31/01/2004 ፣ ንጐይታ ኢየሱስ ምርድኡ ዝኸብደና ኣዝዮ ረቂቕ ስለዝዀነ እዩ፡ እቲ ምንታይሲ ብዘሎ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ። ብዘይካ ኣቦን ኣቦ ኪገልጸሉ ዝፈቱን እንተ ዘይኰይኑ ድማ ንዕኡ ዝፈልጦ የሎን። ምስጢር እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዝፈርህዎ እዩ። ብዘይ ፍርሃት ንቕበሎ ምግላጽ ግና ሓኒቑ ወይ ነፉሑ ኪቐትለና እዩ። ስለዚ ጸጋ ኣምላኽ እንዓቁር ሰባት ምእንቲ ኪንከውን ኣዚና ክንጥንቀቕ ከድልየና እዩ። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ እዩ። ፊደል ይቐትል መንፈስ ግና ህያው ይገብር። ቃል ኣምላኽ ብግሁድ፡ ክርስቶስ መለኮታዊ ባህርን መለኮታዊ ግብርን ከም ዘለዎ ብምግላጽ ኣምላኽነት ክርስቶስ ይገልጸልና። ንኣብነት “ብዛዕባ ወዱ ግና፡ ኣንታ ኣምላኸይ . . . ” ይብል። ኣብ ካልእ ድማ፡ “ጐይታ ንጐይታይ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ክሳዕ ዚገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ”፡ ይብለና።