07/02/2004 ፣ ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ዝርከብ ምኳኑ ኣምላኽነቱ የረጋግጸሉ እዩ። “ሰማይ ዝፋኑ ምድሪ ድማ መርገጽ እግሩ እዩ” ከም ዝብል፡ ንሱ ነዚ ደረት ዘይብሉ ሰማይን ምድርን ዝመልእ ኣምላኽ እዩ። ብሰማይ ኰነ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ኰነ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብኢየሩሳሌም ኰነ ከተማ እቲ ዓቢ ንጉስ እያ እሞ” ኢሉ፡ በዚ ክንምሕል ከም ዘይግብኣና ነጊሩና ኣሎ። ክልተ ወይ ስለስተ ኰይኖም ብስሙ ኣብ ዝተኣከብሉ ድማ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኪኸውን ከም ዝዀነ ነጊሩና ኣሎ። ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም እየ ኢሉ ድማ ተዛሪቡ ኣሎ። ንሱ ካብ ሰማይ ዝወረደን ኣብ ሰማይ ዘሎን ወዲ ሰብ ድማ እዩ። ንሱ ኩሉ ዝኽእል ድማ እዩ። በቲ ንኹሉ ኪመልከሉ ዝኽእል ሓይሊ፡ ከም ዝብል ከኣልነቱ ዓብዪ እዩ። ንሱ ዘይልወጥ ኣምላኽ እዩ። እዚ እቲ ዝዓበየ ንኣምላኽነቱ ዘረጋግጸሉ ባህርያት እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ።