31/01/2004 ። ኣብዚ ክፋል ትምህርትናውን ነቶም ብግሁድ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዝምህሩ ጥቕስታት ክንርእዮም ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ካባታቶም እዮም፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ ልዕሊ ኩሉ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ኣሎ። መሊሱ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ናብ ጢሞቴዎስ፡ “ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምላኾ ዓብዪ እዩ፡ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ፡” ይብል። ኣብ መልእኽቲ ናብ ቲቶስ ድማ፡ በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ግናኸ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒና በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብጊዜኡ ንቓሉ ገለጾ፡” ይብል። ኣብዚ ክፋል ትምህርትና ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ከምዚ ዝበሉ ጥቕስታት ክንርኢ ኢና።
31/01/2004