ብዕለት 21/02/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ኣብ ዝነብረ ተኸታታሊ ትምህርቲ ብዛዕባ ምስጢረ ስላሴ ብ ዶ/ር ቀሺ ተኽልኣብ መንግስተኣብ።
– ከም እግዚኣብሄር ኣቦ ከእመን ዝኸእል
– ከም እግዚኣብሄር ኣቦ በእምሮ ሰብ ክብጻሕ ኣይክእልን
ብ ዕለት 21/02/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን። ብዛዕባ ኣምላኽነት ክርስቶስ መለኮታዊ ክብሪዝተዋህበን፣ ጎይታ ጎይቶትን ንጉስ ነገስታትን ዝብል ኣርእስቲ።
07/02/2004 ፣ ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ዝርከብ ምኳኑ ኣምላኽነቱ የረጋግጸሉ እዩ። “ሰማይ ዝፋኑ ምድሪ ድማ መርገጽ እግሩ እዩ” ከም ዝብል፡ ንሱ ነዚ ደረት ዘይብሉ ሰማይን ምድርን ዝመልእ ኣምላኽ እዩ። ብሰማይ ኰነ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ኰነ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብኢየሩሳሌም ኰነ ከተማ እቲ ዓቢ ንጉስ እያ እሞ” ኢሉ፡ በዚ ክንምሕል ከም ዘይግብኣና ነጊሩና ኣሎ። ክልተ ወይ ስለስተ ኰይኖም ብስሙ ኣብ ዝተኣከብሉ ድማ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኪኸውን ከም ዝዀነ ነጊሩና ኣሎ። ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም እየ ኢሉ ድማ ተዛሪቡ ኣሎ። ንሱ ካብ ሰማይ ዝወረደን ኣብ ሰማይ ዘሎን ወዲ ሰብ ድማ እዩ። ንሱ ኩሉ ዝኽእል ድማ እዩ። በቲ ንኹሉ ኪመልከሉ ዝኽእል ሓይሊ፡ ከም ዝብል ከኣልነቱ ዓብዪ እዩ። ንሱ ዘይልወጥ ኣምላኽ እዩ። እዚ እቲ ዝዓበየ ንኣምላኽነቱ ዘረጋግጸሉ ባህርያት እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ።
07/02/2004, ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮታዊ ባህርያት ዝውንን ኣምላኽ እዩ፡ ስለዚ ድማ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ሓደ ካብቲ መጀመርያ ንርእዩ መለኮታዊ ባህሪኡ ዘለኣለማውነቱ እዩ። ንሱ ቀዳማይን ዳሕራይን እዩ። ንሱ ኣልፋን ኦሜጋን እዩ፡ መጀመርታን መወዳእታን እዩ። ንሱ ዘለኣለማዊ ጥራይ ዘይኰነ ኣቦ ዘለኣለምንውን እዩ። ምውጽኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ ንሱ መሊሱ ዝወጸ እዩ። “ቃል ብመጀመርታ ነበረ” ከም ዝብል ንሱ ናይ መጀመርያ እዩ። ንሱ ቕድሚ ኩሉ ምኳኑ ድማ ተጻሒፉ ኣሎ። መንግስቱ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምኳኑውን ተጻሒፉ ኣሎ። ንሱ ሱር ናይ ርእሲ ኣቦታትውን እዩ። ንሱ ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ድማ እዩ። ኩሉ ምፍላጥ ናይ እግዚኣብሄር ጥራይ ዝዀነ ባህርይ እዩ። ንኣቦ ብጀካ ወዲ ዝፈልጦ የሎን። እዚ ቃል እዚ ክርስቶስ ንዘለዎ ፍልጠትን፡ ኣምላኽነቱን ይገልጸልና እዩ።
31/01/2004 ። ኣብዚ ክፋል ትምህርትናውን ነቶም ብግሁድ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዝምህሩ ጥቕስታት ክንርእዮም ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ካባታቶም እዮም፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ ልዕሊ ኩሉ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ኣሎ። መሊሱ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ናብ ጢሞቴዎስ፡ “ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምላኾ ዓብዪ እዩ፡ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ፡” ይብል። ኣብ መልእኽቲ ናብ ቲቶስ ድማ፡ በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ግናኸ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒና በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብጊዜኡ ንቓሉ ገለጾ፡” ይብል። ኣብዚ ክፋል ትምህርትና ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ከምዚ ዝበሉ ጥቕስታት ክንርኢ ኢና።
31/01/2004