“ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሃረና” መዝ 90:12

365 መዓልትታት ሓሊፈን፡ ክንደይ ካብአን ኮን ምስ ኣምላኽ ኮይንና ቖጺርናየን?

እግዚኣብሄር እንተዘይምሂሩካ፡ መዓልትታትካ ብዝግባእ ክትቖጽር ኣይትኽእልን ኢኻ። መዓልትታት ምቑጻር ንህጻናት እንምህሮም መባእታዊ ነገር እዩ ዝመስል፡ እንተኾነ ግን፡ እዚ ዓብዩ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ዳዊት ፡ ከም ሓደ ዓብዩ ነገር ካብ እግዚኣብሄር ክመሃሮ ጸልዩ። መዓልታትካ ምቁጻር  እንታይ ማለት እዩ?

1. ብየዕለቱ ኣብ ደገ እግዚኣብሄር እንጸናዕካ ንዕኡ ምስማዕ።

○     እቲ እዝኒ ዝፈጠረ “ኣየ ህዝበይ እንትዝሰምዓኒ” ኢሉ ይሓትት። ኣእዛን ከለካ ዘይሰምዕ፡ ኣዒንቲ ከለካ፡ ዘይምርኣይ ድርብ ክሳራ እዩ ። ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሐሎኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይሰማዕካን ይብል (ኢሳይያስ 42:20)።  እቲ ካብ ኣቦ ንጥበብን ጽድቅን ዝኾነልና ጎይታ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ይጭድር” ጥበብ ከምዚ ኢላ ትጭድር ፥ እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ፡ ብየዕለቱ ደገኡ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ (ምሳ 8፥34)2.

2. ብዘመንካ ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር ንፍቓድ ሰብ ዘይምግልጋል

○     ፍቓድ ኣምላኽ፡ ናይ ሓድ መዓልቲ ምህሮ ዘይኮነስ፡ ናይ ምሉእ ህይወት ናብራ እዩ። ጎይታ ባዕሉ “ፍቓድካ ክገብር ኢለ እመጽእ ኣለኹ” ካብ በለ፡ ንሕና ደኣ ክንደይ ዘየድልየና። መንፈስ ቅዱስ ከም ፍቓድ ኣምላክ ገይሩ ስለና ይጽሊ ካብ ኮነ፡ ንሕና ደኣ ክንደይ ፍቓዱ ዘየድልየና። ብኹሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱእ ኮንካ ክትርከብ፡ ከም ኤጳፍራስ ብጸሎት ዝጋደለልካ የድልየካ። ናይ ክርስቶስ የሱስ ምህሮ ከም ኣጽዋር ጌርካ ምሓዝ ዝተረፈ ዘመንካ ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍቓድ ሰብ ከይተገልግል ይገብረካ (1ይ ጴጥሮስ 4: 1-2)።  ስለዚ ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ነስተውዕል እምበር፡ ዓያሱ ኣይንኹን። ጲላጦስ ድማ፡ ፍቓድ እቶም ህዝቢ ኺገብር ስለ ፈተወ፡ ነቲ ፍቕድ ኣምላክ ዝኾነ ክርስቶስ ንሞት ወፍይዎ (ማርቆስ 15:15)። ዘመንናስ ከም ዳዊት ንምፍቓድ ኣምላኽ ደኣ!

3. ከመይ ዝበልካ ሓላፊ ሰብ ምዃንኻ ፈሊጥካ፡ ኣምላኽ መወዳእታኻን ልክዕ መዓልትታትካን ክንደይ ምዃኑ ከዘክረካ ምጽላይ (1)

○     ኣምላኽ ክዝክረካ ክንደይ ይጥዕም። ብፍላይ ድማ በቲ ንህዝቡ ዝሃቦ ጸጋ ገይሩ ክዝክረካ ከሎ (መዝ 106፥4)። እታ ዘይንፈትዋ፡ ኣምላኽ መዓልታትካ ክንደይ ምኻኑ ከዘክረካ ከሎ እዩ። ንጉስ ህዝቕያስ፡ ኣምላኽ መዓልታቱ ምስ ኣዘከሮ፡ ገጹ ናብ መንደቕ ገይሩ በኽዩ፡ ኣብ ዕድሚኡ ድማ ኣምላኽ ዘይከበረለን መዓልትታት ወሲኹ። መዓልታትና ንዝክረሉ ምኽንያት፡ ንሕና ሓለፍቲ ፡ ኣምላኽ ግና ነባሪ ምኻኑ ፈልጥና ኣብ ኣምላኽ ክንውከል እዩ።

4. ኣብ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ንኣምላኽ ሃሰስ ኢልካ ምርካብ (2)

○     ሃሰስ ዝብል ሰብ ክርኢ ዘይክእል ሰብ እዩ። ኣምላኽ ግን ርሑቕ ኣይኮነን። ረቒቕ ክነሱ፡ ርእሱ ንሰብ ህልው ገይሩ። ብብዙሕ መጽናዕትን ምርምርን ዘይኮነስ፡ ሃሰስ ኢልካ ክሳብ እትረኽቦ ክሳብ ክንድዚ ቀረባና ኮይኑ። ካብ እናረኣኻ ዘይምርኣይ፡ ሃብታምን ፈሳስን እየ እናበልካ፡ ነዳይን ዕሩቕን ኮንካ ምንባር ግን ዝኸፍእ የለን። ስለዚ ርእስና ኣይንጠብር፡ እተን መዓልትታት ከይተወደኣ ፡ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ኣረኻኽባ ጌርና ንኣምላኽ ንርከቦ።

5. ኵለን መዓልትታትና ኽንሕጐስን ባህ ኪብለናንሲ፣ ንግሆ ጸጋኻ ኣጽግበና (3)

○     ናይ መጀመርታ ሓደ ሰዓት ናይ ንግሆና ቀላሲት ናይ መዓልትና እያ። “ብስብሒ ቤትካ ይጸግቡ፣ ካብ ወሓዚ ባህታኻውን ተስትዮም። ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፣ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ ኣሎና።” መዝ 36፥ 9-10) ከም ዝብል፡ ንግሆ ንግሆ ገጽ እግዚኣብሄር ምድላይ፡ ክንደይ ናይ ሓጎስ መዓልትታት ከነሕልፍ ዘይገብረና። መዓልትኻ ምቁጽር እምብኣር ንግሆ ጸጋ ብምጽጋብ ኣምላኽ ኣብ ዓውደ ኣዋርሑ ዘእተወን መዓልታት ምንባር እዩ።

6. ግዜ ዓዲግና፡ ከም ለባም እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እንመላለስ ምርኣይ (4)

○     ገለ ሰብ ካብተን ዝተውህበኦ 24 ሰዓታት፡ ገለ ኣባኺኑ 8 ሰዓት ጥራይ ይነብረን፡ እቲ ክልእ ድማ ግዜ ዕዲጉ 25 ሰዓት ይነብር። ማለት ብግዚኡን ብዘይግዚኡን ምስ ኣምላኽ ትመላለስ (2ጢሞ 4፥1-4)። ጎይታ ብዙሕ እዋን ግዜይ በጽሐት፡ ግዜይ ገና ኣበጸሐን ብምባል ዘባኸኖ ግዜ ኣይንርእን። ካብ እግዚኣብሄር ዝተማህረ ሰብ፡ ኩሉ ሳዕ ጊዜ ዓዲጉ፡ ከም ለባም እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም ዝመላለስ የስተብህል (ኤፌ 5፥15)።

ኣብ መደምደምታ፡ ሓለፍትን መወዳእታና ዘይንፈልጥን ስለ ዝኾንና ኢና መዓልትታትና ምቑጻር ክንመሃር ዘድልየና።  ሰባት፡ ግዚኦም፡ ክንደይ ሰዓብትን( followers) ኣድነቕትን ከም ዘለውዎ ኣብ ምቑጻር ኣብ ዝሕልፍሉ ዘለዉ ግዜ፡ ንሕና እንታይ ኮን ንቖጽር ንህሉ? ሓደ ምቹእ (luxury) ህይወት ዝነብር ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ኣብ ዘመኑ መዓልትታቱ ምቑጻር ካብ ኣምላኽ ክምሃር ክጽሊ ከሎ፡ ካልኦት ናይ ዘመኑ ጠቢባን ግና ግዚኦም ከዋኽብቲ ኣብ ምቑጻር የሕልፍዎ ነይሮም። እቲ ንጥበብን ጽድቕን ዝኾነልና ክርስቶስ፥ መዓልትታትና ክንቖጽር ኣብ ሕቡእ ጥበብ ይምሃረና።

 ጎይታ ዓመታት ህይወትና ይበጀዎ!

 

ተወሳኺ ጥቕስታት፥ – (1- ምሳ 8፥34/ 2-መዝ 39፥4/ 3-ግብ 17፥26/ 4- መዝ 51፥6/ 5- መዝ 90፥14/ 6- ኤፌ 5፥15)


ብሓውና ሳሙኤል ኣብርሃ