ርስቶም ወደይ፡ ደሃይ ኣጥፊእካለይ ቀኒኻ። ኣይግድን! ከብዲ ወላዲ እምበር’ዩ። ኣሽንኳይ ምጥፋእ ደሃይ ተወሲኽዎ፡ ብዘይብኡ’ኳ እዚ ልበይ ዘይቆመለይ። “ኣዴኻ ትብሎ ኣይግበረልካ—” ከም ዚበሃል፡ እንቋዕ ከምቲ ዚበቀካ ልበይ ዚብሎ ኣይኮነ!! አረ እንሓንሳእሲ “መልእኽቲ ኣኽቢደሉ ዶኾን ኲርይ ኢሉኒ፡” እናልኩ እየ ዝስከፍ። እቲ ጥበበኛ ሰለሞን እንድዩ፡ “ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሓይሽ” እናበለ ዜተባብዓኒ ዀይኑ ኸኣ (ምሳ 27፡5)። ኣነዶ ንኣኻ ዝምልኣልካ ሃልዩኒ፡ የግዳስ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕን ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ ኣለኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከምዝገብርዎ ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብ10፡24-25) ስለ ዝበለ፡ ኣሰርካ ክስዕብን ትእዛዝ ሃዋርያት ክፍጽምን ኢለ እየ።

ኣብዛ ናይ ትማሊ ምእዝቲ መልእኽትኻ፡ ነፍሰይ ቀለብ ዓመታ እያ ሰኒቓ። ኣቦታትና “ካብ ብሱል ጥረ (ኣይሰኣንን)” ከም ዚብሉ ግዳ፡ እታ ሓንቲ ዓረፍተ ነገርሲ ኣይትቑርጠም ኣይትወሓጥ ኮይና ኣብያትኒ። ድቃስ ከሊኣትኒ ቐንያ ኣላ። “እቲ ሰሙናዊ ዘገልግሎ ዝነበርኩ ኣገልግሎት ወርሓዊ ገይረዮ ኣለኹ።” ምስ በልካኒ፡ ስንበድ እየ ዘልኩ። ኣንታ ርስቶም ወደይ እንታይ ተረኽበ? እቲ ሰሙናዊ በዚሑስ ተነክይዎ ድማ!! ኣነስ፡ እንተኾነ መዓልታዊ እንተ ወሓደ ድማ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ኣርባዕተ ጊዜ ጌረዮ ኽትብለኒ ተጸበኹኻ እምበሪ፡ ከምዚ እንዴትሮ፡ ንድሕሪት ትምለስ’ዶ መሺሉኒ!! ካልእ ትስመዓዮ፡ ኣይፋልካን ርስቶም ወደይ ንድሕሪት ገጽካ ኣይዕበይን እዩ። ግርምቢጥ፡ ስግንጢር እዩ። በቲ ናይ ኣምላኽ ንድሕሪት ዓቢኻ ማለት እኮ በቲ ናይ ሰይጣን ንቕድሚት ዓቢኻ ማለት እዩ። ነቲ ኣገልግሎትካ ካብ ኣብ ወርሒ ኣርባዕተ ግዜ ናብ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ዘውረድካዮ፡ ንኣምላኽ እምብዛ በዚሕዎ ዘይግብኦ ዀይኑ ድዩ? ካብቲ ትህቦ ዝነበርካ ኣገልግሎት 75% ከም ዘጉደልካ እምበር’ዶ ኣቕሊብካሉ ኣሎኻ? ወደይ፡ ነቲ ምጉዳልሲ ኽንድዚ ምህዋኽ ንምንታይ ኣድለየ? ቀስ እናበልካ’ኸ ዘይትጎድል። ኩሉ ምውዳቕ ሕማቕ እዩ እሞ፡ ኣዋድቓኻ ምኽፋእ ግና ጽቡቕ ኣይኮነን። ካብ ኣርባዕተ ናብ ሰለስተ፡ ክልተ እናበልካ ቀስ ኢልካ እንተ ትወድቕ ኣብ ሞንጎ ዜቕልበልካን ዚድገፈካን ኣይምሰኣንካን። ከምዚ ጌርካ ብሃንደበት ዝቐጻዕካዮስ፡ እንታይ ዓመጻ ዀን ረኺብካሉ ትኸውን? ” ብኸንቱ ድለየኒ፡ ብኸምኡ ብዘይ ዓስቢ ብዘይ ጸጋ ተገዝኣኒ” ዶዀን ኢሉካ ዀይኑ እዩ? ኣይመስለንን፡ ከምኡ ዝበለ ኣመል የብሉን።

ዓስቡ(ደመወዙ) ምስኡ ኣሎ፡ ካሕስኡ ቀቅድሚኡ እዩ ዚኸይድ፡

ዝተባህለሉ ኣምላኽ እኮ እዩ (ኢሳ 40፡10; 62፡11)። ከምኡ ምስ በልካ፡ ኣካ እቲ ነብዩ ሚልክያስ ዝበሎ ቓል ዘከርኩ።

ቃላትኩም በርትዓኒ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግናኣንጻርካ እሞ እንታይ ተዛሪብና፡ትብሉ ኣሎኹም። ንስኻትኩምውን፡ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፡ ስርዓቱ ዝሓሎና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ ከሊ ተኸዲንና እተመላለስናስ እንታይ ረባሕና?’ በልኩም።” ሚልክ 3፡13-14።

እዞም ሰባት፡ ኣፎም ከፊቶም ብድፍረት ከምኡ ዝተዛረቡዀይኑ ኣይስመዓንን እዩ። እንተ ዀነ ከምዚ ዝበለ ዘይጥዑይ ሓሳብ፡ ካብ ብቓላት ንላዕሊ ብግብሪ ኪግለጽ ከሎ እዩ ዚሕይል። ንቑጽሪ ናይቲ ዚቕርብዎ መስዋእቲ ብምጒዳል፡ ዋላ እንተ ኣቕረቡ’ውን ጐደሎ ዝዀነ እንስሳ ንመስዋእቲ ብምቕራብ፡ ንርእሶም ከይነጽሁ መስዋእቲ ሒዞም ብምቕራብ፡ ነቲ “ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፡ እንታይ ረባሕናሉ?” ዚብል እኩይ መልእኽቶም ብዝሓየለ መገዲ ኬመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ኸም ዝገበርዎ ድማ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ኣቐዲሙ ኣስፊሑ ተዛሪብዎም እዩ (ሚል 1፡1-12)።

ስለዚ ርስቶም ወደይ፡ ልብኻን ኣፍካን ከምኡ ንምባል እንተ ዘይደፈረ እኳ፡ እቲ ንኣገልግሎትካ ብሰብዓን ሓሙሽተን ሚእታዊት ምጒዳልካ ነቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ወዲእዎ እዩ። ኣነ እኳ ነቲ ጥዑይ ልብኻ እፈልጦ እንድየ፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ ዀይኑ ከም ዘይስመዓካ ይርድኣኒ እዩ። ሓሻካ እቲ ድቃስ ከኣ ይወሓደኒ እንድዩ፡ ብዛዕባኻ ከውርድ ከደይብ ምስ ሓደርኩ፡ “ምናልባት ካብቶም ዜገልግሎም ዚረኣይ ዚቕንጠብ ፍረ ስኢንሎም፡ እቲ ዝርካቡ ፍሪኦም ዘቢብ ኪኾነሉ እናተጸበየ ዘይልከፍ መጺጽ ፍረ ኣፍርዮምሉ ይዀኑ።” ዚብል ሓሳብ ቅጅል በለኒ። ጸጋ እንተ ዘየብዚሑልካ፡ ብርግጽ እዚኣ ከባድ ፈተና እያ። ርስቶም ወደይ፡ ምኽንያትን መልሲ ዘይብላን ግን ኣይኮነትን። ብመሰረቱ ናትና ስራሕ፡ ነቲ ግራት ካብ ቁጥቋጥን እምንን ምጽራይ፡ ነቲ መሬት ኣለስሊስካን ደኲዕካን ጽሩይ ዘርኢ ምዝራእ፡ ማይ ምስታይ፡ ምዂስኳስ፡ ምጽሃይ፡ ካብ በላዕተኛ ሓሰኻን እንስሳን ኣዕዋፍን ምሕላው እዩ። ከመዮ ሃዋርያ ጳውሎስ

ኣነ ተኸልኩ፡ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ፡ እምበኣርሲ እቲ ዜብቁል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስትይ ዚዓብሱ የብሎምን። እቲ ዚተክልን ዜስትይን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ።

ዝበሎ። እቲ ምብቋልን እቲ ምፍራይን ብዓብዩ ናይ ኣምላኽ ብድሕሪኡ ድማ ናይቲ ውልቀሰብ ጉዳይ እዩ። (1ቈረ 3፡6-8)። ደሓር ከኣ ኣታ ርስቶም ወደይ፡ ጐይታና እኮ ሰለስተ ርብዒ ናይቲ ዝተዘርኤ ኸም ዘይፈርይ ኣግሂዱ ነጊሩና እዩ። ዋላ እቶም ዝፈርዩ’ውን ኩሎም ማዕረ ከምዘይፈርዩ፡ ገሊኣቶም ስሳ ገሊኣቶም ከኣ ክሳዕ ሚእቲ ኪፈርዩ ከም ዝኽእሉ ጽቡቕ ገይሩ ኣፍሊጡና እዩ። ሰብ ገላትያ ንሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ካልእ ወንጌል ተገልቢጦም ሕማቕ ምስ ፈደይዎ፡ “ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን እፈረህ ኣለኹ።” ከምዝበሎም፡ ንሰብ ቆረንቶስ’ውን “መን እዩ ዚደክም፡ ኣነ ኸኣ ዘይደኽመሉ፡ መን እዩ ዚዕንቀፍ ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧” ኢሉ ከም ዝጸሓፈሎም ንኣኻ’ውን ተመሳሳሊ ስምዒት ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። እዚ ስምዒት እዚ ግና ካብ ኣገልግሎትካ ኬጉድለካ ዘይኮነስ፡ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ከም ዝቘምካ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጠን፡ ” ደቀየ ክርስቶስ(ደጊሙ) ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚስኣል፡ ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣለኹ።” ከብለካ እዩ ዚግባእ። እዚ ፈተና እዚ ንተወሳኺ ዝሓየለ ጻዕርን ሃልክን ደኣ ኪዕድመካ እምበር ኣገልግሎትካ ክትድርብይ ዚድርኽ ኣይኮነን። ናብቲ “ምስላ ዘይትፈርይ ኦም በለስ” ተጠቒሱ ዘሎ ጅግና ኣገልጋሊ ኣድህብ። እቲ ዋና ኣትክልቲ ዓቕሉ ጸንቂቑ “ምድሪ ተበላሽወለይ ኣላ ቁረጻ” እናበሎ ኸሎ፡ እቲ ሰለስተ ዓመት ዝሃለኸላ ኣገልጋሊ፡ መሊሱ ምእንቲ ኪሃልከላ ከይትቑረጽ ምእንታኣ ማለደ። ከም ነብዪ ሳሙኤል፡ እግዚኣብሄር ንሳኦል ቀቢጽዎ ክነሱ ምቕባጽ ዝኣበየ፡ ርስቶም ወደይ ንስኻ’ውን ኣሰሩ ድኣ ስዓብ። ከማታቶም ዝድኻምካ ሰብ ኢኻ’ሞ ሓለፋ ኣምላኽ ድኻሞም ክትርድኣሎም እዩ ዚግብኣካ። ጐይታ እኳ ናይታ ብስጋ ዝተዛመደና፡

ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከኣሎ እዩ።” (እብ 2፡18)

ንርእሱ ኸኣ ድኻም ሰለ ዝጠበቖ፡ ነቶም ደናቑርትን እተጋገዩን ኪድንገጸሎም ዚኽእል እዩ።” (እብ 5፡2) ተባህለሉ ።

ድኻም፡ ንድኹማት ክትረድእ ዜኽእል ሓለፋ እምበር ወጽዓ ኣይኮነን። እቶም ዝጸዓርካሎም ፍረ ብምኽላእ ምስ ኣዳኸሙኻ፡ እቲ ኣብኣቶም ዝረኣኻዮ ድኻም ወቓሕ ኪብለካን ከተለልዮን፡ “እምበኣር ኣብ ቅድመይ ሓሊፍካ ጸኒሕካኒ” ኽትብሎን እዩ ዚግባእ። ነቶም ተገልገልትኻ ከም መስትያት ተጠቀመሎም እምበር ኣይትጸየፎም። ነቲ ሓቀኛ ምስልኻ ኣባታቶም ኢኻ እትርእዮ። ሽዑ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ዝበለ ድንጋጸ ኣብ ውሽጥኻ ኪወልደልካ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ ብምሕረቱ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ስለ ዝሃበና ኣይንሕለልን ኢና” ኸም ዝበለ፡ ርስቶም ወደይ፡ እዚ፡ ፈውሲ ምሕላል እምበር ጠንቂ ምሕላል ኣይኮነን (2ቆረ 4፡1)።

ንምጉዳል ኣገልግሎትካ “ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል እዩ” ኢለ ዝሓሰብክዎ ድማ፡ ሓልዮት ሓዳር ወይ ምግፋሕ ዋኒን እዩ። እቲ ዘመን ኣዝዩ ጽንኩር፡ እቲ ባህግታት ሰብ ድማ ደረት ዘይብሉ ምዃኑ፡ ንኹሉ ሰብ ተጽዕኖ ኸም ዝገብረሉ ይርድኣኒ እዩ እዚ ወደይ። ሓልዮት ሓዳር ድማ ነዚ ድኹም ልብና ከቢድ ጽዕነት አዩ ዚዀኖ። እዚ ዘለኻዮ ዓዲ ድማ ግናይ እንድዩ፡ ደሓር ከኣ ርስቶም ወደይ ምእንቲ እንጌራ ዝተሰድደ ሰብ፡ እቲ ናይ እንጌራ ነገር ቁሩብ እንተሰሓቦ መዓስ የገርም ኰይኑ። የግዳስ፡ እንተ ኣብ ዓደ’ቦና ሃሊና እንተ ኣብ ምድሪ ጓና፡ ኩሉ ጊዜ ነዛ ዓለም እዚኣ ስደተኛታት ምዃንና መዓስ ዝተረፍ ኮይኑ። ብመሰረቱ’ውን እግዚኣብሄር

ምድሪ ናተይ እያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም………….”

ኢሉ ብኣግኡ ኣፍሊጡና እዩ (ዘሌ 25፡23) ። ወንጌል ድማ ንስደተኛታት ናብ ዓደ’ቦኦም ኪመልስ ዝተላእከ ኣዋጅ እዩ። ነብያትን ሃዋርያትን ድማ፡ ስደተኛታትን ኣጋይሽን ምዃንና እናተኣመንና፡ ናይ ድንኳን ናብራ ኽንነብር ብቓልን ብግብርን ምሂሮምና እዮም   (እብ11:9,13 ፥ ፊሊ3:20 ፥ 1ይጴጥ1:17; 2፥21 ፥ መዝ39:12)። ንዘልኣለም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ንነብር ዄንና እንተ ነበርና ነቲ ዘልኣለማዊ ቤትና ክንከስሮ ኢና። ብዛዕባ እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበና ስድራ ቤት ክንሓልይ ክንብል ንእግዚኣብሄር እንተ ጎሴናዮ ኣብ ትዕዝብቱን ፍርዱን ኢና ንወድቕ። ነቲ ውህበት ካብቲ ወሃቢ ንላዕሊ እንተ ኣዕቤኻዮ ነገሩ ግርምቢጥ እዩ ዚኸውን። ጐይታ’ውን እኮ፡

እቲ ኻባይ (ኣብሊጹ) ነቦኡን ኣዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይ ንጓሉ(ኣብሊጹ) ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። …….. እቲ ንህይወቱ (ኣብዛ ምድሪ እዚኣ) ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ(ካባይ ኣትሒቱ ዜፍቅራ) ግና ንዘልኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።

ኢሉ ኣጠንቂቕና እዩ። (ማቴ10፡37; ዮሃ12፡25)። ርስቶም ወደይ፡ ዝዀነ ሰብ፡ “ንጎይታ’ዶ ንስድራ ቤትካ ኣብሊጽካ ተፍቅር” ተብሂሉ እንተ ዚሕተት፡ ብኣፉ ኹሉ ሰብ “ንጎይታ” ኢሉ እዩ ዚምልስ። እንተ ዀነ እቲ ንስድራ ቤቱ ዚኸፍሎ ጊዜ፡ ጉልበት፡ ገንዘብ ወዘተ ካብቲ ንክርስቶስ ዚኸፈሎ ብተዓጻጻፊ ኣዝዩ ዚበዝሕ እንተ ዀይኑ ግና፡ እቲ ናይ ቃል ተኣምኖ ግብዝን ጥበራውን ከም ዝነበረ እዩ ዜቃልዕ። ንስድራ ቤትካ ኣብ ወርሒ ሰላሳ መዓልታት ክትሃልከሎም በዚሑ ዘይተራእየካስ፡ ንጎይታ ኣብ ወርሒ ኣርባዕተ ጊዜ በዚሕዎስ፡ ናብ ሓደ እንተ ኣጒደልካሉ ኣይዕዘበካን’ዶ፧ ርስቶም ወደይ፡ ወዲ ማርያም ከኣ ዋዛ ኣይኮነን። ሓያል ተጻባጻቢ እዩ። ጽባሕ ንግሆ ነቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀነ ኣዒንቱ ኣባኻ ተኺሉ፡ “ዋጋ ኽቡር ደመይ፡ ጻማ ነፍሰይ እምበኣር እዚ ዀይኑ፧” ኢሉ በቲ ከም ደሃይ ብርቱዕ ማያት ዝዀነ ድምጹ ምስ ሓተተካ፡ “እቶም ኣነ ዝሃብኩኻ ስድራ እምበኣር ካባይ ዓብዮምኻ፡ እቲ ዋኒንካ እምበኣር ካብቲ ኣገልግሎተይ በሊጹ፡ እቲ ዕላል ብጾት እምበኣር ካብቲ ቓለይ መቂሩ፡” ምስ በለካ፡ ኣበይ ኢኻ እትኣትዎ፧ ነታ መዓልቲ እቲኣ ብዓይነ ሕልናይ ምስ ዘከርክዋ፡ ኤሌክትሪክ ከም ዝጨበጠ ሰብ ተዘዝ ኪብለኒ፡ ብዘሎ ሰብነተይ ብረሃጽ ታህታህ ኪብል ከሎ ተፈሊጡኒ፡ ፈሪሄልካ’ ዚ ወደይ፡ መልሶ ደኣ። ነቲ ፈረስ ንቕድሚት ናብ ቦትኡ ደኣ ምለሶ። ዓረብያ እንተ ተሳሕበ እምበር እንተ መርሐ ኣየምሕረሉን ኣይቀድዎን ከኣ’ዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ እኮ ከምዚ ኸማኻ በዓል ድርብ ዋኒን እዩ ዝነበረ። ዋላ ቆልዓ ሰበይቲ ዘለዎ ሓዳር እንተ ዘይነበሮ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ መዓይይቱ ድንኳን እናሰፈየ ይናብዮም፡ ካባታቶም ሓሊፉ’ውን ንድኹማት(ድኻታት) ብገንዘብ ይረድእ ነበረ። ስጋዊ ዋኒን ንጎይታ ኻብ ምግልጋል ይዕንቅፍ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ቅድሚ ኹሉ ጳውሎስ ምተዓንቀፈ ነይሩ። ነቶም ብምኽንያት ሓልዮት ሓዳር ነቲ ንጎይታን ኣገልግሎቱን ዝነበረና ተወፋይነትን ሓልዮትን ዘጉደልና ሰባት ዚጠቅም ፈውሲ’ውን ኣዚዙልና ኣሎ። ከምዚ ኢሉ:

እምበኣርሲ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ጭንቂ፡(ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዚወርድ ዝነበረ ተነጽሎን መከራን) ሰብ ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ መሲሉ ይረኣየኒ። ተመርዒኻ እንተ ዄንካ ፍትሕ ኣይትድለ። ዘይተመርዓኻ እንተ ዄንካ ሰበይቲ ኣይትድለ።…………. እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ (እተመርዓዉ) ግና ብስጋ መከራ ይረኽቦም እዩ እሞ፡ ካብዚ (መከራ) ኸድሕነኩም ኢለ እየ። ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝብለኩም ዘለኹ እዚ እዩ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ከም ዘይብሎም (ኮይኖም) ይንበሩ። እቶም ዚበኽዩ ከም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጎሱ ኸኣ ከም ዘይሕጎሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም ብናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ፡ ብእኡ ከም ዘይጥቀሙ ዀይኖም ይንበሩ።” 1ቆረ 7:26,27,29-32 (ሓድሽ ትርጉም)።

ሓልዮት ሓዳር፡ ኣብ ክሳድካ ኸም እተኣስረ መጥሓን ኣድጊ ዀይኑ ናብ መዓሙቕ ዓለምን ገሃነምን ምእንቲ ኸየጥሕለካ እምበኣር፡ ንስድራኻ ንዋኒንካ ከይሃሰኻ፡ ብዛዕባ መጻኢኦም ንምድላብ ከኣ ቀዳማይ ነገርካ ዕሽሽ ከይበልካ፡ ሓዳርን ስድራን ከም ዘይብሉ ሰብ ኴይንካ ምንባር እዩ። በዚ ሃዋርያዊ ጥበብ ዝተዓወቱ ቅዱሳን ማእለያ የብሎምን። ከም ደበና ምስክር ኰይኖም ድማ ኸቢቦምና ኣለዉ። ይዋኣዮም፡ እዛ መዐወቲት ጥበብ ዕሽነት ኰይና ተራእያቶም፡ መኽሊቶም ዝቐበሩ፡ ሓሙሽተ ተዋሂብዎም ሓንቲ ዝፈረዩ፡ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ድማ ዝለገሙ ማእለያ የብሎምን። ርስቶም ወደይ፡ ጸበሎም ኣይልከየና። ካብ ጽዋእ ዕድሎቶም ኣየኻፍየና። እቲ ከይበቐቐ ክብርቲ ህይወቱ ዘሕለፈ፡ ንጹህ ደሙ ዘፍሰሰ፡ ምልኣት ጸጋኡ ዘፍሰሰ ጎይታ፡ ነቶም ንሱ ዝሃቦም ማእለያ ዘይብሎም ህያባት ተመሊሶም ከይህብዎ ዝበቐቕሉ እንታይ ኰን ኪገብሮም እዩ? ሰብነት፡ ህይወት፡ ጊዜ(ዕድመ)፡ ዓቕሚ፡ ዜኽእል ጸጋ ፈትዩ ኸየስተሓፈረ ብልግሲ ሂብዎም ኬብቅዕ፡ ብእኡ ገይሮም ንእኡ ኼገልግልዎ ስኣን ምፍታዎም፡ ከም ከተርቲ ከም ዓመጽቲ “ኣቱም ደቂ ዓመጻ” ኪስመዩ ካብ ምስማዕን፡ ግዳያት ንፍገቶም ኰይኖም ካብ ምርኣይን ዚኸፍእ ዕጫ እንታይ ኣሎ!! ብምርጫኻ ካብ ምጥፋእስ ይሰውረና እባ ደኣ!! ከምቲ ዘይእሙን መጋቢ፡ ከምቲ ብዓል ሓደ መኽሊት፡ “ኣታ ኽፉእ ሃካይ ዓመጸኛ ባርያ” ዚብል ሲኦላዊ ማዕርግ ካብ ምቕባል የድሕነና፡ እዚ ወደይ። ካብዚ ዕጫ እዚ ብጉያ ህደም። ንዓቐብ ናብቲ ከረን እምበር፡ ንቑልቁል ናብቲ መዓሙቕ ኣይትጉየ። ንቑልቁል ምጉያይ ስሉጥ እዩ፡ ጻዕሪውን ኣይሓትትን እዩ። ኣይትምረጾ፡ ተካል ምርጫ እዩ። ናብ ላዕሊ፡ ናብቲ ኸረን ገጽካ ደኣ ጠምት። ንእግዚኣብሄር:

ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ጌርካ፡ ኣብቲ በሪኽ ቦታይ ኣቑመኒ ኣብኡ ኣመላልሰኒ” ኢልካ ተማሕጸኖ (መዝ18፡33; ኣን 3፡19)።

እቲ ቅዱስ ሃዋርያ፡

ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኣተንስኣና፡ ብክርስቶስ ገይሩ ኸኣ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ኣቐመጠና።ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም እሞ፡ ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ፡ ከመይ መይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ (ኣብ ሰማይ) ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ……..። “

ዝበለና ቃል ድማ ኣይንረስዓዮ (ኤፌ2፡6; ቈሎ 3፡1-3)። ስጋኻ ናብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ሰማያት ክሳዕ ዚድይብ፡ ንቐልብኻን ኣእምሮኻን ካብቲ  በረኽትኻ ኣይተውርዶ። ዘይተሰቕለ ዘይደየበ ነገር እንተልዩካ ናብኡ ደኣ ኣደይቦ እምበር፡ ዝዀነ ነገር ከይተውርድ ተጠንቀቕ። ካብ በረኽትኻ፡ ካብቲ ሰማያዊ ቦታኻ ሸታሕ ኢልካ ኽትወርድ ምስ ጀመርካ ኢኻ፡ ካብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ መንፈሳዊ ናብራኻን ኣገልግሎትካንውን እትጎድል። ካብቲ በረኽቱ ብሃንደበት ዱብ ኢሉ ናብ መዓሙቕ ዚወድቕ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ርስቶም ወደይ፡ ኣቦታትና ኪምስሉ እኳ፡ “ውሒዝ ኪወስድ እናኣስሓቐ፡ ተንኰለኛ ኼጥፍእ እናተራቐቐ” እዮም ዝብሉ። ትጎድል ከም ዘሎኻ እንተ ተፈሊጡካ እሞ፡ ሰይጣን ኣይኪዕወትን እዩ። ንመወዳእታኻ ዜበላሽወልካ፡ ትውስኽ ትዓብይ ከም ዘለኻ እናኣምሰለ ከም ትጎድል ብምግባር እዩ። ርስቶም ወደይ፡ ኣብ ሕጊ መለኮት ድማ ምውሳኽ ምዕባይ እምበር ምጉዳል ምውራድ ቅቡል ኣይኮነን። ይትረፍ ብጉዳይ ጽድቂ ዋላ ብጉዳይ ሓጢኣት’ውን ምርጫና እንተ ዀይኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ጫፍ ክንበጽሕ እዩ ዚደልየና። ወይ እምብዛ ውዑያት ወይ ድማ እምብዛ ዝሑላት ኽንከውን እምበር ልቡጣትን ሓዲግን ክንከውን ኣይደልየናን እዩ(ራእ3:15-16)። ስለዚ’ዶ ኣይኰነን እቲ ቅዱስ ገንሸል፡

እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ይጽደቕ፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ።” ዝበለ (ራእ 22፡11)።

እቲ ወዲ ጥፍኣት ዝተሰምየ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ኣብቲ ማሕበር ሃዋርያት ሕልኽልኽ ምስ ኣብዝሐ’ውን፡ “እቲ እትገብሮ ቀልጢፍካ ግበሮ” ብምባል “ኣይተዕጠጥይ ነቲ ምርጫኻ ብምልኣት ንበሮ” ዚብል መልእኽቲ ከም ዝሃቦ ኣይትረስዕ። ርስቶም ወደይ፡ መገዲ ጻድቃን ልክዕ ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ እናወሰኸት እያ እትበርህ (ምሳ4፡18) እቲ ጻድቕ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ መገዱ ይጸንዕ፡ እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉ ድማ እናበርትዐ ከም ዚኸይድ ኣይትዘንግዕ(እዮ17፡9)። እቲ ሃዋርያዊ ሕጊ’ውን ብንጹር ኣፍሊጡና እዩ። እቲ፡

እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር(እቲ እናወሰኽካ ምኻድ) ብምሉእ ርእስኻ ወፍይ።

ዚብል ሰማያዊ ቃል፡ ኣዚኻ ኣቕልበሉ(1ጢሞ 4፡15)። ብወዝቢ ትዝ ኪብለካ ዘይኰነስ፡ ኣጸቢቕካ ብዕምቆት ክትሓስበሉ ጎይታ ነጊሩካ ኣሎ። ብኣጋጣሚ ወይ ድማ ንቡር መስርሕ ህይወት ኰይንካ ክትዓብይ ዘይኰነስ፡ ንምዕባይ ብመደብ ብቘራጽነትን ብቐጻልነትን ምሉእ ርእስኻ ወፊኻ ክትሰርሓሉውን ትእዛዝ ጎይታ እዩ። ምዕባይካ ድማ ንስኻ ጥራይ ዘይኮንካ ኩሉ ሰብ ኪዕዘቦን ኬስተውዕሎን ምግባርውን ኣካል ናይቲ ትእዛዝ እዩ። መለኸት ነፊሕካ ትዓብይ ከም ዘሎኻ ክትእውጅ ማለት ከም ዘይኮነ ግና ኣይትስሕቶን ኢኻ። ዕብየትካ፡ ዕብየት ሓምሊ-ኣድሪ ኺመስል፡ ፍረ ኻብ ምሃብ ሓሊፉ ካልኦት ሰባት ዜዕቁብን ዜጽልልን ዚምግብን ኪኸውን ከም ዚግብኦ ጎይታ ነጊሩና እዩ። ምዕባይካ ንኻልኦት ኣርኣያ ኪኸውን ይድለይ እዩ (ማቴ13፡31-32)። ስለዚ ርስቶም ወደይ፡ ነዚ ሕጊ ሰማይ ተኸተሎ፡ ንበሮ ድማ። ወስኽ እምበር ኣይትጉደል። እቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡

ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት(ወስኹ) ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ(ወስኹ) ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ(ወስኹ) ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር(ወስኹ) ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት (ወስኹ) ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንኹሉ ሰብ (ወስኹ)

ዝበሎ ቅዱስ ቃል’ውን ዘክሮ (2ጴጥ 1፡5-7)። እዚ ቅዱስ ሃዋርያ ግና፡ ዝርዝር ናይ ኪውሰኹ ዘለዎም ባህርያት ኣምላኽ ኣብ ምርቋሕ ጥራይ ኣይተደረተን። እቶም ዚውሰኹ ብዓይነት ጥራይ ዘይኮነ ብመጠን’ውን እናዓበዩን እናዓዘዙን ኪኸዱ ከም ዚግብኦም’ውን ኣዘኻኸረ ደኣ።

እዚ ነገር (እዚ ዝተዘርዘረ ባህርያት እዚ) እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ ንምፍላጥ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኮኑ ኣይሓድገኩምን እዩ። እቲ እዚ ነገር (ምውሳኽን፡ ነቲ ዝወሰኾ ድማ ምምዕባልን) ዘይብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዐ፡ ዕዉር፡ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ (ምድራዊ ነገር) ጥራይ ዚርእይ እዩ።

ብምባል ነቲ ሓቂ ኣግሂዱልና ኣሎ (2ይ ጴጥ 1፡8-9)። ኣስዒቡ’ውን እቶም ዚውስኹን ዚዓብዩን ንጽውዓኦምን ሕርየቶምን ኬጽንዑ ዚኽእሉ ብርቱዓት፡ ከቶ ዘየንደልህጹ ጽኑዓት፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ምእታው ብምልኣት ዚወሃቦም ብጹኣን ምዃኖም ኣስመረልና።

ፍቑረይ፡ እዚ ጽዋእ ዕድሎት እዚ፡ እዚ ጽሕፍቶ እዚ ኣባኻ ክርእዮ እብህግ፡ ንጎይታይ ንመድሃኔ ኣለም’ውን እምሕጸኖ ኣለኹ። ርስቶም ወደይ! ኣይትጉደለኒ፡ ንጎይታኻ ኣይትጉደሎ ሓደራኻ። መዓልትታትካ ከም መደርብዮ ኣላማይ ይቕልጥፋ ይሕንበባ እየን ዘለዋ። ዘይተዛዘመ ተልእኾ ዘይተኸፍለ ዕዳ ተሰኪምካ ናብ መቓብር ኣይትቐልጥፍ። ከምቶም ክዳኖም ብደም ጠልቅዩ ጁኽን ዝዋውዕን መሲሉ እናሃለወ፡ ኣእዳዎም ብማይ ተሓጺቦም፡ “ካብ ደም ንጹሃት ኢና” ዚብሉ ዓያሱ ከይትኸውን ሓደራኻ። ነቲ ምስጋና፡ ነቲ ጸሎት፡ ነቲ ምግልጋል፡ ነቲ ቅድስና፡ ነቲ ምውፋይ፡ ነቲ ንክርስቶስ ምምሳል ወስኸሉ እምበር ኣይተጉድለሉ። ብዋጋ ደሙ ዝተዓደግካ ኢኻ እሞ፡ ጻማ ነፍሱ ኣይትኽልኣዮ። ንስሙ ዝገበርካዮ ፍቕሪ፡ ንዕይኡ ዘፍሰስካዮ ጻዕሪ፡ ንስጋኻ ብምስዋእ ዝሃብካዮ ኽብሪ ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኮነን። ዓስቡ ቀቅድሚኡ ዜሕልፍ ሕያዋይ፡ ምስ ጻዕርኻን መስዋእትኻን ዘይዳረግ ዚተዓጻጸፍ ዋጋ ዚኸፍል ለጋስ፡ ንባሮቱን ንርእሱን ኪኽሕድ፡ ኪጠልም ዘይኰነሉ እሙን እዩ። ንላዕሊ ብዝዓበኻን ልዕል ብዝበልካን መጠን፡ ካብ ስሕበት ምድሪ እናረሓቕካ ስለ ትኸይድ፡ ኪፈዂሰካ እምበር ኣይኪኸብደካን እዩ። ነቲ ኣብ ምውሳኽን ምዕባይን ዘሎ ዕረፍትን ሓጎስን ኣስተማቕሮ። ሰናይ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነቲ ጉያ ፈጽሞ፡ ነቲ እምነት ሓልዎ። ኪኖ ማዕጾ ምስቲ ገንሸል እምበር ክነጆ ማዕጾ ተሪፍካ ኢድካ ብምኹሕኳሕ ኪደምይ ኣይተርእየኒ። ኣይፋልካን እዚ ወደይ ንድሕሪት ኣይትዕበይ!!!!

ምውሳኽካን ምዕባይካን ብዘይ ምቁራጽ ክሳዕ ምጽኣት ጎይታ ክርኢ ዝጽበ ኣቦኻ እየ!!!


ብሓውና በረኸት መንግስትኣብ