Lyrics

እጹብ ድንቂ

1. ዘይልካዕ ዘይምርመር – እሳተ መለኮት

    ከም ምድራዊ ሓዊ – ዘይብሉ መጠን ኣካል

    ምስ ስጋ ክወሃድ – ገንዘቡ ክገብር

    ልዕሊ ሕልና ፍጥረት – ዘደንቕ ተኣምር

 

ተደ.         እጹብ ድንቂ/3/

       ሓዊ መለኮት – ብባህሪኡ ሲና ዘትክኽ

      ብልዕልናኡ ከይጎደለ ከይተደረተ

      ኣብ ድንግል ማርያም ተተኽለ ተኣንገደ

 

2. ኣዝዩ ዘንጸባርቕ – ብኪሩባዊ መንበር

   ኣብ ዙርያኡ’ውን ዝኸውን – ሓዊ ነበልባል

   ኣብ ድሩት ማህጸን – ብውህደት ክትከል

   መግለጺ ኣይርከቦን – ልዕሊ ኹሉ’ዩ ምስጢር

 

3. ብነበልባል ሓዊ – ኩለንትናኡ ሓዊ

    ዘይምጠን ዘይድረት – ብገጽን ኣካልን

    ምድናን ምትሓት ርእስን – የማንን ጸጋምን

    ከቶ ዘይብሉ’ዩ – ብህልውናኡ ምሉእ