“መን እሞ እዩ ናባይ ኪቐርብ ኢሉስ ንልቡ ትሕጃ ዝህብ” ይብል እግዚኣብሄር። ኤር 30፥24
ልብኻ ናበይ ገጹ ይስሕበካ?
- ናብ ኣምላኽ ዝድርኽ ልቢ ዶ?
- ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።
- ቃሉ ዝዓቖረ ልቢ ዶ?
- ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።
- ናብ ስስዔ ገንዘብ ዘይዘበለ ልቢ ዶ?
- ንልበይ ናብ ምስክራትካ እምበር፣ ናብ ስስዔ ገንዘብ ኣይተዝብሎ።
- ቃል ኣምላኽ ርስቱ ዝኾነ ልቢ ዶ?
- ምስክራትካ ሓጐስ ልበይ እዩ እሞ፣ ንዘለአለም ርስተይ ገበርክዎ።
- ንቃሉ ክእዘዝ ዝደነነ ልቢ ዶ?
- ስርዓታትካ ንሓዋሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኽገብር፣ ልበይ ኣድነንኩ።
- ዘይዕበ ልቢ ዶ?
- ዎ እግዚኣብሄር፣ ልበይ ኣይተዐበየን፣ ኣዒንተይ ከኣ ልዕል ኣይበላን፣ ኣብ ዓብይን ዘየስተውዕሎን ነገር ኣይመላለስን።
- ኣምላክ ዝምርምሮን ዝፍትኖን ልቢ ዶ?
- ዎ ኣምላኽ፣ መርምረኒ፣ ልበይ ከኣ ፍለጥ፣ ፈትነኒ፣ ሓሳበይውን ፍለጥ።
- ብእግዚኣብሄር ጥራይ ዝሕጎስ ልቢ ዶ?
- ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ።
- ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ዝውከል ልቢ ዶ?
- ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል ኣሎኹ፣ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ ኣሎ።
- ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ ዝውከል ልቢ ዶ?
- እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ ኣሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ።
- ቃል ኣምላኽ ኣብ ውሽጡ ዝኾነ ልቢ ዶ?
- ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ ኣሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ።
- ጽድቂ ኣምላኽ ዘይሓብእ ልቢ ዶ?
- ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሐባእክዎን፣ እሙን ምዃንካን ምድሓንካን ነገርኩ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ነታ ዓባይ ማሕበር ኣይሓባእኩን።
- ካብ ውሽጡ ንኣምላኽ ጽቡቅ ዝግንፍል ልቢ ዶ
- ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፣ ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ፣ እብል፣ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ።
- ክዝምርን ከመስግንን ዘንቀደ ልቢ ዶ?
- ልበይ ኣንቂዱ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ልበይ ኣንቂዱ፣ ክዝምርን ከመስግንን፣ እየ።
- ኣብ ኣምላኽ ዘዕቑብ ልቢ ዶ?
- ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።
- እኩይ ዘይህቅን ልቢ ዶ?
- ኣብ ልበይ እኩይ ሀቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ።
- ንኣምላኽ ዝፈርሕ ልቢ ዶ?
- ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ስምካ ኽፈርህሲ፣ ልበይ ኣዳልዎ።
- ምጽንናዕ ኣምላኽ ዝዝክር ልቢ ዶ?
- ጓሂ ልበይ አብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፣ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።
- ብፍጽምና ዝመላለስ ልቢ ዶ?
- አብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ ኣሎኹ።
ናተይ ጸሎት እዚ እዩ። ናትካ/ናትኪ ‘ኸ?
ብሓውና ሳሙኤል ኣብርሃ