይ ወንጌል ሓቂ ርእሶም ኬየግዝኡን ኬየተግበርዎን ዚዕንቕፎም ዘሎ እንታይ ምዃኑ ብኸምዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱኹም ከም ስቝል ኰይኑ ተሳኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዓዘመኩም፧. . . ክሳዕ ክንድዚዶ ዓያሱ ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ፡ ሕጂ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ ኣለኹም፧ “ (ገላ 3፡ 1-3)።

“. . . ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ከይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ ኣለኹ። . . . ደቀየ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣሎኹ። ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊእኒ ኣሎኹ እሞ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉ ድምጸይውን ክልውጥ ምፈቶኹ” (ገላ 4፡ 11 – 20)።

“. . . ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዝዋ ደኣ መን ዓገተኩም፧ እዚ ምሕባል እዚ ካብቲ ዝጸውዓኩም ኣይመጸን  (ገላ 5፡ 7 – 8)።

ኣብዚ ጥቕስታት እዚ ከም እንምሃሮ፡ ሓደ ክርስቲያን ነቲ ብክርስቶስ ዝተገልጸሉ ሓቂ ኪነብሮን ኪእዘዞን ዚኽእል እቲ ስቑል ክርስቶስ ኣብ ኣዒንቲ ሕልናኡ ወይ ኣብ መንፈስ ኣዒንቱ ከም ስእሊ ተሳኢሉ ዝረኣዮ እንተ ዀይኑ እዩ። ኣብ ዝዀነ ቦታን ጊዜን ኵነታትን ነዛ ስእሊ እዚኣ ከየጥፍአ ዝመላለስ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦ ሓቂ ወርትግ እናተኣዘዘ እዩ ዚነብር። ምኽንያቱ እዚ ስእሊ ጐይታኡ ነዚ ሓቂ እዚ ምእንቲ ኪእዘዝ ኢሉ በጃኡ ከም ዝተሰውኣሉ ዜዘኻኽር እዩ። ምእንቲ ጽድቕኻ ኢሉ ብኣሰቃቒ ሞት ዝተሰውኣልካ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ዓይነ ልቦናኻ እናተራእየካ ሓጢኣት ንምግባር ክትፍትን ከቢድ እዩ። ሓጢኣት ምግባር ዝሰልጠካ፡ ዝምችኣካ ወይ ዝቐለልካ ሰብ እንተ ዄንካ፡ ጽድቂ፡ ቅድስና፡ ቅንዕና፡ ንጽህና ዝበሃሉ ተግባራት ወይ ባህርያት ንምፍጻም ድማ ከም ተሪር ዓቐበት ዝኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ምእንታኻ ከም መስዋእቲ ሓጢኣት ዝተሰውአ ክርስቶስ ኣብ ልብኻ፡ ኣብ ዓይንኻ ኰነ ኣብ ኣእምሮኻ ፈጺሙ ከም ዘየለ ዜረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ እዩ። ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ከም ስቝል እንተ ዘይተራእይካ፡ ኣብ መወዳእታ ዓለም ብኽብሪ ክትርእዮ ክትብህግ ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ። ስቝል ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ምስኣል ማለት፡ ነቲ ስቕለቱ ብዘይ ምቍራጽ ምዝካር፡ ንዅሉ እትርእዮን እትውስኖን እትገብሮን ብመንጽር እቲ ስቝል ክርስቶስ ክትመዝኖን ክትገብሮን ከሎኻ ማለት እዩ። እቲ ምእንታኻ ዝተሰቕለ ክርስቶስ እናተራእየካ ወይ እናዘከርካ፡ ክትጻረፍ፡ ክትብኣስ፡ ክትሰርቕ፡ ክትዝሙ፡ ክትቅየም፡ ሕነ ክትፈዲ፡ ክትጸልእ፡ ክትበቅቕ፡ ክትዕበ ዝከኣልዶ ይመስለካ፧ እዚ ምዕዛም እዚ ንሰብ ገላትያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እዞም ዝተጠቕሱ ተዛኒኻ ትገብሮም እንተሊኻ ግን ንኣኻውን ኣረኻኺቡልካ ከም ዘሎ ንምርዳእ ትጽገምዶ ትኸውን፧ ገሌና እቲ ስእሊ ካብ መጀመርታኡ ፈጺሙ ዘይተረኣየና፡ ዝመስለና እናበልናን እናገበርናን መወዳእታና ኣርኪቡ ዝውሕጠና ኢና። ገሌና ድማ ከም ሰብ ገላትያ፡ እቲ ስእሊ ናይቲ ስቝል ክርስቶስ ተራእዩናስ፡ ብእኡውን ኣብታ መገዲ ጽድቂ ሓያሎ ተጓዕዚና ከነብቅዕ፡ ደሓር ነቲ ምስሊ ኣጥፊእና በቲ ኣቦ ሓሶትን ጥበራን ተዓዚምና ከምዚ ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይተኸስተ ጌርና ንርእስናን ንኻልኦትን ጠቢርና ንኸይድ። ናይዚ ጕዕዞ እዚ መወዳእታ ግና ኣዝዩ ኣሰንባዲ እዩ ዝኸውን።

ነቲ ስቝል ክርስቶስ ወይ ብቐንዱ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ናይ ምግባር ጥቕሚ ኣብ ናይ ኣቦና ዳዊትን ዮሴፍን ህይወት ጐሊሑ ተንጸባሪቑ ኣሎ። ዮሴፍ እታ ቖንጆ እመቤቱ ብቓላት ካብ ምሕታት ሓሊፋ፡ ናብኡ ተጸጊዓ ክዳውንቱ ብኣእዳዋ ኣጽኒዓ ሒዛ ንፍትወት ስጋ ክትዕድሞ ኸላ ካብ ክሊ ዓሰርተታት ዘይወጸ ኰተቴ እዩ ዝነበረ። ንኸተስድዖ ዜኽእል ብዙሕ ካልእ ግብርታት ከም እትገብርውን ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ። እዚ ኣብ ውዑይ ዕድመ ንእስነት ዘሎ ጐበዝ እዚ፡ ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ፍትወት ስምዒት ዝገንነሉ ደረጃ ዕድመ እዩ ነይሩ። ፍቓድ ናይ እመቤቱ ምፍጻም ኣብቲ ቤት ዜምጽኣሉ ክብርን ሕንቃቐን ይፈልጦ እዩ። ነዚ ንኸይገብር ዝኽልክሎ ሓደ ዓብይ ምስጢር ግን ኔርዎ። ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ ፈታኒ ዕድመ ሓጢኣት ዘይኰነስ እግዚኣብሄር እዩ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዚረኣዮ ዝነበረ። እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዚረኣዮ ዝነበረ እግዚኣብሄር ነቲ ፍቓድ እምቤቱ ብምፍጻም ዝረኽቦ ዕግበትን ክብርን፡ ነቲ ፍቓድ እመቤቱ ብዘይ ምፍጻሙ ዚስዕቦ መከራን ከም ዚንዕቖ ገበሮ። ነታ ‘ኣይትዘሙ’ እትብል ትእዛዝ ሓቂ ንኸይፍጽም ካብ ምዕዛም ደሓነ። ኣቦና ዳዊትውን እቶም ኣበሳ ዝፈጸሙ ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚኦም ዘይገበርዎ ጥራይ ምዃኖም ገሊጹልና ኣሎ። ንሱ ግን ንኣምላኽ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚኡ ጌሩ ስለ ዝጓዓዝ ከም ዘይናወጽ ተኣመነ። እምበኣር ከም ክርስቲያን መጠን ነቲ ስሌና ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ከም ስቝል ኰይኑ ክሳዕ ዝረኣየና፡ ንእኡ ክንሓስብ ክርስቶስ ካብ ስእለ ኣእምሮና ከይጠፍእ ክንጥንቀቕ፡ ጠፊኡና እንተ ዀይኑ ከኣ ነቲ ስእሊ እቲ ከም ብሓድሽ ከነጥርዮ ብእኡ ድማ መወዳእታና ከነጸብቕ ንትጋህ።

 ዘፍ 39: 7-9፥ “ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነ ንዮሴፍ ሰበይቲ ጐይታኡ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ ምሳይ ደቕስ፡ በለቶ። ንሱ ድማ እናኣበየ፡ ንሰበይቲ ጐይታኡ፡ እንሆ፡ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፡ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ። ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዚስልጥን የልቦን፡ ሰበይቱ ኢኺ እሞ፡ ብጀኽስ ገለኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፡ በላ።”

 መዝ 86፡ 14፡ “ዎ ኣምላኸይ፡ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፡ ኣኼባ ገፋዕቲ ከኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን።”

 መዝ 54፡ 3፡ “ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፡ ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን።”

መዝ 16፡ 8፡ “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፡ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ኣይክናወጽን እየ።”

መዝ 25፡ 15 – 22, “ ነእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽአን እዩ እሞ፡ ኣዒንተይ ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን። . . . ንመከራይን ጭንቀተይን ርኣዮ እሞ፡ ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ። . . . ንነፍሰይ ሓልዋ ኣድሕነኒውን፡ ኣባኻ እውከል ኣለኹ እሞ፡ ኣይተሕፍረኒ። ብኣኻ ተስፋ ገይረ ኣለኹ እሞ፡ ንጽህናን ቅንዕናን ይሓልዋኒ። ዎ ኣምላኽ፡ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ።” 

ሉቃ 21፡ 34-35፡ “ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከየኽብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ ንነፍስኹም ተጠንቀቁ።

 

(ካብ መጽሓፍ `መወዳእታኻ ምሕሳብ` እተወስደ)

ብሓው እዝራ ተኽለ