ወዲ ሰብ  ብህይወት ዝነብረለን መዓልታቱ ዝፈልጥ ኣይኰነን። ኣብዛ ምድሪ ተወሊዱ፡ ዓብዩ ድሕሪ እርግናኡ ወይ ኣብ ሞንጎ ዕድሜኡ ብሞት እዩ ዝድምደም። ኣብዘን ውሑዳት ዓመታት ግን ዝኰነ ሰብ ሓጐስን ሓዘንን ከይረኣየ ዝሓልፍ የለን። ትርጉም ህይወት ግን ብሓጐስ ዲኻ ሓሊፍካየን ብሓዘን ዘይኰነስ፡ ብዘመንካ ንመን ኣኽቢርካ ኢኻ ሓሊፍካ እዩ እቲ ዘገድስ። ከም ንኽብሪ ኣምላኽ ዝተጸዋዕና ህዝቢ፡ ንኣምላክ ኣኽቢርና ክንሓልፍ ካብዚ ዝዓቢ ትርጉም ህይወት የለን። ስለዚ ድማ እዩ ዘማራይ ዳዊት ኣብተን እግዚኣብሄር ዝሃቦ መዓልታት ብጥንቃቐን ብፍርሃትን ምእንቲ ኪመላለስ፡ ጥበበኛ ልቢ ኪረክብ መዓልታቱ ኪቆጽር ንእግዚኣብሄር ምሃረኒ ዝበለ።

“ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ክንረክብመዓልትታትና ኽንቖጽር ምሃረና።”(መዝ 90: 12)

ኣዝዩ ረዚን ዝዀነ ጸሎት እዩ ጸልዩ። ምኽንያቱ ዝተዋህብኦ መዓልትታት ብግቡእ ክጥቀመለን እምበር ክሕዘን ዘይክእል ምዃኑ ስለዘስተውዓለ እዩ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ በቲ ኣምላኽ ዝሃባ ዋጋ ጌሩ ምቑጻር ክኽእል ግን ረድኤት እግዚኣብሄር የድልዮ ምዃኑ ስለዝተረድአ እዚ ጸሎት ጸለየ። ስለዚ ኣብዘን ምስቲ ድሕሪ ሞትና ዝስዕባ ዘመናት ተወዳዲረን ብሚዛን ክቑጸራ ዘይክእላ ውሑዳት ዓመታትና፡ እቲ ተበሃግን ብሉጽነትን እነርእየሉ ብምሉእ ሓይልና እንጎየሉን፡ ካብ ናይ ቁልዕነት ህይወት ወጺእና ናይ ንእስነት ዘሎ ዕድመ እዩ። እዚ ዕድመ እዚ ቅኑዕ መኣዝን እንተ ደኣ ሒዙ ከይዱ ዘንጸባርቖ ብሉጽ ህይወትን ነባሪ ፍረን ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ድማ ቅኑዕ መኣዝኑ እንተ ኣጥፊኡ ብውልቂ፡ ብቤተሰብ ብቤተ ክርስቲያን ይኹን ብሃገር ደረጃ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ።

ዕድመ ንእስነት ኩሉ ዝደልዮን ዝብህጎን ዕድመ እዩ። ለውጥን ምዕባለን ናይ ዝዀነ ይኹን ውን ኣብ እንግድዓ ጎበዝ (መንእሰይ) እንተ ዘይሃልዩ ቀጻልነት ናይቲ ንለውጢ ዝትግበር ዘበሉ ኩሉ ኣድማዕነቱ ውሑስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሰለዚ መንፈሳዊ ህይወትና በቲ እግዚኣብሄር ዝሓንጸጸልና መገድን ዕላማን መኣዝኑ እንተድኣ ሓልዩ ዘሎናዮ ደረጃ ዕድመ ጉብዝናን ሓይልን ዝበለጸ ይገብሮ እምበር ብኣሉታ ኣይጸልዎን እዩ። ኣቦና እዮብ ንብሉጽነት (ጽባቐ) ናይ ንእስነት ጊዚኡ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ኢሉ፡

“ከምቲ ብዘመን ጉብዝናይ ዝነበርክዎ፡

ምስጢር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ድንኳነይ ኪርፍ ከሎ፡

እቲ ኹሉ ዚኽእል ምሳይ ኪነብር ከሎ፡

ደቀይውን ኣብ ዙርያይ ኪቖሙ ኸለዉ፡

ስጉምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሓጽብ ከሎኹ ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኺውሕዘለይ ከሎ፡

ከምተን መዓልታት እቲኤን እሞ መን ምሃበኒ።” (እዮ 29፡4-6)

ብምባል ዘመን ንእስነቱ ከመይ ጽቡቓት ከምዝነበራ ገሊጹ። ስለዚ መንእሰይ ማእዝኑ ሓልዩ ብዝግባእ ሓይሊ ጉብዝናኡ እንተ ደኣ ተጠቂሙሉ ፍጹም ክነዓቕ ዘይክእል ብሉጽ ነገር እዩ ዝፈሪ።

እምበኣር ሎሚ ነቲ ጽባቔናን ጽቡቕ ፍሬና ዚደሊ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ዘመን ንእስነትና ምእንቲ ክኸብር ንሱውን ንዓና ከኽብረና ዘመንና ክንህቦ ይግባእ። ከምቲ ዘማራይ ዳዊት፡ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይ ንስኻ ኢኻ፡ ኢሉ ዝተማዕቖቦ ገዛእ ርእስና ከነማዕቁቦ ይግብኣና እዩ (መዝ 71:5)።

ለውጥን ምዕባለን ናይ ዝዀነ ይኹንውን ኣብ እንግድዓ ጎበዝ (መንእሰይ) እንተዘይሃልዩ ቀጻልነት ናይቲ ንለውጢ ዝትግበር ዘበለ ኩሉ ኣድማዕነቱ ውሑስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ኣብዚ ናይ ንእስነት ጊዜና ብዝግባእ ብሉጽነትና ምእንቲ ከይርአን ከይወጽእን ንድሕሪት ዝጎቱናን ዘበላሹዉን ማእለያ ዘይብሎም መፈንጠራታት ኣለዉ። ዓለም፡ ሰይጣን ከምኡውን ሕማቕ ዕርክነት ዝኣመሰሉ ገለ ካብቶም ቀንዲ በላዕቲ ሓይሊ መንእሰይ እዮም። ስለዚ ብዛዕባ ንእስነት ክንርድኦ ዘሎና ሓቂ፡ ገዛእ ርእስና ንኣምላኽ እንተድኣ ኣግዚእናዮ መስክረለይ ዘየድልዮ ብሉጽነቱ የርኢ፡ ብኣንጻሩ ከኣ ሰይጣንን ዓለምን ነዚ ዕድመ ክገዝእዎ ከለዉ ዝግለጽ ውድቐት መስክረለይ ዘድልዮ ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ንንእስነትና ዝብህግ ኣምላኽ እዩ፡ ዘሎና ዘበለ ኵሉ ሓይሊ ንእኡ ክኸውን፡ ማለት ብዘመንና ኣኽቢርናዮ ክንሓልፍ እዩ ዝደልይ። ስለዚ ድማ እዩ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ መክ 12፡1“ክፉእ መዓልትታት ከይመጻ፡ ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ኢሉ ለበዋ ዝሃበና። እግዚኣብሄር ከም ኤፍሬም ሓይሎም ብኣጋይሽን መጻእተኛታትን ዝተበልዑ መንእሰያት ክርኢ ኣይደልን እዩ። እኳ ድኣ ኣወዳትና ብጉብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣታኽልቲ፡ ኣዋልድና ከም እተሃንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኩርናዕ ኮይኖም ብጽባቔኦም ከኽብርዎ እዩ ዝደሊ (መዝ 144፡12)።

መንፈሳዊ ህይወትና በቲ እግዚኣብሄር ዝሓንጸጸልና መገድን ዕላማን መኣዝኑ እንተድኣ ሓልዩ ዘሎናዮ ደረጃ ዕድመ ጉብዝናን ሓይልን ዝበለጸ ይገብሮ እምበር ብኣሉታ ኣይጸልዎን እዩ

እግዚኣብሄር ፍቕሪ ንእስነት ዝብህግ ኣምላኽ እዩ። ህዝቢ እስራኤል ብምንዝርናኦም ካብ ኣምላኽ ኣብ ዝኾብለልሉ እዋን ብነብዩ ገይሩ፡ “ፍቕሪ ንእስነትኪ መርዓት ከሎኺ ክንደይ ከም ዘፍቀርክንን ዝሰዓብክንን እዝክረልኪ ኣሎኹ” ኢሉ (ኤር 2፡2)። እምበኣር ሎሚ እግዚኣብሄር ካባና ዝደልዩ ኣብዚ ናይ ግሽነት ናብራና ብኹለንትናና ከነኽብሮን ሓይልና ኹሉ ንዕኡ ጥራይ ክኸውን ከነግዝኦን እዩ። ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ንእስነት ክሳዕ መጨረሽታ ዘመን ህይወትና ኣብ ምዕራፍ ክበጽሕ እንተ ዘይኪኢሉ ንመዓልቲ ፍጻሜኻ ዘኽፍእ ከም እስራኤላውያን ዝነበራና ናይ መግዛእቲ መዓልታት ድማ ዘናፍቕ ጥራይ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ከምዚ ዝበለ ዘይጽቡቕ ፍጻመ ህይወት ይባልሃና። ሎሚ ከም ዳንኤል ዝኣመሰሉ ሰባት ኴይንና ገዛእ ርእስና ካብ ርኽሰት ባቢሎናውያን (ዓለም) እናሓለና ብኹሉ ህይወትና ንኣምላኽ ከነኽብሮ ይግብኣና እዩ። እምበኣር ሎሚ ናይ ንእስነት ጊዜና ብቕድስናን ብፍርሃትን ተመላሊስና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተበሃጊ  ህይወት ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ።

ጻውዒትና ከምቶም ብጊዜ ንእስነት ህይወቶም ንኣምላኽ ዘኽበሩ እሞ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ጽቡቕ ምስክርነት ዘለዎም ሰባት ክንከውን እዩ እቲ ጽውዓ።

“. . . ጊልያኻ ግና ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ ሰብ እየ።” (1ነገ 18፡12)

“. . .ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ክሳዕ ሎሚ ዝሓለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኩን፡ ፍንፉን ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይኣተወን በልኩ።” (ህዝ 4፡14) 

 ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ንእስነት ክሳዕ መጨረሽታ ዘመን ህይወትና ኣብ ምዕራፍ ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ ንመዓልቲ ፍጻሜኻ ዘኽፍእ ከም እስራኤላውያን ዝነበራና  ናይ መግዛእቲ መዓልታት ድማ ዘናፈቕ ጥራይ እዩ።

 እምበኣር ሎሚ ሓወይ ሓፍተይ እግዚኣብሄር ይጽውዓና ኣሎ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህያው ዘበለ ፍጡር ብዘይንዓቕ ንእስነት ክንመላለስ ይግብኣና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ንኣገልግሎት ዝተጸውዐ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ኣብዚ ናይ ክርስቲያናዊ ህይወት፡ ጉብዝንኡ ከይትንዓቕ ሓደራ ብምባል ተላብይዎ። ሎሚውን እንተኾነ እዚ ቓል እዚ ንዓና መንእሰያት ከምኡ እዩ መልእኽቱ (1ጢሞ 4:12)።

“ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደኳ ኣይንዓቓ።”

ኣብዚ መልእኽቲ (1ጢሞ 2፡14) እንተድኣ ሪኢናዮ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣርኣያ ክኾኖም ዘለዎ ነጥብታት እዩ ዘርዚሩ። ንሕጂ ኣብታ ቀዳመይቲ ብቓል ዝብል ጥራይ ክንርኢ ኢና።

ቃል ድምር ናይ ፊደላት ኰይኑ ምሉእ ሓሳባት ዝሃንጽ ቀንዲ መረዳድኢ ባእታ እዩ። እዚ ኣብ1ጢሞ 4:12 ብቓል ክብል ከሎ ንኹሉ እንዛረቦ ዘበለ ማለት ማሕበራዊ ህይወትና፡ ሞራላዊ፡ መንፈሳዊ ወዘት የጠቓልል። ካብ ኣፍ ዝወጽእ ቃል ብትሕዝቶኡን ብላዛኡን ዘኽብርን ንብዙሓት ዝሃንጽን ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ብኣንጻሩ ከኣ ብሕሱር ትሕዝቶኡ ሚዛንካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ዘፍኩስን ዘንዕቕን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣገልጋሊ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ካብ ኣፉ ብዝወጽእ ዘበለ ኩሉ ቃል ከይንዓቕ ዘጠንቀቖ።

ካብ ኣፍ ሰብ ዝተፈላለየ ዓይነት ዘረባታት ይወጽእ እዩ። ገለ ዘረባ ዕሽነት፡ ጸርፊ፡ ዋዛ፡ ኣሽካዕላል፡ ዘይጠቅም፡ ዋጋ ዘይብሉ፡ ብሓፈሻ ሓጢኣት ዝመልኦ ዘበለ ክኸውን ከሎ ገሊኡ ድማ ክቡር ሓሳብ ዘለዎ ዘረባ ጽድቂ ኣሎ። እዞም ካብ ኣፍ ሰብ ዝወጹ ቃላት ገሊኦም ንመንነት እቲ ተዛራባይ ዝገልጹ ክኾኑ ከለዉ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ እዚኒ ሰማዒኡ ምስ በጽሐ ኣብ ልቢ  ክሳብ ዝተርፍ ጉድኣት ወይ ረብሓ የስዕቡ። ስለዚ ኣብ ኩሉ ኣዘራርባና ክንጥንቀቕ ብፍላይ ድማ ዋጋ ዘይብሉ ዘረባ ከነርሕቕ ይግብኣና። ሎሚ እዚ ዘይጠቅም ዘበለን ስምብራት ዝገድፍን ዘረባ ካብ ዓለም ሓሊፉ ኣብቶም ንኣምላኽ እንፈርህ ዘበልናውን ከይተረፈ እናተለምደን እናበዝሐን ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ገለ እዋን ካብቲ ካልእ ኩሉ ዘረባ ዝሓለፈ ብፍላይ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ቃል ኣብ ዝስበኸሉን ዝዝረበሉን እዋን ንሚዛን መንፍሳዊ ሓቅታት ዘፍኩስ ኣገላልጻን ዘረባ ደቂ ሹቕን (ዘይግዙር ዘረባን ኣዘራርባን) ብምዝውታር መልእኽታት ክሓልፍ ከሎ ዘገርም ጥራይ ዘይኰነስ ንኽትሰምዖ ዘሕንኽ ውን እዩ።

ካብ ኣፍ ዝወጽእ ቃል ብትሕዝቶኡን ብላዛኡን ዘኽብርን ንብዙሓት ዝሃንጽን ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ብንጻሩ ከኣ ብሕሱር ትሕዝቶኡ ሚዛንካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ዘፍኩስን ዘንዕቕን ክኸውን ይኽእል እዩ።

 

እግዚኣብሄር ኩሉ ብሉጽ ዝብህግ፡ ጎደሎ ዘይብሉ መስዋእቲ ከነቕርብ ዝደሊ ኣምላኽ እዩ። መስዋእትና ካብ ኣዘራርባና ጀሚሩ ኩሉ እንገብሮ ዘበለ ንጥፈታት ህይወትና ክኸውን ኣለዎ። ኣሽንኳይ ፈኵስን ዘይጠቅምን ዘረባ ምጥቃም ምሩጻት ቃላትናውን እንተኾነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ይውሕዶ እምበር ኣይበቕዖን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኩሉ ብሉጽነት ዝብህግ ካብ ኮነ፡ ኩሉ ቃላትና ዘበለ ክንጥንቀቐሉ ይግባኣና እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ቈሎ 4:6 ከምዚ ይብል፡

“ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።”

እዞም ካብ ኣፍ ሰብ ዝወጹ ቃላት ገሊኦም ንመንነት እቲ ተዛራባይ ዝገልጹ ክኾኑ ከለዉ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ እዚኒ ሰማዒኡ ምስ በጽሐ ኣብ ልቢ ክሳብ ዝተርፍ ጉድኣት ወይ ረብሓ የስዕቡ።

ጨው ሓደ ካብቲ ጥቕሙ መቐረት ምሃብ እዩ። ጐይታ ኣብ ማቴ 5፡13፡“. . . ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፡ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን” ኢሉና። ብርግጽ  እቲ እንዛረቦ ዘበለ ኩሉ ቃል ንሰማዕቱ ንበረኸት እንተዘይኮይኑ ዋጋን ጥቕምን ዘይብሉ ወይ ውን ጎዳኢ እዩ ዝኸውን።

ኣብ ኤፌ 4:29“እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ” ይብለና። ኣሕዋት ሎሚ ካብ ኣፍና ዝጠቅም ዘረባ ክወጽእ እዩ ጐይታ ዝምዕደና ዘሎ። ንብዙሓት ጸጋ ብዝመልኦ ኣዘራርባና ምስጋና ኣምላኽ ንምብዛሕ ምኽንያት ካብ ምዃን ሓሊፍና ንምድሓኖም ምኽንያት ክንከውን ከም እንኸእል ፈሊጥና ንኹሉን ኣብ ኩሉን ክንጠቅም ምእንቲ እንዛረቦ ዘበለ ክንጥንቀቐሉ ይግብኣና እዩ። ልሳንና ፍልጠት ከንጠብጥብ፡ ንብዙሓት ንበረኸት ክንከውን፡ በዘራርባና ከም ኦም ህይወት ኴይንና ንብዙሓት ክንጠቅም ይግባእ (ምሳ15:4, ምሳ15:2, ኤፌ 4:29)።

እስከ እዘን ቀጺለን ዘለዋ ጥቕስታት ነስተንትነን

  1. ኢዮ 27፡4

“ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ።”

  1. መዝ 12፡3-4

“እግዚኣብሄር ንዂላተን መቃባጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፡ ነቶም፡ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣሎና፡ ከናፍርና ናትና እየን፡ መን እዩኸ ጐይታና፧ ዚብሉን ኪምንቊሶም እዩ።”

  1. መዝ 15፡1-4

“ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፡ ብልሳኑ ዘይሐሚ፡ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፡ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረኣዮ፡ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፡ ዚጐድኦ እኳ እንተዀነ፡ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፡”

  1. ያእ 3፡5-8

ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ። ልሳን ውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ ኣላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነም ውን ዝነደደት እያ። ኲሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን ኣሎ። ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ።”

 ኣሽንኳይ ፈኵስን ዘይጠቅምን ዘረባ ምጥቃም ምሩጻት ቃላትናውን እንተኾነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ይውሕዶ እምበር ኣይበቕዖን እዩ።

  1. 1ጴጥ 3፡10

“ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑ ውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዓባ ውን።”

  1. መዝ 34፡13

“መልሓስካ ኻብ እከይ፡ ከናፍርካ ውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፡”


ብመንእሰያት መካነ ህይወት