Posted on Posted in

31/01/2004 ፣ ንጐይታ ኢየሱስ ምርድኡ ዝኸብደና ኣዝዮ ረቂቕ ስለዝዀነ እዩ፡ እቲ ምንታይሲ ብዘሎ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ። ብዘይካ ኣቦን ኣቦ ኪገልጸሉ ዝፈቱን እንተ ዘይኰይኑ ድማ ንዕኡ ዝፈልጦ የሎን። ምስጢር እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዝፈርህዎ እዩ። ብዘይ ፍርሃት ንቕበሎ ምግላጽ ግና ሓኒቑ ወይ ነፉሑ ኪቐትለና እዩ። ስለዚ ጸጋ ኣምላኽ እንዓቁር ሰባት ምእንቲ ኪንከውን ኣዚና ክንጥንቀቕ ከድልየና እዩ። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ እዩ። ፊደል ይቐትል መንፈስ ግና ህያው ይገብር። ቃል ኣምላኽ ብግሁድ፡ ክርስቶስ መለኮታዊ ባህርን መለኮታዊ ግብርን ከም ዘለዎ ብምግላጽ ኣምላኽነት ክርስቶስ ይገልጸልና። ንኣብነት “ብዛዕባ ወዱ ግና፡ ኣንታ ኣምላኸይ . . . ” ይብል። ኣብ ካልእ ድማ፡ “ጐይታ ንጐይታይ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ክሳዕ ዚገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ”፡ ይብለና።

Posted on Posted in

ብ ዕለት17/01/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና፡ ቅድሚ ሰለስትነት እግዚኣብሄር ክንርዳእ ምፍታንና መጀመርያ ንብዙሕነቱ ክንፈልጥ ከም ዝግብኣና ርኢና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ኣብዚክፋል ትምህርትና፡ ብቃል ኣምላኽ መሰረት እግዚኣብሄር ክንደይ ኣካላት ከም ዘለዎ ክንርኢ ኢና። ገሊኡ እቲ ጥቕስታት ብቐጥታ ንኣብ፡ ንወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጠቅስ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ሓደ ዝዀነ ተግባር ናይ ሰለስቲኦም ግደ ተጠቒሱ ክንረኽቦ ኢና። ንኣብነት፡ “ስለዚ ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን፡ ወድን፡ መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም . . .” ይብለና። ኣብ ሉቃስ 1፡30-35 ድማ፡ እቲ መልኣኽ ንማርያም፡ ህጻን ከም እትወልድ ከበስራ እንከሎ ኣብኡ፡ ኢየሱስን፡ እግዚኣብሄር ኣቦን፡ መንፈስ ቅዱስን ተጠቒሶም ንረኽቦም ኢና።

Posted on Posted in

ብ ዕለት 03/01/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ዝነበረ ፍሉይ ተኸታታሊ ትምህርቲ መሰረት እምነት ምስጢረ ስላሴ ( ሓድነት አግዚኣብሄር) ብ ዶ/ር ተኽልኣብ

Posted on Posted in

ብዕለት 15/02/1999 ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት ብሓው ዶር.ተኽለኣብ መንግስተኣብ ዝተሰበኸ ስብከት ሚዛናዊ ዝኾነ ሓሳብ ብዛዕባ ነብስና!!

Posted on Posted in

ብዕለት 2 የካቲት 2004 ብ ሓው ዶር.ተኽለኣብ መንግስተኣብ ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት ዝተሰበኸ ስብከት ልኡላዊ ኣምላኽ።