Lyrics

ተደ. ኣፍስሰልና ዝናብ ምሕረትካ

     ኣይትደርጉሓዮ ነቲ ነድርኻ

    እወ ጎይታ ተመለስ ህዝብኻ ኢና

    ንምለስ ኣሎና /2/ ተመለሰና

1. ቁስልና በዚሑ ጾርና ኸቢዱ

   መውቃዕትና ኣዝዩ ረዚኑ

  ካብ ውድቀትና ከተልዕለና ክትድግፈና

  ዎ ጎይታና ፍታውካ ይኹን ክትዝንነና

2. ሓደ’ኳ የልቦን ኣብ ነቓዕ ደው ዝብል

  ንዝጠፍኣ ነፍሳት ቃል ዕርቂ ዘበስር

  ከተማልድ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከተሳግር

  ነታ ዝሰነፈት ቤትካ ኣምላኽና ብርታዐ ወስኽ

ተደ. ኣፍስሰልና ዝናብ ውህበትካ

      ነታ ዝሓመቐት ርስትኻ ኣደልድላ

      እወ ጎይታ ተመለስ ህዝብኻ ኢና

      ንምለስ ኣሎና /2/ ተመለሰና

3.ነፍስና ኣብ ቅድሜኻ መጎስ ትርከብ

  ናብ ሰገባኣ ንሰይፍኻ ምለስ

  ህዝብኻ ብኣኻ ክሕጎስ ባህ ክብል ህይወት ሃበና

  ጸጋኻ ኣርእየና ፈውስ ንምድርና ብምድሓን ብጽሓና

4.ብምሕረት ጠምት ድርቀት ምድርና

   ብዝናም ጸጋኻ ኣለምልመልና

  ንቡቕልና ባርኽ ዘመንና ብሳህልኻ ከልል

  ሓይላ ክትህበና ከም መጠን ለውሃትካ ንምድርና ኣጥልል