ኣገልገልቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ እምላኽ
ብዲያ ዶ/ር ገ/እግዚኣብሄር ደብረጽዮን

ወደ መዝሙር ጐይታ
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣገልግሎት ምስ ተበገሰ ሰባት ናብኡ ክመጹን ክስዕብዎን ምጽዋዕ እዩ ዝጀሚሩ። እቶም ጻዊዒቱ ተቐቢሎም ክስዕብዎ ዝጀመሩ ደቀ መዛሙርቲ ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ባህሊ ኣብ ክርስቶስ ዝተጀመረ ዘይኰነስ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝመጹ ኩሎም ዓበይቲ መራሕቲ ከምኒ ሙሴን ዮሃንስ መጥምቕን እንርእዮ ኣገባብ’ውን እዩ። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 9:28 ፈሪሳውያን ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ምዃኖም ክገልጹ ኢና እንርኢ ። ዮሃንስ መጥምቕ`ውን ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝነበርዎ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 5:33 ከምኡ`ውን ኣብ ወን ዮሃንስ 1:35 ነንብብ። እምበኣርከስ እቲ ናይ ጐይታ ጻውዒት ድማ ከም ናይ ኩሎም መራሕቲ ጻዊዒት ንወደ መዝሙርነት እዩ ዝነበረ። እቲ ኣገባብ ጻውዒት ዝመሳሰል እኳ እንተዀነ እቲ ፍልልይ ግና ኣብቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ካብቲ መራሒኦም ዝካፈልዎ ትሕዝቶ እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ኣብ መንነት ናይቲ መራሒ ዝሙርከስ ጉዳይ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። እቲ ናይ እብራውያን ጸሓፊ ንብሉጽነት ክርስቶስን ኣግልግሎቱን ከርኢ እንከሎ ልዕሊ ኹሉ ምድራውን ሰማያውን ፍጥረታዊ መንነታት ጸብለል ዝበለ ኣምላኻዊ መንነት ከም ዘለዎ የነጽር። በዚ መንጽር ከኣ ጻውዒት ናይ ክርስትያን መዳርግቲ ክርከቦ ዘይክእል፡ ብሉጽ ትሕዝቶ ዘለዎ ጻውዒት ምዃኑ ኣየማትእን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንዓና ንክርስትያን፡ ከም ደቀ መዝሙር ክርስቶስ ከም ዝገልጸና ርዱእ ሓቂ እዩ። መሰረታዊ ትርጉም “ደቀ መዝሙር” ድማ ተኸተልቲ ወይ ሰዓብቲ ናይ ሓደ መራሒ ማለት እዩ። ትርጉሙ እዚ ኰይኑ ግን፡ እቲ ጻውዒትና ካብኡ ሓሊፍና ድማ ምስዓብና፡ ንምንታይ እዩ ኢልና ክንሓትት ኣድላዪ እዩ። እቲ ዘሐጉስ ነገር ድማ፡ ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ጻዊዒት ጠለብ፡ እቲ ዕላማ ጻውዒትና`ውን ጐሊሑ ዝርከብ ምዃኑ እዩ። ኣብ ማር 3:14 ከም እነንብቦ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ዝጸውዓሉ ምኽንያት “ምስኡ ኪኾኑን ክሰብኩ ክልእኮምን” ምንባሩ እዩ። እቲ ናይ መጀመርያ ዕላማ “ምስኡ ንምዃን” ማለት ምስቲ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ ጠቢቕካ ጽድቅን ህይወትን ንምርካብ እዩ። እዚ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብቲ ኣምላኽዊ ህይወቱ ንኽተኽለና እተጠቕመሉ መንገዲ (መስርሕ) ዘመልክት እዩ። ኣብቲ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ ዝዀነ ጐይታ ካብ ምህላውና (ምጥባቕና) እተላዕለ ኸኣ ሰተይቲ እቲ ኣምላኻዊ ማራ ብምዃን ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ንኸውን (ሮሜ 11:17 ፣ ዮሃ 15:1-9 ፣ 2 ጴጥ 1:4) ። ካብቲ ንዘርኢ ኣዳም ዝወደቖም ሓደጋ ማለት: ብምዉት ግብሪ ዝመልአ ሕልና፡ እንድሕነሉ መንገዲ ኸኣ ተኸፍተልና። ኣብ መልእኽቲ እብራውያን 9:14 ዝተጻሕፈ ሓሳብ ምስ እንርኢ፡ ዕላማ ናይዚ ምስ ጐይታ ብምዃን እንረኽቦ ካብ ምዉት ግብሪ ዝነጽሀ ሕልና ዘለዎ መንነት ድማ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምግልጋል ምዃኑ ንጹር እዩ። እቲ ካልኣይ ዕላማ ጻውዒት ናይ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ከኣ “ክሰብኽ ክልኣኽ”፡ ማለት ነቲ ህያው ኣምላኽ ከገልግል (ሮሜ 7 ፡6) እዩ። ነዚ ሓቂ ዝድግፈና ክፍሊ ኣብ 1ይ ተሰሎንቄ 1: 9-10 “ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ከተገልግሉ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜድሕነና ወዱ ኢየሱስ ከኣ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ፡ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸመይ ዝበለ ኸም ዝነበረን፡ ብዛዕባና ባዕላቶም ይነግሩ እዮም።” ዝብል ንረክብ። ናይ ጻውዒቶም ዕላማ፡ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ክምለሱ – ህይወትን ድሕነትን ከኣ ክረኽቡ፡ ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ነቲ ህያው ኣምላኽ ከገልግሉ ምእንቲ ክኽእሉ ነበረ። መዛዘሚ ናይዚ ኹሉ ድማ ነቲ ብኽብሪ ኣቦኡን መላእኽትን ክምለስ ዝዀነ ጐይታና ብሃንቀውታ ምጽብባይ እዩ። ጐይታ ኣብ ወንጌል ዮሐንስ 12:26 “ ዘገልግለኒ እንተሎስ ንኣይ ይስዓበኒ። እቲ ዘገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዘገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡ`ውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።” ብምባል ምስዓብና ንምግልጋል ጐይታ፡ መወዳእትኡ ድማ ብምጽኣቱ ምስኡ ብኽብሪ ንምንባር ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ።

ንሓደ ወደ መዝሙር፡ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ዘብሎ ድማ ንዕላማን ራእይን ናይቲ መራሒኡ ተረዲኡ ዝስዕብ ሰብ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ዕላማ ምስዓብ እዚ ወደ መዝሙር ድማ ነቲ ብግቡእ ዝተረድኦ ራእይን ዕላማን እቲ መራሒኡ ንምግልጋል፡ ብመገዲ እቲ ኣገልግሎት ድማ ተኻፋሊ ናይቲ ብተፈጻምነት እቲ ራእይን ዕላማን ዝመጽእ በረኸት ንምዃን እዩ። ስለዚ ዕላማ ምስዓብ ናይ ሓደ ወደ መዝሙር ንምግልጋል ካብ ኰነ፡ ወደ መዝሙርን ኣገልጋልን ክልተ ዘይነጻጸሉ መንነታት እዮም። እዚ ማለት ሰዓብን ኣገልጋልን ከም ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም እዮም። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መንጎ ሰዓብትን ኣገልገልትን ፍልልይ ከይገበረ፡ ንኩላትና ከም ኣገልገልቲ ቆጺሩ ዝዛረበና። ፍልልይ ክህሉ እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ክህነጽ ዘለዎ ሓደ ሕቡር ኣካል – ንሱ ድማ ኣካል ክርስቶስ፡ ህንጻ ኣምላኽ፡ ግራት ኣምላኽ፡ እንታይ ክፍሊ ወይ እንታይ ተራ ወሲድካ ተገልግል ዝብል ጥራይ እዩ ዝኸውን። ጐይታ ባዕሉ ነዚ ክልተ ዘይነጻጸል መንነታት ብኸምዚ ገሊጽዎ ኣሎ፥ “ዘገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዓበኒ። እቲ ዘገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዘገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡ`ውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።” (ዮሃ 12:26) ። ስለዚ ናይ ምስዓብና ዕላማ ንምግልጋል ምዃኑ ጐይታ ካብ መጀመርታ ኣነጺሩ ምሂሩና እዩ። እቲ ንጐይታ ኣብ ምግልጋል ዘይርከብ ሰዓቢ እየ ዝብል ሰብ፡ ዕላማ ምስዓቡ ዝረስዐ ወይ ዘይተረድኦ ሰብ እዩ። ሰዓቢ ክብሃልውን ኣይከኣልን እዩ።

ድሕሪ ናይ ምስዓብ ውሳኔ፡ ምግልጋል ምርጫ ዘይዀነስ ግዴታ እዩ። ርድኢት ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እዚ እዩ ዝነበረ። “እቶም ናትና`ውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ክገብሩ ይምሃሩ።” (ቲቶ 3:14) ። ደጊሙ ድማ ኣብ 1ይ ቆረንቶስ 9:16-17 ከምዚ ይብለና፥ “ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎስ፡ ዓስቢ ኣሎኒ። ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና፡ እዚ መጋቢነት እዚ ብዝዀነ ይኹን ሕድሪ ተውሂቡኒ እዩ።” ኣብዘን ዘንበብናየን ክፍልታት ምግልጋል ንኣምላኽ ኣብቲ ንክርስቶስ ንምስዓብ ዝገበርካዮ ናይ ፍቃድ ውሳኔኻ ዝተኻተተ ዕላማ እምበር ንባዕሉ ዝቐውም ንምርጫ ዝግደፍ ጉዳይ ዘይምዃኑ ጥራይ ዘይዀነስ፡ ምስቲ ተስፋ እንገብሮ ዓስብና ድማ ምትእስሳር ከም ዘለዎ እዩ ዝምህረና። ዓስብኻን ፍረኻን ክበዝሕ ምግልጋል ኣምላኽ ብግዲ ዘድሊ ነገር እዩ።
ጐይታ ድማ ብዛዕባ እቲ ሰዓቢ/ኣገልጋሊ፥ “ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ’ ‘ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ” ብምባል ዓስቢ ምስዓብና ገሊጹ ኣሎ። እምበኣርከስ ንኣምላኽ ምግልጋል ኣብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ናይ ክብሪ ቦታ ናይ ምዃን መገዲ እዩ። ካብዚ ተበጊስና፡ ምግልጋል ኣምላኽ፡ ንኣምላኽ እንገብረሉ ጉንዖ ዘይዀነስ፡ ካብ ኣምላኽ እንረኽቦ ሓለፋ ምዃኑ ክንርድኦ ኣይከብድን እዩ። ምግልጋል ኣምላኽ ከም ሓለፋ ክርእዮ ዘይኽእል ሰዓቢ፡ ብኹሉ ምውፋይ ከገልግል ኣይኽእልን እዩ። ንሓለፋ ዕጥይ ምጥይ ዝብል ኣካል የለን። እዚ ማለት ንኣገልግሎት ከም ሓለፋ ምጥማት፡ ንኣገልግሎት ኣምላኽ እናተሓጐስካ ክትገብሮ እዩ ዝድርኸካ። ስለዚ ኣገልግሎት ኣምላኽ፥ ብሓጐስን ኩሉ ምውፋይን ናይ ባርያ መንነት ወሲድካ፡ መደብ ኣምላኽ ክዉን ንምግባር እትጻወቶ ተራ፡ እትሰርሖ ስራሕ እዩ።

መደብ ኣምላኽ
ኣብዚ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ሓሳብ እንተ ተሰማሚዕና፡ እቲ ቐጺልና ክንሓቶ ዘለና ሕቶ፡ እቲ ብሓጐስ ርእሰይ ክውፍየሉ ዘሎኒ ዕላማን መደብን መራሕየይ እንታይ እዩ ዝብል ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ናይ መነባብሮና እንጥቐመሉ ብልሓት እዩ – ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ምጅማርና፡ ብዛዕባ ክንበጽሖ እንደሊ ነገር ርዱኣት ምዃን እዩ። እንተዘይዀነ፡ ነገሩ ከምቲ መኸዲኡ ምኽንያት ከይፈለጠ ዝኸደ ናይ ታሪኽ “ልኡኽ ሓሊቦ” ሰብ እዩ ዝኸውን። ናይ ምግልጋልና ዕላማ ድማ መደብ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ተፈጺሙ ምርኣይ እዩ። መደብ ኣምላኽ ኣብ ደቂ ሰባት ክጽሞቕ ከሎ “ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ክማረኽ” ፣ “ኵሉ ሰብ ክድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ክብጽሕ” ፣ “ዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ኰይኑ ኽቐውም” ፣ “ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ክጥቕለል” ዝብል ሓሳባት ዘለዎ ዀይኑ ኢና ንረኽቦ። (1 ቆረ 10፡5፣ 1 ጢሞ 2፡4፣ ቆሎሴ 1:28፣ ኤፌ 1:10፣ ህዝ 18: 32) ። ስለዚ ኣገልግሎት፡ ኣብ ዙርያ እቶም ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ምድሓን`ውን ክወርሱ ዘለዎም ሰባት፡ ናብዚ ዝጠቐሰ ዕላማታት ዝዓለመ፡ ዝግበር ንጥፈት እዩ። ንጥፈታትና ነዚ መደብ ኣምላኽ ዘፈጽም ኣበርኽቶ እንተ ዘይብሉ፡ ካብ ተራ ናይ ስጋ ሃልኪ ኣይሓልፍን፡ ካብዚ ዝዓቢ ክሳራ ድማ የለን። እዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ፡ ነቲ ብሓሰር ዝሃነጸ’ሞ፡ ዕዩኡ ዝነዶዶ ኣገልጋሊ እዩ ዝመስል። ኣምላኽ ካብ ከምዚ ዝበለ ብኽነት ይሓልወና። እዚ ሓደ ዕላማ ብብዙሕ ዝዓይነቱ መንገድታት ክንሃርሞ (ክንበጽሖ) ከም እንኽእል ካብ ቃል ኣምላኽ ብውሑድ ክንርኢ ኢና።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ኣገልጋሊ፡ ፍቓድ ናይቲ ዝልኣኾ ኣቦኡ ምእንቲ ክፍጽም ናቱ ፍቓድ ከም ዝሰውኤ ተገሊጹ ኣሎ። (ዮሃ 5፡30፣ ዮሃ 17፡4) ጐይታ ምስ ፍቓድ ኣቦኡ ዝጻረር ሕማቕ ፍቓድ ስለ ዝነበሮ ዘይኰነስ፡ ምግልጋል ፍጹም ምእዛዝ ዝሓትት ጉዳይ ምዃኑ ንምርኣይ እዩ። ናይ ሓደ ዕዉት ኣገልጋሊ መለለዪ ድማ እዚ እዩ፥ ምሉእ ፍቓዱ ንዕላማን መደብን መራሒኡ ዝውፊ። ብዝተመቓቐለ ፍቓድ ዕዉት ኣገልግሎት ክግልገል ኣይከኣልን እዩ። ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ከምዚ ኢሉ “ዓቀይታይ ናብ ኵናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን።” ብዝዀነ ምኽንያት እናተጠላለፍካ ንጐይታኻ ዘስምር ኣገልግሎት ከተገልግል ኣይከኣልን እዩ (2ጢሞ 2:4)። ከምቲ ነብዪ ሆሴእ`ውን ዝበሎ ፥ “ልቦም ተመቕለ፣ ሕጂ ገበነኛታት ኰይኖም ተረኽቡ…” ዝተመቓቐለ ልቢ ኣብ ኣምላኽ ፍንፉን ሓጢኣት እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ጐደሎ መስዋእቲ ዘይቅበል ሕቡን ኣምላኽ ስለዝዀነ። ነዚ ድማ እዩ እታ ልዕሊ ኩላተን ትእዛዛት ኣምላኽ ተሰሪዓ እትመጽእ እታ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ” እትብል ዀይና እንረኽባ። ከምቲ ጐይታና ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ዘፍቅሮ እንተዀይኑ ዕያውቱ ከብልዕ፡ ኣባጊዑ ክሕሉ ዝኣዘዞ ድማ፡ ካብ ኣገልግሎት ዝዓቢ መግለጺ ፍቅርን ኣኽብሮትን መራሒና የብልናን።

በብክፍሉ ኣካላቱ ኢኹም
መጽሓፍ ቅዱስ ንመንነት ኣመንቲ ከምቲ ኣብ ሓደ ኣካል ዘሎ ብዙሕ ዝዓይነቱ ክፍልታት ገይሩ እዩ ዝገልጾም (1ቆረ 12፡14-26)። እዛ ኣካል እዚኣ እታ ክርስቶስ ዝርእሳ ናይ ሃዋርያት ጉባኤ ዝዀነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እያ። ሰዓብቲ ክርስቶስ እምበኣር ብሓባር ቤተ ክርስትያን የቑሙ። ነፍሲ ወከፎም ድማ በብቲ ኣምላኽ ዝመደበሉ ኣብቲ ኣካል (ቤተ ክርስትያን) ክፍሊ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል እዛ ኣካል፡ ንዕኡ ንበይኑ ክዓዮ ዝተሰርዕ መደብ ኣለዎ። ንጥዕናን ዕቤትን እቲ ኣካል ዝጠቅም ወሳኒ ዝዀነ ኣገልግሎት ድማ ይውፊ። እግዚኣብሄር ከም ብልሓተኛ ሃናጺ ነቲ ክፍልታት ንሓደ ዝተፈልየ ዕዮ ከም ዝጠቕም ጌሩ ከም ዝሃነጾ ድማ ኣመንቲ ኣብቲ ኣካል ንሳቶም ብዝበለጸ ከበርክትዎ ዝግብኦም መደብ ኣለዎም። ስለዚ እቲ ክፍልታት ኵሉ ሓደ ከም ዘይዀነ፡ እቲ ኣገልግሎት ድማ በበይኑ እዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓደ ዝዕላምኡ መደብ ኣምላኽ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ኣገልግሎታት እዩ ዝግልገል። ከምቲ ድሮ ተረዲእናዮ ዘሎና፡ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንቤተክርስትያን ምልእቲ ምእንቲ ክትከውን ንኣመንቱ ከምቲ ዝደለዮ ጌሩ ገግዲኦም ዝህቦም ውህበት ኣለዎ። እዚ ድማ ኣገልግሎት ብውህበት ኣምላኽ ድኣ እምበር ብኽእለት ሰብ ዝፍጸም ዘይምዃኑ እዮ ዘርእየና። “ኣይ ብሓይልን ብኽእለትን ብመንፈሰይ እዩ።” ዘካ 4፡6
እቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ፡ ሃዋርያት፡ ነብያት፡ ወንጌላውያን፡ ጓሶት፡ መማህራን፡ ገበርቲ ሓይሊ፡ ፈወስቲ፡ ብምሃብ ዘገልግሉ፡ መራሕቲ፡ ደንገጽቲ፡ መዓድቲ፡ ምግላጽ ዘለዎም፡ ቋንቋታት ዝዛረቡን ዝትርጉሙን ወዘተ የጠቓልል (ሮሜ 12:3-8, 1ቆረ 4-11, ኤፈ 4:11-13) ። ውህበት ኣምላኽ መሳርሒ እዩ። ኣብዚ ርግጸኛታት ክንኰነሉ ዘለና፡ ውህበት እቲ መንፈስ ከም ዝደለዮ ገግዲኦም እናመቀለ ዝገብሮ ምዃኑ ምፍላጥ እዩ። ነፍሲ ወከፍና፡ ኣብቲ ኣካል ክሳብ ዘለና፡ እንታይ ምዃኑ እኳ ክንገልጾ እንተ ዘይከኣልና ግዴና ተቐቢልና ኢና። ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኰነን፡ ከይጥዓስ`ውን ወዲ-ሰብ ኣይዀነን።

ምልላይ ውህበት
ሰብ ንገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ኽፈልጣ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብለና ልቢ ሰብ ካብ ኩሉ ጐራሕን ሕሱምን እዩ፡ መንከ ክፈልጦ ይኽእል። ናይ ስነ ልቦና ምሁራት ከም ዝገልጽዎ፡ መንነት ሓደ ሰብ ብ ኣርባዕተ መሳኹቲ እዩ ዝውከል (እዚ ኣገባብ Johari Window ዝብል ስያሜ ኣለዎ) ። ሓደ መስኾት ንዕኡን ንካልኦትን ግሉጽ ዝዀነ እዩ። ሓደ መስኮት ንዕኡ ጥራይ ግሉጽ ዝዀነ እዩ። እቲ ሳልሳይ መስኮት ንካልኦት ግሉጽ ንዕኡ ግና ግሉጽ ዘይዀነ እዩ። እቲ ራብዓይ መስኮት ግና ንዕኡ ይኹን ንካልኦት ዘይግሉጽ እዩ። በዚ ኣዘራርባ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሱ ተሞርዂሱ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ክልተ ካብ ኣርባዕተ ዝዀነ መሳኹቲ ጥራይ እዩ ክፈልጣ ዝኽእል። ስለዚ ሓደ ሰብ ፍልጠተ ርእሱ ከዕቢ እንተ ዀይኑ ካብ ኣብ ርእሱ ጥራይ ምውካል ሓሊፉ ኣብቲ ካልኦት ብዛዕብኡ ዝፈልጥዎ ክጥምት ከድልዮ ናይ ግድን እዩ። በዚ መንጽር ውህበትና ኣብ ምልላይ፡ ኣብቲ ንዓና ግልጺ ዝዀነልና ከይተሓጸርና፡ ኣብቲ ብዛዕባና ነሕዋትናን (ንቤተ-ክርስትያን) ግልጺ ዝዀነ ውህበትና ክነስተብህል ኣድላዪ እዩ። ኣብዚ ግና ከም ኩሉ እዋን ጥንቃቐ ክንገብር ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ድምጽታት ካብ ስጋ ክነቕል ስለ ዝኽእል፡ ንኹሉ ብቓል ኣምላኽ ምፍታን የድሊ።
ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ንጹር ዝዀነ መገዲ መለለዪ ጸጋኻ እዚ እዩ። ኣብ እትገብሮ ኩሉ ዓይነት መንፈሳዊ ንጥፈታት፡ ኣገልግሎትካ፡ እቲ ብዘይ ብዙሕ ጻዕርን፡ ገድልን ብዙሕ ውጽኢትን እትዕዘበሉ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊ እዩ ዝኸውን። ናይ ወንጌላውነት ውህበት ዘለዎ ሰብ ዝተወሳሰበ ስብከት ክሰብኽ ከየድለዮ ብዙሓት ሰባት ንስብከቱ ምላሽ ሂቦም ናብ ንስሓ ክመጹ ይርኣዩ። እዚ ድማ ግሁድ መርኣዪ ህልውና ሓደ ዝድግፍ መንፈሳዊ ሓይሊ ዀይኑ ኢና እንረኽቦ። ናይ ምሃብ ጸጋ ዘለዎ ሰብ ድማ ብዘይ ብዙሕ ውረድ ደይብ ብቐሊሉ ናይ ምሃብ ጠለብ ኣብ ዝርኸበሉ ኢዱ ዝዝርግሕ እዩ። እቲ ሓደ መንፈሳዊ ኣግልግሎት ክገብር ዝብገስ ሰብ፡ ንነፍሱ ናብቲ ናይ እምነት ቦታ ከምጽኣ ብዙሕ ጸዓት ዝጠልቦ እንተዀይኑ፡ ምናልባት እቲ ኣገልግሎት ናይ ጸጋ ውህበቱ መፈጸሚ ቦታ ከይከውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ጸግኡ ኣብ ምልላይ ንጹርነት ክረክብ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ክሓትት ጽቡቕ እዩ።

ውህበት ዝዓቢ እዩ
ኣብ ብዙሕ ክፍሊታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንዕዘቦ መትከል ብዛዕባ ውህበትን ጸጋ ኣምላኽን፡ ብንእሽተይ ነገር ጀሚሩ እናዓበየ ዝኸይድ ምዃኑ እዩ። እቲ ወሃቢ ውህበት ነቲ ውህበት ዘዕብየሉ ድማ ብመጠን ዓቕምና ምዃኑ ኣብቲ ምስላ መኽሊት ዝተቐበሉ ሰለስተ ባሮት ሓቂ የነጽረልና እዩ። እዚ ዓቕሚ ግና ኣብቲ ስጋዊ ብቕዓት ናይቲ ተቐባሊ ዝምርኰስ ዘይዀነስ፡ ከምቲ ኣብቲ ክፍሉ ደጊሙ ዘብርሆ ኣብ እሙነትናን ናይ ልብና ኩነታትን ምዃኑ ኢና እንርኢ። ስለዚ ውህበት ካብ ኣምላኽ ንምቕባል ይኹን ወይስ ንምዕባዩ እሙናት ናይ ምዃን ጉዳይ ካባና ከም ዝጥለብ ነስተውዕል። ምኽንያቱ ምስ ውህበት ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ነገር እንተ ኣልዩ ተሓታትነት እዩ። እሙን ዘይምዃኑ ንእትፈልጦ ሰብ፡ ሕድሪ ምሃብ ተሓታትነቱ ዘብዝሕ መፈንጥራ እዩ። ስለዚ ኣምላኽ ነዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ውህበት ክውስኾ ምጽባይ ኣይከኣልን እዩ።
ኣምላኽ እሙን ስለዝዀነ ከም ውሉድ መጠን ንነፍሲ ወከፍና፡ ኣብቲ ኣካል ክንሃንጸሉ ዘኽእለና ውህበት ጸጋ ይህበና እዩ። እቲ ናይ መጀመርያ፡ ውህበት ናይ ምዕባይ መዳይ፡ ነቲ ኣባኻ ድሮ ዝተነብረ ውህበት ብምሉእ ብቕዓት (Full potential) ክትፍጽመሉ እትኽእለሉ ኩነት ምብጻሕ እዩ። እዚ ድማ ናይ ኣምላኽ ጸጋ ብዘይ ምቑጣብ ኣባኻ ክዓዪ፡ ካብ ህይወትካ ዕንቅፋት ኪኽውን ዝኽእል ሰብኣውን ስጋውን ነገራት ብምእላይ እዩ። እቲ ኣብቲ ጠርሙዝ ተዓጽዩ ዝነበረ ሽቶ ናይታ ንጐይታ ገና ብህይወቱ ከሎ ንቐብሩ ዘዳለወቶ ሰበይቲ፡ ኣገልግሎቱ ክህብ እቲ ጠርሙዝ ክስበር ነበሮ። “ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ…” ኸም ዝበሎ ሃዋርያ፡ እቲ ኣባና ሓዲሩ ብኣና ዝገብር መንፈስ ቅዱስ ካብ ልብና ይዓቢ እዩ’ሞ ንልብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ነህድኣዮ። ንውጽኢት ናይ ንጥፈታትና ክንቆጻጸሮ (Control) ከይፈተንና ንኣምላኽ ክንቆመሉ ጥራይ ንረኸብ። እቲ ካልኣይ ውህበት ዝዓብየሉ መዳይ ድማ ናይ መጠን/ብዝሒ (Quantity) ዕቤት እዩ። እዚ ዓይነት ዕቤት ኣብ እሙነት እቲ ተቐባሊ፡ ኣብ እቲ ኣቐዲሙ ተዋሂብዎ ዝነበረ ውህበት ዝምርዀስ እዩ። ብሒደት ዝተኣመነ ናብ ብዙሕ ይሽየም ዝብል ሰማያዊ መትከል ነዚ ይምህረና።

ውህበት ተሓታትነት ኣለዎ
ይንኣስ ይዕበ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ውህበት ከም ዝተቐበልና ካብ ፈለጥና፡ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ናይቲ መዓልቲ፡ ንነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ እቲ ዝሃበና ሕድሪ ዝጸባጸበና ግዜ ከም ዘሎ ክንፈልጥውን ግቡእ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ሓቂ ኣነጺሩ ምሂርዎ ኣሎ። መንግስቲ ኣምላኽ ንባሮቱ መኽሊት ሂቡ መገሻ ዝተበገሰ በዓል ቤት ትመስል። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም መኽሊታት ሃቦም። ገለ እዋን ምስ ሓለፈ ግና ተመሊሱ ንነፍሲ ወከፎም ጸብጻብ ክህብዎ ሓተትም። እዚ ሕቶ ንገለ ሰባት ዝሕዛእ ሕቶ ዘይዀነስ ንነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ ክሕተት ዘለዎ ዓለምለኻዊ (Universal) ሕቶ እዩ፡ እሞ ብኸመይ ዝበለ ትግሃት ንመኽሊትና ክነሽርፍ ንነጥፍ ኣለና፧ ነዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ግዜ ዕዙዛት ኩኑ።” (1ይ ቆሮንቶስ 15:58) ኢሉ ዝምዕደና። እቲ ብዕዮ ጐይታ ሸለል ዝብል፡ ብትህኪት ድማ መኽሊቱ ዝቐብር ሰብ ግና ነታ መኽሊት ዋላ’ዃ እንተዘየጥፍኣ፡ ካብ ቁጥዓ ጐይታ ኣይክሞልቕን እዩ። ንዘይ ምግልጋልና ቅቡል ክኸውን ዝኽእል ምስምስ ከምዘየለ ዘመልክት ሓሳብውን እዩ። እቶም እዚ ነገር ብግቡእ ዝተረድኦም ቅዱሳን፡ ኣብ ዘይምግልጋል ምዃን ወይለይ ዘብል ወዮ ምዃኑ እናተኣመኑ ሓለፉ። ስለዚ ብዅሉ ትግሃት ንኣምላኽ ንምግልጋል ርእስና ነዳሉ። ኣምላኽ ካብ ክግልገለልካ ዝዓቢ ብጽእና የልቦን እሞ፡ ከምታ ንምውጣሕ ጐይታ ዝባና ዝሃበት ጻዕብ ኣድጊ፡ ጐይታ ክኸብረልና ርእስና ንወፊ። ሽዑ በቲ ብኣና ዝኸበረ ጐይታ ክንኸብር ኢና። ኣታ ከምዚ እናገበርካ እትርኸብ፡ በረኸት ካብ እግዚኣብሄር፣ ጽድቂውን ካብ ኣምላኽ ምድሓንካ ኪትቕበል ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ብሒደት ዝተኣመንካዩ ምእማን ኣብ ብዙሕ ብምሻም ዝምጉስ እኽሊል ዓወት ደፊእካ ኣብቲ ጐይታ ዘለዎ ክትቕመጥ ክህበካ እዩ።
ኣምላኽ ኣዒንትና ይኽፈተልና!! ኣሜን።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር ለኣለም ወለኣለም!!