07/02/2004, ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮታዊ ባህርያት ዝውንን ኣምላኽ እዩ፡ ስለዚ ድማ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ሓደ ካብቲ መጀመርያ ንርእዩ መለኮታዊ ባህሪኡ ዘለኣለማውነቱ እዩ። ንሱ ቀዳማይን ዳሕራይን እዩ። ንሱ ኣልፋን ኦሜጋን እዩ፡ መጀመርታን መወዳእታን እዩ። ንሱ ዘለኣለማዊ ጥራይ ዘይኰነ ኣቦ ዘለኣለምንውን እዩ። ምውጽኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ ንሱ መሊሱ ዝወጸ እዩ። “ቃል ብመጀመርታ ነበረ” ከም ዝብል ንሱ ናይ መጀመርያ እዩ። ንሱ ቕድሚ ኩሉ ምኳኑ ድማ ተጻሒፉ ኣሎ። መንግስቱ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምኳኑውን ተጻሒፉ ኣሎ። ንሱ ሱር ናይ ርእሲ ኣቦታትውን እዩ። ንሱ ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ድማ እዩ። ኩሉ ምፍላጥ ናይ እግዚኣብሄር ጥራይ ዝዀነ ባህርይ እዩ። ንኣቦ ብጀካ ወዲ ዝፈልጦ የሎን። እዚ ቃል እዚ ክርስቶስ ንዘለዎ ፍልጠትን፡ ኣምላኽነቱን ይገልጸልና እዩ።