ብ ዕለት17/01/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና፡ ቅድሚ ሰለስትነት እግዚኣብሄር ክንርዳእ ምፍታንና መጀመርያ ንብዙሕነቱ ክንፈልጥ ከም ዝግብኣና ርኢና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ኣብዚክፋል ትምህርትና፡ ብቃል ኣምላኽ መሰረት እግዚኣብሄር ክንደይ ኣካላት ከም ዘለዎ ክንርኢ ኢና። ገሊኡ እቲ ጥቕስታት ብቐጥታ ንኣብ፡ ንወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጠቅስ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ሓደ ዝዀነ ተግባር ናይ ሰለስቲኦም ግደ ተጠቒሱ ክንረኽቦ ኢና። ንኣብነት፡ “ስለዚ ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን፡ ወድን፡ መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም . . .” ይብለና። ኣብ ሉቃስ 1፡30-35 ድማ፡ እቲ መልኣኽ ንማርያም፡ ህጻን ከም እትወልድ ከበስራ እንከሎ ኣብኡ፡ ኢየሱስን፡ እግዚኣብሄር ኣቦን፡ መንፈስ ቅዱስን ተጠቒሶም ንረኽቦም ኢና።