ጽልዋ ማለት ንሓደ ካልእ ኣካል ብሓደ ባህሪ፡ ኣካይዳ፡ ኣረኣእያ ወዘተ ብኣዝዩ ርኡይ ዓቀንን ደረጃን ክትልውጦ ናይ ምኽኣል ብቕዓት እዩ። ሰብ ብሰብ ይጽሎ፡ ታሪኽ ዓለም ከኣ ብሰብ ይፍጸምን ይጽሎን። ኣብ ታሪኽ ዓለም ከምእነንብቦ ንዓለም ብኣዎንታ ወይ ብኣሉታ ዝጸለዉ ብዙሓት እዮም። ገሊኦም ንሰናይ ግብሪ ብሰናይ ሕልና ብምብጋሶም ንብዙሓት ሰናይ ነገር ገይሮም ጥራይ ዘይኰነስ ብዙሓት ጽቡቕ ንኽገብሩ ደሪኾም ወይ ጸልዮም እዮም። ገሊኦም ከኣ ብኽፍኣቶምን ጭካኒኦምን ንብዙሓት ጎዲኦም ጥራይ ዘይኰነስ ክፉእ’ውን ምሂሮም እዮም።

ኣብ 1809 ተወሊዱ ኣብ 1965 ዝሞተ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዝነበረ ኣብርሃም ሊንከን፡ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝመርሕ ዝነበረ ሰብ እዩ። ብዘይካ ነታ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ተኸፋፊላ ዝነበረት ሃገር ምሕባር፡ ጊልያነት ኣብ ምውጋድውን ዝዓበየ ስራሕ ሰሪሑ፡ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ቅዋም ከኣ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ። “ብዙሓት መስገደላት ዝሰገረ እቲ ኣዝዩ ጸላዊ ፕረዚደንት ናይ ኣሜሪካ” ከኣ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብታ ኣብ መላእ ዓለም ብወራርን ግዝኣታ ብምስፍሕፋሕን እትፍለጥ ዝነበረትን ጊላነት ግኑን ዝኰነላ ዝነበረን ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወልደ ዊልያም ዊልበርፎርስ፡ ኣብቲ ጊልያነት ከም መሰረታዊ ባእታ ናይ ቁጠባ ዝውሰደሉ ዝነበረ እዋን ከይተሓለለ ብምዕያይ ጊልያነት ብሕጊ እታ ሃገር ከም ዝኽልከል ኣብ ምግባር ንፓርላም ናይታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ጌሩ እዩ።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ከምኡውን ማህተማ ጋንዲ ብዘይጎነጽ መሰል ሰባት ንምኽባር ዝተቓለሱን፡ በዚ ስነ-ሓሳብ ከኣ ንዓለም ዝጸለዉን ብዙሕ ዘፍረዩን እዮም። ነልሰን ማንዴላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፓርታይድ ክውገድ ምእንቲ ን20 ዓመት ህይወቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈ እዩ። ጽልዋኡ ግን ምውጋድ ኣፓርታይድ ፈርዩ ጥራይ ዘይኰነስ ነዚ ኣተሓሳስባ ንምእላይ ዝቃለሱ ሰዓብቲ እውን ኣፍርዩ እዩ።

ሄለን ከለር ኣብ መበል ዓመትን 7 ወርሕን ዕድሚኣ ብዝሓደራ ሕማም ናይ ምርኣይን ምስማዕን ክእለታ ዝሰኣነት ሰብ እያ። ይኹን እምበር ዝደሓረ ህይወታ ኣብነት ተስፋ ንኸምኣ ዝኣመሰለ ጸገም ዘለዎም ኰይና እያ። ብስንክልንኣ ንኣተሓሳስባ ብዙሓት ምስ ምሉእ ኣካላቶምን ጥዕናኦምን ዘለዉ እውን ጸልያ እያ። ብዙሕ ክፋል ናይዚ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘሎ ንጽሙማንን ንዓይነ-ስዉራንን ዝጣበቕ ትካላት ብጽልውኣ ዝተመስረት እዩ። ማዘር ተሬዛ ናይ ካልኦት ኵነታት ህይወትን ናብራን ክትጥዕሞን ከተመሓይሽን ናይ ድኽነት ህይወት ዝነበረት ሰብ እያ። ንድኻታት ብዝነበራ ፍቕርን ሰናይ ግብርን እትፍለጥ ሶራ ኰይና ዝነበራ ፍቕርን ተወፋይነትን ምስኣ ቅርበት ንዝነበሮም ኩሎም ኣዝያ ጸልያቶም እያ። ከምዚ ትብል ነበረት፡

“ክንደይ ሰሪሕና ዘይኰነስ፡ ክሳብ ክንደይ ብፍቕሪ ሰሪሕና እዩ እቲ ዘገድስ፡

ክንደይ ሂብና ዝይኰነስ፡ ክሳብ ክንደይ ብፍቕሪ ሂብና እዩ እቲ ዘገድስ”

ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብዘበርከትዎ ኣበርክቶ ኣብ ምዕባለ ዓለምን ምምሕያሽ መነባብሮ ሰብን ዓቢ ጽልዋ ዝገበሩውን ብዙሓት እዮም። ኣልበርት ኣንስታይን፡ ጋሊልዮ፡ ኒውተን፡ ወዘተ። እዚኦም ብዓለም ደረጃ ብዙሕ ጊዜ ስለዝጥቀሱ ኣምጺእናዮም እምበር ኣብ ከባቢኦም ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮም ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ብሰንኪ ቋንቋኦም ጽልዋኦም ዝተደረተ እውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ኣብ ሃገርናውን ኣብ መንፈሳውን ፖለቲካውን ዓለም ኣወንታዊ ጽልዋ ዝነበሮም ሰባት ንዝክር ኢና።

በንጻር እዚ ኣብ ዓለም ብጭካኒኦም ንዓለም ዘሰክሑ ከኣ ውሑዳት ኣይኰኑን። ከም በዓል ኣዶልፍ ሂትለር ናይ ጀርመንን ኢዲኣሚን ናይ ዩጋንዳን፡ ወዘተ ብህልቂት ደቂ ሰብ ዝፍለጡ ናይ 20 ክፍለ ዘመን መራሕቲ እዮም። በብከባቢኡ ነፍሲወከፍ ህዝቢ እንተ ዝሕተት ብኸምዚ ጭካነ ኣብ ታሪኹ ዝፈልጦም፡ ክዝክሮም እንከሎ ዘስካሕክሕን መራሕቲ ብዙሓት ምህላዎም ግሁድ ሓቂ እዩ። ሕጂውን ኣብ ዓለምና ብኸምዚ ዝፍለጡ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ክብሉና ባህሪያዊ እዩ።

ንታሪኽ ዓለምን ህይወት ስባትን ብኣወንታ ብዝለዓለ ደረጃ ዝጸለወን ዝለወጠን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ጐይታ ንዓለም ንምልዋጥ ዝተጠቕመሉ ኣገባብን ሓይሊ ጽልዋኡን ኣዝዩ ፍሉይ እዩ ነይሩ። ኣመጻጽኣኡ ከም ኩሉ ተራ ሰብ (እኳ ደኣ ትሕቲ ሰብ ኣብ መብልዕ ማል ብምውላድ)፡ ኣተዓባብያኡ ከም ኩሎም ናይ ኣምላኽ ሰባት፡ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ሓይሊ ገንዘብ ወይ ኣጽዋር ዘይኰነስ ንሓጥኣን ዝነበሮ ፍቕርን መስዋእትነትን እዩ። ኣብ ዘመን ኣገልግሎቱ ሃብታም ኣይነበረን ንብዙሓት ግና መጊቡ እዩ፡ ርእሱ ዘጸግዓላ ቤት ኣይነበሮን ብዙሓት ግን ይስዕብዎ ነበሩ፡ ዘብህግ ትርኢት ኣይነበሮን ኣሽዓት ግና ክርእይዎ ይዳፍኡ ነበሩ።

ጐይታ ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝነበረለን ሒደት ናይ ኣገልግሎት ዓመታት ብህይወቱ፡ ብትምህርቱን ተኣምራታዊ ስርሑን ንብዙሓት ሰባት ለዊጡን ንለውጢ ምኽንያት ዝዀኑ ደቂ መዛሙርቲ ኣፍርዩን እዩ። ብዝነበሮ ሓያል ጽልዋ ዝሰግኡ ፈሪሳውያን፡ ጸሓፍትን ነገስታትን ጽልዋኡ ንምቑጻይ ከሲሶም ኣብ ፍርዲ ኣቕረብዎ። እቲ ሰብ ገጹ ርእዩ ብህይወት ዘይነብር ጐይታ ብሰብ ኣብ ገጹ ጡፍ ተባህለሉ። እቲ ምድርን ምልኣታን ኣብ ኢዱ ዝሓዘን ኩሉ ዝኽእልን ጐይታ ብፍጡራቱ ተመልከ። እቲ ፈራዲ ኩሉ ኣብ ቅድሚ መንበሪ ፍርዲ ሰብ ቆመ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ጻድቕ ክንሱ ንገበነኛታት ኣብ ዝግባእ ዕንጸይቲ ተሰቕለ፡ ራእሲ ህይወት ክንሱ ሞተ። እዚ ከኣ ንምጅማር ሓድሽ እምነት ተስፋ ዘቑርጽ መሰለ። እንተዀነ ግን ድሕሪ ስለስተ መዓልቲ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዜና ክዝርጋሕ ጀመረ። ደቀ መዛሙርቲ ዝተንስአ ኣካሉ ብዓይኖም ርኣዩ፡ በእዳዎምውን ዳህሰሱ። ድሕሪ 40 መዓልቲ ከኣ ኩሎም ደቀ መዛሙርቱ እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓረገ። እቶም ጽልዋኡ ዘስግኦም ተጻረርቱ ነቶም ሓይሊ ትንሳኤኡ ብዓይኖም ዝረኣዩ ሓለዉቲ ብገንዘብ ብምትላል፡ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ ደቂስና ከሎና ሰሪቖሞ ኢልኩም ኣውርዩ በልዎም። እንተዀነ ግን እቲ ዝተማህዘ ሓሶት ነቲ ሓቀኛ ፍጻሜ ትንሳኤ ክዓብጦ ኣይከኣለን።

እቶም ትንሳኤኡ ዝረኣዩ ደቀመዛሙርቲ፡ ድሕሪ ዕርገቱ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ኣብ ህይወቶም ዓቢይ ለውጢ ኰነ። ፈርሃት ብትብዓት መልኡ፡ ስልጣን ዝብህጉ ዝነበሩ ምእንቲ ስም ጐይታ እናመስከሩ መስዋእቲ ንምቕባል ርእሶም ቀበጹ። እቲ ኣብ ጐይታ ዝነበረ ትብዓትን ፍልጠትን ኣባታቶም ከም ዝተጋህደ ሰባት ከምዚ እናበሉ መስከሩ፡ “ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም፡ ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ አለለይዎም” (ግብ 4፡13)። ሃብታማት ትሕዝቱኦም ንዕዮ ጐይታን ንድኻታትን ወፈዩ። እቲ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም እየ ዝበሎም ጐይታ ምሳታቶም ስለ ዝነበረ ሓይልታት ጸልማት እናሰዓሩ፡ ኣብ ጸልማት ብርሃን ኰኑ፡ እሱራት ፈትሑ፡ ወንጌል ኣብ ኩሉ ቦታ ኣበሰሩ። ንምፍርራሆም ተባሂሉ ዝተገርፍዎ መግረፍቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ክዛረቡ ክሓድጉ ከምዘይኰነሎም ብዝበለጸ ንዓለም ኣግሃዱ። መግረፍቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝበቕዑ ምዃኖም ምስክር ምዃኑ ይርኣዮም ስለዝነበረ ምኽንያት ሓጐሶም ኰነ። ንምስካሖም ተባሂሉ ዝተስየፈ ያእቆብን፡ ብዳርባ እምኒ ዝተጨፍጨፈ እስቲፋኖስን ናብ ኩሉ ቦታ ፋሕ ኢሎም ብዝያዳ ቃል ወንጌል ክነግሩ ደረኾም። ሃዋርያትን ተሓጋገዝቶምን ናብ ኣውሮጳ፡ ኤስያ፡ ምድሪ ዓረብን ሰሜን ኣፍሪቃን ወንጌል ንምስባኽ ካብ ትውልዲ ዓዶም ወጹ፡ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያን ተኸሉ። ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝነግረና ብዘይካ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ገሊኦም ተሰይፎም፡ ገሊኦም ቁልቁል ኣፎም ተሰቒሎም፡ ገሊኦም ብዅናት ተወጊኦም፡ ገሊኦም ኣብ ውዑይ ዘይቲ ተጠጢቖም፡ ገሊኦም ብሓዊ ወዘተ ከምዝሞቱ ይነግረና። ብመስዋእትነት ይሓልፉ ጽልዋኦም ግን ብሓይሊ ይቕጽል ነበረ። ነዚ ኹሉ ዝደረኸ ፍቕሪ ናይቲ ዝለኣኾም ጐይታ ኢየሱስ ነበረ።

እቶም ምእንቲ ስም ጐይታ ካብ ዓድታቶም ፋሕ ዝበሉ ኣመንቲ ኣብ ዝሰፈርሉ ቦታ ንኸባቢኦም ብኽልተ መገዲ ይጸልዉ ኔሮም። ወንጌል ብምስባኽን ብህይወቶም ዘርእይዎ ዝነበሩ ፍሉይ መንፈሳውነትን ፍቕርን። ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ሓደ ስሙ ዘይተፈልጠ ሰብ፡ ብዛዕባ እዞም ኣመንቲ፡ ናብ ድዮግነትዮስ (Diognetus) ዝጸሓፎ ደብዳቤ ከምዚ ይብል፡

እቶም ክርስቲያን

እቶም ክርስቲያን ካብ ካልእ ህዝቢ ብሃገር፡ ብቛንቋ ወይ ብባህሊ ኣይኰኑን ዝፍለዩ። ኣብ ናይ በይኖም ከተማታት ብምቕማጦም፡ ፍሉይ ዓይነት ላህጃ ዘለዎ ቋንቋ ብምዝራቦም ወይ ከኣ ፍሉይ ቅዲ ህይወት ብምንባሮም ኣይኰኑን ካብቲ ካልእ ህዝቢ ዝፍለዩ።

ትምህርቶም ብግምታት ናይ በላሕቲ ሰባት ዝተማህዘ ኣይኰነን። ከምቲ ገሊኣቶም ዝገብርዎውን ተራ ምህሮ ሰባት ኣይኰኑን ዝዝርግሑ። ዕድል ኣብ ዘቐመጦም ኣብ ጽርእን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ይቕመጡ። ኣከዳድናኦም፡ መግቦምን ካልእ ሸነኻት ህይወትን ከምቲ ናይቲ ዝነብሩሉ ከባቢ እዮም ዝኽተሉ። ግን ከኣ፡ ዘገርምን ብርግጽ ዘይልሙድ ዝዀነን ናይ ገዛእ ርእሶም ዜግነት ከኣ የርእዩና። ኣብ ዓድታቶም እዮም ዝቕመጡ፡ ግን ከኣ ከም ኣጋይሽ። ከም ዜጋታት ኩሉ ነገር ምስ ካልኦት ይማቐሉ፡ ግን ከኣ ከም ኣጋይሽ ብኹሉ ነገር ይሳቐዩ።

ከም ኩሉ ካልእ ሰብ ይምርዓዉን ቆልዑ ይወልዱን፡ ዘይተደለዩ ቆልዑ ግና ኣይቀትሉን እዮም። ናይ ሓባር መኣዲ ይቕረቡ ናይ ሓባር መደቀሲ ግን የብሎምን (መደቀሲኦም ግን ቅዱስ እዩ)። ሕጂ “ኣብ ስጋ” እዮም ዘለዉ “ከም ፍቓድ ስጋ” ግን ኣይነብሩን እዮም። መዓልትታቶም ኣብ ምድሪ እዮም ዘሕልፍወን ግን ከኣ ናይ ሰማይ ዜጋታት እዮም። ንዝወጸ ሕጊ ይእዘዙ እዮም፡ ኣብ ናብርኦም ከኣ ካብቲ ሕጊ ዝእዝዞ ንላዕሊ ይገብሩ።

ንኹሉ ሰብ እዮም ዘፍቅሩ ግን ከኣ ብኹሉ ሰብ ይግፍዑን ይስደዱን። ዘይፍሉጣትን ኩኑናትን እዮም፡ ንሞት ይወሃቡ ግን ከኣ ህያዋን ይኾኑ። ድኻታት እዮም ግን ከኣ ንብዙሓት ሃብታማት ይገብሩ። ኩሉ ነገር እዩ ዝውሕዶም ግን ከኣ ኩሉ ነገር ኣለዎም። ዝተናዕቁ እዮም ግን ከኣ ብንዕቀትን ውርደትን ክብሪ ዝረኽቡ እዮም።

ስሞም ይጽልም እዩ ግን ከኣ ንጹሃት እዮም። ይጽረፉን ላግጺ ይወርዶምን እዩ ግን ከኣ ንኻልኦት ብኣኽብሮት እዮም ዝቐርቡ። ሰናይ ክገብሩ ከለዉ ከም ገበርቲ ዓመጻ እዮም ዝቕጽዑ። ክቕጽዑ ከለዉ ሓድሽ ህይወት ከም ዝተዋህቡ ኮይኖም እዮም ዝሕጐሱ። ከም ኣጋይሽ ብኣይሁድ ይጥቅዑ ብጽርኣውያን ከኣ ይስደዱ። ይኹን እምበር እቶም ዝጸልእዎም ንጽልኣቶም ዝዀነ ምኽንያት ክህቡ ኣይክእሉን እዮም።

ብዝቐለለ ንምግላጽ፡ ከምቲ ነፍሲ ንስጋ ክርስቲያናት ከኣ ንዓለም ከምኡ እዮም። ነፍሲ ኣብ ኩሉ ክፋል ኣካላትና ዝተዘርግሐት እያ፡ ክርስቲያናት ከኣ ኣብ ኩለን ከተማታት ዓለም ዝተዘርግሑ እዮም። ነፍሲ ኣብ ስጋ (ኣካል) እያ ዘላ ካብ ስጋ ግን ኣይኰነትን። ክርስቲያናት ከኣ ኣብ ዓለም እዮም ዘለዉ ካብ ዓለም ግን ኣይኰኑን። (The History of Christianity)

እዞም ቀዳሞት ክርስቲያንን ኣብ ዝሰዓበ ዘመናት ዝነበሩ ኣመንትን ኣብ ዓለም ዝነበሮም ጽልዋ ዓቢ ዝዀነሉ ምኽንያት ብዙሕ ገንዘብ፡ ሃብቲ፡ ትምህርቲ፡ ፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወዘተ ስለዝነበሮም ኣይኰነን። ከምቲ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ራእ 12፡11፡ “ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዓርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን” ዝበሎ፡ ብደም እቲ ገንሸል ዝጸረየን ዝተለወጠን ህይወትን ብማንም ዘይርታዕ ቃል ምስክር ጐይታን ስለዝሓዙ እዩ። ብሓጺሩ ክርስቲያናት ንዓለም ዝስዕርዋን ዝጸልውዋን ብመንነቶምን ብዝተዋህቦም ሰማያዊ ተልእዀን እዩ። ጐይታ፡ “ብርሃን ዓለም ኢኹም፡ ጨው ምድሪ ኢኩም” ስለዝበሎም ከምኡ ኰይኖም ከኣ ንጸልማት ዓለም የብርሁ፡ ንዘይጥዑም ዓለም የመቅሩ፡ ንጽልኢ ብፍቕሪ ይስዕሩ፡ ንመርገምን ጸርፍን ብምርቓ ይመልሱ፡ ንባእስን ዕግርግርን ብሰላም ይቕይሩ። ንስስዔ ኣርኣያ ብምዃን መስዋእትነት ከፊሎም ይስዕሩ።

ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም፡ ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዂሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” (ማቴ 5፡13-16)

ሎሚ ዓለም ብትሕዝቶኣ ትጸልወናዶ ይበዝሕ ንሕና ንዓለም ብክርስቲያናዊ መንነትና ንጸልዋ፧ ርእስና ክንምርምር ይግባእ። ብፍላይ ኣብዚ ናይ ሓብሬታ ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ማዕቢልሉ ዘሎ እዋን፡ ክርስቲያናዊ ጽልዋ ብፍላይ ብናብራ ዝግለጽ ኣዝዩ እናሃሰሰን ክርስትና ብሪሞት ዝንበር ዝመስለሉ እዋን እዩ። ቀዳሞት ክርስቲያን ኣገልገልቲ ኣብ ርሑቕ ቦታ ንዝነበሩ ኣሕዋቶም ከጸናንዑ ምእንቲ ኣማኢት ኪሎሜተራት ብእግሪ፡ ብፈረስ፡ ብመርከብ (ምስ ኩሉ ሓደጋታቱ) ይጉዓዙ ኔሮም። ሎሚ ኣብ ሓደ ከተማ እናነበርካ ደሃይ ሓውኻ ንምፍላጥ ብስሉጥ መጉዓዝያ ናይ 2 ሰዓት ጉዕዞ ምኻድ ከቢድ መስዋእቲ ይቑጸር ኣሎ። እዚውን እንተ ተጌሩ እዩ። ብመገዲ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ቃል እግዚኣብሄር ምክፋልን ምጽላይን ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ሰናይ እዩ፡ ነቲ ብኣካል ተራኺብካ ክትካፈሎ ዘሎካ ጸጋን ፍቕርን ግን ፈጺሙ ኣይትክኦን እዩ። ብሰንኪ ብኣካል ዘይምርኻብ ኣብ ናይ ህይወት ባህርያት ዝፍጠር ፍልልይ ኣብ ሕብረትን ካልእ ናብራን ዘምጽኦ ጸገም ርኡይ እዩ። ገጽ ሓውካን ሓፍትኻን ብምርኣይ ዝርከብ ምጽንናዕ ካበይ ክርከብ እዩ፧

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና መስትያትን ደገፍን ክዀኑና ዝኽእሉ ኣሕዋት ኣብ ዙርያና ብዘይምህላዎም ጽልዋና ኣብ ከባቢና ኣዝዩ ይዳኸም ጥራይ ዘይኰነስ በንጻሩ ብከባቢና ተጸሊና ንወሓጥ ዘሎና ሰባት ውሑዳት ኣይኰንና። ኣሕዋት እስኪ ኣዒንትና ንኽፈት፡ ሕጂ ንንበልዖን ንነብሮን ጥራይ እናረኣና፡ ብእምነት ጀሚርና ብዘይእምነት ከይንውድእ፡ ብፍቕሪ ጀሚርና ብዓመጻ ከይንውድእ፡ ብብርሃን ጀሚርና ምስ ጸልማት ሓቢርና ከይንርከብ፡ ጨው ክንከውን ዝተጸዋዕና መቐረት ዘይብሉ እምኒ ኰይና ከይንርከብ ብትብዓት ንርእስና ንሕተታ። እቲ ደሙ ኣፍሲሱ ዝዓደገና ጐይታ ክዳውንትና ኣጻዕዲና፡ ዝተዋህበና ኣኽሊል ኣጽኒዕና ሒዝና፡ ዝተዋህበና መኽሊት እናሽረፍና ክንጸንሖ እምበር፡ ንኸባቢና መሲልና መኽሊትና ቀቢርና ክንጸንሖ ኣይጽበየናን እዩ። እቲ ምእንታና በጃ ዝዀነ ጐይታ ብፍሬና ክሕጐስን ቤቱ ብፍረ ጽድቅን ሰላምን ክመልእ ብርሃንና ይብራህ፡ ሽታና ይሸትት፡ ጣዕምና የመቅር፡ ፍቕርና ብመስዋእትነት ይገለጽ፡ ተስፋና ብትዕግስቲ ይገለጽ፡ ትሕትናና ብለውሃት ይገለጽ፡ እምነትና ብግብሪ ይገለጽ፡ ዓለም ከኣ ደቂ መዛሙርቲ ጐይታ ምዃንና ብፍቕርና ትፍለጠና። ጽልዋና ብጐይታ ብዝዀነ መንነትናን ብፍቕሩን እምበር ብትሕዝቶና ኣይኹን። ኣሜን!!

ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧ (ሮሜ 10፡15)