ርስቶም ወደይ፡ ከመይ ኢልካ ቀኒኻ፧ ስልኪ ኻብ እትድውል ንደሓር፡ ንሓያሎ እዋን እምበር ጠፊእካኒ ኣሎኻ። ”ደብዳቤ እንተሰደደለይ’ዶ ይሕሸኒ ስልኪ እንተደወለለይ፧” ኢለ ኣብ መንጎ ኽልተ ምርጫ ተቐርቂረልካ’የ ቐንየ። እቲ ድምጽኻ ምስማዕ ባህ እዩ ዝብለኒ። ግን ከኣ ደጊምካ ኽትሰምዖ ስለዘይከኣል ሓድጊ ወይ ኣሰር የብሉን። መዓልቲ እናነውሐ ብዝኸደ መጠን ካብ ልብኻ እናሃሰሰ እዩ ዚኸይድ። ደብዳቤ ግን ዕምሩ ነዊሕ፡ ኣሰሩ ኸኣ ዘይሃስስ እዩ። ኣብ ዝደለኻዮ እዋን፡ ሓንቲ ኸየጉደለ ኸምታ ዘለዋ እዩ ዚጸንሓካ። እንተ ደለኻ ቐትሪ ’ተደለኻ ለይቲ ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ደጋጊምካ ኽትነብቦ ትኽእል ኢኻ። ምስሊ ገጽ ዘይኮነ ምስሊ ልቢ እዩ ዜርእየካ። ዝገበርኩም ጌርኩም ድምጺ ኸም ዚህልዎ እንተ ትገብሩ፡ ዓብዪ ምህዞ ምኾነልኩም ነይሩ። በል ሃየ’ዚ ወደይ ክልቲኡ ኣይትኽልኣኒ።

ሎምቅነ ብዛዕባ ፍሉይ ዓይነት ገበን እየ ኽመሃር ቀንየ። ብዛዕባ እዚ ገበን እዚ ዕድመይ ምሉእ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። ከምቲ ኣመለይ፡ ”ጎይታየ፡ ንነፍሰይ ዚኸውን ምግቢ ዕለት ሃበኒ” ኢለ ጸልየ፡ ነታ ብምንባብ ዝኣረገት መጽሓፍ ቅዱሰይ እግንጽለልካ። ብዛዕባ እቶም ጽቡቕ ኣርኣያ ዝሓደጉን ሕማቕ ኣርኣያ ዝሓድጎምን ሰባት ሃሰስ እናበልኩ ክርእይ ምስ ጀመርኩ፡ ኣብ ኣእምሮይ ሓደ ድምጺ ክመላለሰኒ ጀመረ። ብዛዕባ እቶም ሰብ ጽቡቕ ኣሰር፡ ”እዚ ንኣሰረይ ዝሓደሰ ዕዉት እዩ”፡ ብዛዕባ እቶም ሰብ ክፉእ ኣሰር ድማ፡ ”እዚ ቐታል-ኣሰር እዩ” ዚብል ሓሳብ ነዚ ውሽጠይ ምልእ ኣበሎ። ንባብይ ወዲአ ካብታ ሓሳብ ክወጽእ እንተደለኹ ኣይኮነለይን። ቀስ ብቐስ ድማ፡ ብውሽጠይ ፍርሃት ክስምዓኒ ጀመረ። ሰብ እምበር ኣሰር ኪቕተል ከም ዚኽእል በእምሮይ ሓሊፉ ብኣእዛነይውን ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። ስለዚ ጎስየዮ ሸለል ኢለ ኽሓልፍ እንተደለኹ፡ እቲ

ኪቐንዓካ ነፍስኻውን ብህይወት ክትነብርሲ፡ ኣብዛ ኣነ ዝብለካ ዘለኹ ቃል፡ ንድምጺ እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ።

ዚብል ቃል ኣብ ኣእምሮይ ደዊሉ ዓገተኒ (ኤር 38፡20)። ስለዚ ”ድምጺ እግዚኣብሄር እምበኣር’ዩ” ኢለ ሃዲአ ብጸሎት ኣስተንተንኩ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ግሩም ገይሩ ናብቲ ተሰዊሩኒ ዝነበረ ሓቂ መርሓኒ። ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን።

ርስቶም ወደይ ብሩኽ፡ እቲ ዝተመሃርክዎ ምህሮ-ክርስቶስ ከምዚ ዚስዕብ እዩ። ኩሉ ጊዜ ኣብ ልበይ፡ ሓደ ሕቶ የጨንቐኒ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ”እግዚኣብሄርሲ ንምንታይ እዩ፡ ንሓደ ሰናይ ይኹን እኩይ ግብሪ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ዚህቦ፧” ዚብል፡  እዩ። ፍቁር ወደይ፡ ገለ’ዶ ኸምኡ ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥ፧ ኣብዚ ሓጺርን ሓላፍን ህይወት ኴንካ ንዝፈጸምካዮ ሓላፊ ተግባርሲ ንምንታይ እዩ ዘይሓልፍን ዘለኣለማውን ጻማ ዚወሃቦ፧ እቲ ሕቶ ድማ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። ናይ ጊዜ ምንዋሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክብደት ናይቲ ዚወሃበካ ጻማ ድማ ምስቲ ግብርኻ ፈጺሙ ኺመጣጠን ዘይክእል ኣዝዩ ዓብዪ ምዃኑ’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ከቢድ ሕቶ እዩ ዚፈጥረልካ። ሕሰቦ እሞ፡ ዋላ ዕድመኻ ምሉእ ንሓንቲ ሰዓት እኳ ካብ ዝሙት፡ ካብ ስርቂ ወዘተ ከየዕረፍካ ኣሕሊፍካዮ ንበል። ኣብ ሰብዓ ዓመት ንዝፈጸምካዮ ሓጢኣት፡ ሰብዓ ዓመት ምሉእ ኣብ ገሃነም እንተ ተቐጻዕካሉ ውሒድዎ ድዩ ንዘለኣለም ምሉእ ክሳዕ ክንድዚ ኣኽቢዱ ዚቐጽዓና፧ ኣይጨከነን’ዶ ኣንታ ርስቶመይ፧

ከምኡ ኢልና ኸይንድምድም ድማ፡ ነቲ ዕድሚኡ ምሉእ ዘይኮነ፡ ሰናይ እናገበረ ናይ መወዳእታ ዓመታቱ ንዝፈጸመ ሰብ ድማ፡ ማእለያ ዘይብሉ፡ ብሉጽ፡ ምሉእ፡ ረዚን ናይ ዘለኣለም ክብሪ ኼጎናጽፎ ትርእይ እሞ ትግረም። ”እዚ ለውሃትን ሕያውነትን እዚ ኣይበዝሐንዶ!” ኢልካ ኽሳዕ ትድነቕ’ውን ይገብረካ። ንምንታይ እዩ ኣብቶም በደልቲ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ዝጨከነ፡ ኣብቶም ገበርቲ ሰናይ ድማ ክሳዕ ክንድ’ዚ ዝለውሀ፧ እዚ ሕቶ’ዚ፡ ምሉእ ዕድመይ ዘሸገረኒ እዩ። ነቲ ስልጣኑ ኣይኮንኩን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተኽዎ። ምስጢር ናይቲ ሰማያዊ ፍትሒ ኺርድኣኒ ስለ ዝደለኹ እየ። ካብ ምንታይ ከም ዘምጻእኽዎ ኣይፈልጥን፡ ግን ”ነዛ ምስጢር እዚኣ እንተዝፈልጣ፡ ጽድቂ ዝገብረሉ፡ ንሓጢኣት ዝስዕረሉ ሓይሊ ምረኸብኩ” ዚብል ሓሳብ ኣብቲ ውሽጠይ ይመላለሰንን ይተሃላለኸንን ነበረ። ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ዝበሃግክዎን ዝናፈቕክዎን ምስጢር ዚግለጸሉ መዓልቲ ከም ዝኣኸለ ተረድኣኒ።

መቸም፡ ሰባት ብምዃንና ጥራሕ፡ ኣሰር ስላሴ፡ መልክዕን ምስልን ኣምላኽ ምዃንና ኣይትስሕቶን ኢኻ። ብመሰረቱስ ዘይንስኻ ኢኻ’ኸ  ዝመሃርካኒ። ካብ ንጽድቂ ንሓጢኣት መሪጽካ ነፍሰ-ስጋኻ ከተጋዕዝይ ከሎኻ፡ ነቲ መልክዕን ኣሰርን ናይ ኣምላኽ ካብቲ ህይወትካ ኽትድምስስ ምግዳል ምዃኑ በርሃለይ። ካብ ነቲ ኽቡር ምስሉን ኣሰሩን ንላዕሊ፡ ነቲ ግዕዙይን ሕሱርን ምስሊ ናይ ኣጋንንቲ ምምራጽ ማለት እኮ እዩ። ዘይሰልጠና ኾይኑ እምበር፡ ዚከኣል እንተ ዚኸውን እኮ፡ ይትረፍ ነቲ ኣባና ዘሎ መልክዑን ኣሰሩን፡ ዋላ ንእኡ’ውን ካብ ምጥፋእ ድሕር ኣይምበልናን። ካብ ንጽድቂ ንሓጢኣት ክንመርጽ ከሎና፡ ልክዕ ከም ፈርኦን፡

እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንሓጢኣት ዝሓድግሲ፡ እግዚኣብሄር መን እዩንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ፡ ንሓጢኣት ከኣ ኣይሓድግ”

ንብል ከምዘሎና ኣይርድኣናን እዩ ዘሎ (ዘጸ 5፡2)። ንሓጢኣት ክንመርጾን ደፊርና ኽንገብሮን ዚገብረና ዘሎ: ትርጉም ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ስለዘይተረድኣና እዩ። ነቲ ደጋውን ቅሉዕን መልእኽቱ እምበር ነቲ ውስጠዘኣዊ (ስዉር መልእኽቱ) ነድህበሉ ኣየሎናን። ርስቶም ወደይ፡ ሓጢኣት ማለት ኣብ ልዕሊ መንነት ክርስቶስ ዚፍጸም ግብሪ ዓመጻ እዩነቲ ኣባና ዘንበሮ ምስሉን ኣሰሩን ናይ ምድምሳስ ሰይጣናዊ ተበግሶ እዩነቲ ኣባና ዘንበሮ መንነቱ ናይ ምቕታል እኩይ ፈተነ እዩ። ዚኾነልና እንተ ዚኸውን፡ ሓጢኣትን ጽድቅን እናበለ ዜጨንቐናን ዚፈርደናን ምእንቲ ኸይህልው ብቐንዱ ንእኡ ኽንቀትሎን ከነጥፍኦን ኣይምጸላእናን፡ ኣይምነሓፍናዮን ከኣ። ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ። ሓሳዊ ሰብ ንዘለኣለማዊ ሞት ዚፍረደሉ ምኽንያት ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ምስሊ ሓቀኛ ኣምላኽ ቀቲሉ፡ ንምስሊ ናይቲ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ድያብሎስ ዜንግስ ሰብ ብምዃኑ እዩ። ርስቶም ወደይ፡ እዚ ሓቂ እዚ’ኮ ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን ብግሩም መገዲ ተገሊጹልና ኣሎ።

ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝኾኑ፡ እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ (ናብ ሓጢኣት) እንተወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ፡ ብግህዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝኾኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከኣሎምን እዩ።”  እብ 6:4-6

እምበኣር ንትርጉም ሓጢኣት ካብዚ ኣበሃህላ  እዚ ንላዕሊ ኺገልጾ ዚኽእል ዝኾነ ኻልእ ቃል የልቦን። ኣብ ሓጢኣት ምውዳቕ፡ ሓጢኣት ክትገብር ምምራጽ ማለት ደጊምካ ንክርስቶስ ምስቃልን ምቕታልን መሊስካ ድማ ምስቃልካ ውሒዱስ ኣግሂድካ ድማ ተላግጸሉ ኣሎኻ ማለት እዩ። ርስቶመይ፡ ንሓጢኣት ብኸምዚ ተረዲእካዮ’ዶ ትፈልጥ፧ ንሓደ ሰብ ክትሕስዎ፡ ክትሓምዮ፡ ክትጸርፎ፡ ክትጸልኦ፡ ወዘተ ከሎኻ ንክርስቶስ ሰቒልካ ከም ዘላገጽካሉ ዲኻ ትሓስብ ወይስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዘሎ ድኹምን ድሩትን ሰብ ጥራይ ኢኻ ትርእይ፧ ንክርስቶስ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ዝሓዞን ዘንጠልጠሎን እኮ ሓጢኣተይን ሓጢኣትካን እምበር እቲ ሽንካርን ምስማርን ኣይኮነን። ዋጋ ሓጢኣትና ንምኽፋል ብመሪር ስቓይን ሞትን ድሕሪ ምስዋኡ ንሕና ሓጢኣት ምግባር እንተቐጺልና፡ ከም ብሓድሽ ደጋጊምና ኽንሰቕሎን ክንቀትሎን ከነላግጸሉን ከም ዝወሰንናን ንገብሮ ኸም ዘሎናን ነረጋግጽ ኣሎና ማለት እዩ።

ክርስቶስ ነቲ ለቢስናዮ ዝነበርና ኣረጊት ሰብ ቀንጢጡ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኼልብሰና እዩ እተሰቕለ። ምኽንያቱ እቲ ኣረጊት ሰብ ምስልን ኣሰርን ናይ ሰይጣን ኣዩ። ስለዚ’ዶ ኣይኮነን  ሃዋርያ ጳውሎስ፡

እታ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተምሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ  ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ እቲ  ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።

ብምባል ዝመዓደና፧ (ኤፌ 4:21-24)። እምበኣር እቲ ካባና ኪቕንጠጥ ዚግብኦ እቲ ምስልን ኣሰርን ናይ ድያብሎስ ዝኾነ ኣረጊት ሰብ እምበር እቲ ክርስቶስ ዘልበሰና ሓድሽ ሰብ ኣይኮነን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ነቲ ኣረጊት ሰቦም እዮም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ዚሰቕልዎ እምበር ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኣይሰቕልዎን እዮም (ገላ 5:24)። እምበኣር ርስቶም ወደይ ብሩኽ፡ ንሓጢኣት ዘለኣለማዊ ሞት ዚብየነሉ ምኽንያት፡ ነቲ ”ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም” እተሰምየ ክርስቶስ ዳግማይ ዚሰቅል ብምዃኑ እዩ። ”ነቦ ዘለኣለም” ዝሰቐለ፡ ሞት ዘለኣለም እንተ ተፈርዶ ይውሕዶ እምበር ይበዝሖ’ዶ ትብል፧ ነቲ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ፡ ክርስቶስ ዘልበሰካ ሓድሽ ሰብ ቀንጢጥካ፡ ነቲ ሰይጣን ዜልብሰካ ኣረጊት ሰብ ክትወናዘፎ ትመርጽ እንተ ዄንካ፡ ግብሪ ክርስቶስ ኬፍርስ እተዓጥቀ ዓቀይታይ ናይ ድያብሎስ’ዶ ትኸውን ኣየሎኻን፧ ወዲ ኣምላኽ ብኽብሩ ምስ ተገልጸ፡ ብበትሪ ኣፉ ወቒዑ ብሰይፊ ኸናፍሩ ቖሪጹ ኣብ ክልተ እንተ ጨንድሓካ፡ ጽዋእ ዕድሎትካ ምስ ግቡዛት ገይሩ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት እንተ ደርበየካ፡ ንምሕርቃም ኣስናን ኣሕሊፉ እንተ ሃበካ፡ ኣብቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት ሓዉ ድማ ዘይጠፍእን ዘይዝሕልን ገሃነም እንተ ኣእተወካ ኣብ ምንታይ እዩ ኣበሳኡ፧ ነቲ ኣብ ምድሪ ኸሎኻ ዘልዓልካዮ ዓሻ ምርጫኻ እንድኣሉ ዘኽበረልካ። ንሱ ኹሉ ጊዜ ብጽድቂ ዚዳንይ፡ ብቕንዕና ድማ ዚብይን ፍትሓዊ ዳኛ እኮ እዩ። ነቲ ሓጢኣት ክትመርጾ ከሎኻ፡ ምስናይ ሳዕቤኑን ዓስቡን ኢኻ’ኮ ዝመረጽካዮ። ኣብ ጉዳይ ሓጢኣትን ጽድቅን እኮ፡ ”ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክን” ዚበሃል ነገር የልቦን። ኣብ ምድሪ ዝደለኻዮ ክትመርጽ ነታ ፈትዩ ዝሃበካ ናይ ነጻ ፍቓድ መሰልካ ኣኽቢሩልካ  እዩ። ነታ ገፋሕ መገዲ ናይ ምምራጽ ሳዕቤንን፡ ነታ ጸባብ መገዲ ናይ ምምራጽ ዓስብን ኣግሂዱ ነጊሩካ እዩ። ኣብዛ ሓላፊት  ናይ ኣርብዓን ሓምሳን ሓጻር ዕምሪ ኪገፍሓልካን ከም ድሌትካ ኽትገላበጥን እንተ መረጽካ ኣብቲ ዘለኣለም ግን ኪጸበካ መሪጽካ ኣሎኻ ማለት’ዶ ኣይኮነን፧ ወዲ ኣምላኽ ቃሉ ፈጺሙ ኣይዓጽፍን እዩ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኩልቱን፡ ”እሙንን ሓቀኛን ንጉሰ ነገስትን፡ ጎይታ ጎይቶትን” ዚብል ስም ተጻሒፉ ኸም ዘሎ ኣየንበብካን ዲኻ። እንተ ብልቦና እንተ ብዕሽነት ነቲ ሓንሳእ ብህይወት ከሎኻ ዝመረጽካዮ ምርጫ ንዘለኣለም እዩ ዜኽብረልካ። ንስኻ ዘለኣለማውነትካ ረሲዕካ በዚ ሓጺር ዕምሪ እዚ ጥራይ ክትሓስብ እንተመረጽካ፡ ንሱ ግና ኣቦ ዘለኣለም ምዃኑ ንሓንቲ ንኡስ-ካልኢት (microsecond) እኳ ኣይርስዖን እዩ። ስለዚ ምስቲ ኣቦ ዘለኣለም ኣብ ዜራኽበካ ጉዳያት ክትጥንቀቕ እዩ ዚሕሸካ። ብጉዳይ ህይወት ኣብ ጠላዕ ኣይትእቶ። ህይወት ንኣኻ ዋዛ ኾይና እንተተራእየትካ፡ ንሱ ግን ብጉዳይ ህይወት ከቶ ኣይዋዘይን እዩ። ስለዚ ተጠንቀቕ ነቲ ራእሲ-ህይወት ደጊምካ ኣይትስቀሎ። ነቲ ንሱ ዘልበሰካ፡ ኣሰር መንነቱ ዝኾነ ሓድሽ ሰብ ኣይትቕተሎቀታል ኣሰሩ ኣይትኹን። ነቲ ኣረጊት ሰብ ካባኻ ቀንጢጥካ ኽትሰቕሎ፡ ነቲ ሓድሽ ሰብ ግና ክትክደኖን ክትእርንቦን ኢኻ እተኣዘዝካ። ርስቶም ወደይ፡ ሓጢኣት ምህዞ ዓያሱ እዩ (ምሳ 24፡9)። ምስልን ኣሰርን ናይ ክርስቶስ ካብ ህይወትካ ዚፍሑቕ ክፉእ መብረድን መደምሰስን እዩ። ሓጢኣት ምግባር ማለት ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ ከም ምውቃዕ ማለት እዩ። እቲ ሓደ ዑፍ እቲ ኣብ ልዕሊኡ በደል ዝፈጸምካሉ ሰብ እዩ፡ እቲ ሓደ ኸም ዑፍ ኣቕሊልካ ዝረኣኻዮ ድማ እቲ ምእንቲ ሓጢኣትካ ዝተሰውአ ክርስቶስ እዩ። ንብጻይካ ክትብድሎ ከሎኻ ንክርስቶስ ተቑስሎ ከም ዘሎኻ ኣይትዘንግዕ። ሃዋርያ ጳውሎስ’ዶ፡

ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቑሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣሎኹም።

ኢሉ ንትርጉምን መዘዝን ናይ ሓጢኣት ኣይገለጸልናን እዩ (1ቆረ 8፡11,12)፧ ንጉስ ሰለሙን’ውን ”እቲ ንድኻ ዚጭቁን (ዜባጩ) ንፈጣሪኡ ይጸርፍ” ኢሉ ኣሎ (ምሳ 17፡5 ፣ 14፡31)። ጎይታና’ውን ”ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ” በለ። ንሳውል ድማ ”ንምንታይ ትሰጎኒ ኣሎኻ፧” እምበር ”ንምንታይ ንደቀ መዛሙርተይ ትሰጎለይ፧” ከምዘይበሎ ድማ ዘክር። ስለዚ ንስኻ በቲ ኣብቲ ሓላፊ ሰብ ዝፈጸምካዮ በደል ጥራይ ክትፍረድ የዋህ ትጽቢት ይህልወካ ይኸውን። ኣይትተዓሸው!! በቲ ንኣምላኽ ዝጸረፍካሉ ዝነዓቕካሉ፡ ዘሳደድካሉ ዓንቀጽ ኢኻ ኽትፍረድ። ንሓደ ሰብ ብንዕቀት ወይ ብቑጥዓ ክትብድል ከሎኻ፡ ንብዘሎ ምልኣት ስላሴ ትብድል ከምዘሎኻ ዘክር። ነዚ ሓቂ’ዚ  ዘይምስትውዓል እዩ ሰብ ንሓጢኣት ኣቕሊሉ ኪርእዮን ብእኡ ኪዋዘይን ኪምካሕን ዚገብሮ ዘሎ። ርስቶም ወደይ፡ መዘዝ ናይ ሓጢኣት ከቢድ እዩ። ኣብ ምድሪ ዝገበርካዮ ክሳብ ሰማይ፡ ኣብ ሰብ ዝገበርካዮ ክሳብ ናብ ስላሴ ዚበጽሕ ናይ መንሽሮ ባህርይ ኣለዎ። ንሓደ ሰብ ምቕታል ብተዛማዲ ቀሊል ኣበሳ እዩ። ነቲ ብፍጥረትን ብድሕነትን ዝተዋህበካ ኣሰርን ምስልን ናይ ክርስቶስ ደምሲስካ፡ ምስሊ ናይቲ ካብ መጀመርታ ቐታል-ነፍሲ ዝነበረ ድያብሎስ ምልባስ ግን ከቢድ ኣበሳ እዩ

ንሓውካ ክትሓምዮ ከሎኻ፡ ነቲ ”ኣይትሕመይ” ኢሉ ዝኣዘዘካ ሕግን፡ ነቲ ሓጋግ ሕግን ፈራድን ጎይታ ሰብ ኢኻ እትሓምዮ ዘሎኻ (ያእ4፡11-12)። ንምንታይ እዩ ንዝሙትን ምንዝርናን ኣቕሊሉ ዚርእዮ እሞ፡ ዘሊሉ ኺኣትዎን ኣብኡ ተኣሊኹ ኺነብርን ዚደፍር ዘሎ፧ እግዚኣብሄር ከኣ ክልተ ኣንጻር ጾታ ቆርበት ሓድሕዶም ስለ ዝፋሕፍሑ ጥራይ ንምንታይ እዩ ኣዝዩ ዚቑጣዕን ብኸቢድ ዚፈርዶምን፧ ርስቶም ወደይ፡ እቲ ለቢሶምዎ ዘለዉ ስጋ እኮ ናታቶም ኣይኮነን። ብኽቡር ደም፡ ብመሪር ስቓይን ሞትን ዝተዓደገ፡ መቕደስ ኣምላኽ፡ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኪኸውን ዝተመደበ ንብረት ሕድሪ እኮ እዩ። ነዚ ቕዱስን ዘይናትካን ስጋ እዚ ወሲድካ  ብእኡ ክትምንዝር ከሎኻ፡ ንኣካል ክርስቶስ ወሲድካ ኣካል ኣመንዝራ ምግባር ምዃኑ ብግልጺ ተነጊሩና’ዶ ኣይኮነን። ነቲ ኽቡርን ዘለኣለማውን ቅዱስን ጻድቕን ኣካል ክርስቶስ ወሲድካ፡ ኣካል ኣመንዝራ ምግባር ንዘለኣለማዊ ሞት ዘይተፈርደ ደኣ እንታይ ካልእ ኣበሳ እዩ ኪፍረድ፧ ርስቶም ወደይ ንሓጢኣት በቲ ሰብኣዊ ሸነኹ ዘይኮነ በቲ ኣምላኻዊ ሸነኹ ደኣ ረኣዮ። ኣብ ገዛእ ስጋኻ ይኹን ኣብ ካልእ ሰብ ሓጢኣት ምፍጻም ኬወናውነካ ኸሎ፡ ጥፍኣትካ ይብርሃካ ኸም ዘሎ ዘክር። ሓጢኣት፡ ቁንቁነን ፍልሖን ናይ ህይወት እዩ። ሓጢኣት ምግባር ማለት ንክርስቶስ ዳግማይ ምስቃልን ምቕታልን ምልጋጽን እዩ። ሓጢኣት ንምስልን ኣሰርን ናይ ክርስቶስ ካብ ህይወትካ ፍሒቑካ ምድምሳስ እዩሓጢኣት ንገዛእ ርእስኻን ነቲ እትብድሎ ሰብን ንኣምላኽን ዚጎድእ፡ ስሉሳዊ ዕንወት ዜስዕብ፡ ዘለኣለማውን ሰራምን ልምዲ እዩ። ሓጢኣት፡ ኣብ ህይወትካ ኣሰር ክርስቶስ ዚቐትል መርዛም ተመክሮ እዩ

ርስቶም ወደይ፡ መዘዝ ሓጢኣት በዚ ጥራይ እንተዚድረት ኣይምሓሰመን ነይሩ። ሓጢኣት፡ ንህልውን ነቲ ዚስዕብን ወለዶ ኸይተረፈ ዚጎድእ ክፉእ ሓድጊ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር፡ ”ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽንስዕብ ኣርኣያ ኸም ዝሓደገልና” እዩ ዚነግረና (1ጴጥ 2፡21)። ባዕሉውን፡ ”……………..ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ” ኢሉ ኣረጋጊጹልና እዩ (ዮሃ 13፡14,15)። ስለዚ ድማ፡

እቲ፡ ’ኣብኡ እነብር ኣሎኹ’ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ (ኢየሱስ) እተመላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ኾይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ።

ተባህለልና (1ዮሃ 2፡6)። ስለዚ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ”ንስኻትኩም ኢኹም ኣሰርን ኣርኣያን ናይ ክርስቶስ” ኢና ንበሃል ዘሎና። ከምቲ ንሱ ዝተመላለሶ ጌርና እንተዘይተመላለስና፡ ነቲ ኣርኣያኡን ኣሰሩን ንድምስሶ ነጥፍኦ ድማ ኸም ዘሎና  ኣይንዘንግዕ። ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዚንእሰናን መሰታናን ዚዓብየናን ወለዶታት ኣርኣያን ኣሰርን ናይ ክርስቶስ ከነርእዮ ሓላፍነት ተዋሂቡና ኣሎ። ስለዚ ካብ ህይወትና ኣርኣያን ኣሰርን ናይ ክርስቶስ ጠፊኡ ማለት፡ ቀተልትን ደምሰስትን ኣሰር ክርስቶስ ኴንና ማለት ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ጎይታ ”ብርሃን ዓለም እየ” ኢሉ ንዓለም ብርሃኑ ድሕሪ ምሃቡ፡ ”ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ብምባል ከኣ ኣሰርን ኣርኣያን ናይ ብርሃኑ ምዃንና ኣረጋጊጹልና እዩ (ዮሃ 8፡12 ፣ ማቴ 5፡14)። ስለዚ ጽቡቕ ኣርኣያን ኣሰርን ዘለዎ ህይወት እንተ ዘይነበርና ነቲ ዚዕዘበና ወለዶን፡ ነቲ ንኣሰሩ ኽንስዕብን ከነድምቖን ዝኣዘዘና ክርስቶስ’ውን ንብድሎ ኸም ዘሎና ኽንዝንግዕ ኣይግባእን ኣዩ። ነቲ ኣሰር ክርስቶስ ናይ ምዃን ሓለፋ ኸም ወጽዓን ከም ውርደትን ቆጺርና ኸይንስዕቦን ከይነንጸባርቖን እንተ መረጽና ግና፡ ጽባሕ ንግሆ በዚ ምርጫና እዚ ንዘለኣለም ክንሓፍርን ንዓመጻና ዚምጥን መሪር ስቓይ ክንጸግብን ኢና።

እምበኣር ርስቶም ወደይ ብሩኽ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ኣስተውዕሎ። ቅኑዕ ምርጫ ምረጽ። በቲ ኣምላኽ ንረብሓኻን ንኽብርኻን ኢሉ ብሰናይ ፍቓዱ ዝሃበካ ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ሓለፋ ንርእስኻ ኣይትጉዳእ። ንሓጢኣት በዚ ጠባሪ ዓይኒ ስጋን ዓይኒ ሰይጣንን ምርኣይ ሓዲግካ፡ በቲ ኪኖ እዛ ሓጻር ዕምርን ሓላፊት ዓለምን ሓሊፉ ኣርሒቑ ኽሳዕ ዘለኣለም ዚርእይ ኣዒንቲ ኣምላኽ ደኣ ርኣዮ። ክፋእ ናይ ሓጢኣት ብንጹር ዚረኣየካ ንእኡን ነቲ ዘለኣለማዊ ሳዕቤኑን ብሓንሳብ ኣጣሚርካ ክትርእዮም ከሎኻ ጥራይ እዩ። ነዚ ሓደ ጫፍ ናይቲ ምርጫኻ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኪኖ’ዛ ዓለም እዚኣ ዚገሃድ ጫፍ ከይፈለጥካ ንምምራጽ ኣይትተሃወኽ። ኣዳምን ሄዋንን፡ ብኸምዚ ዝበለ ዕሽነት እዮም ንርእሶምን ንዘርኦምን ናብ ስቓይ ዘእተዉ። ነታ ዝተኸልከልዋ ኦም፡ ንምርኣያ ጽብቕቲ፡ ንምብላዓ ጥዕምቲ፡ ጥበብ ብምሃባ ድማ እተብህግ ኦም ምዃና እምበር፡ ድሕሪ ምብላዕካ እትወልዶ ሞትን ሕፍረትን፡ ሃልክን ስቓይን ኣይርኣይዎን። ካብ ከምዚ ዝበለ ዕዉር ምርጫ ተሓሎ። ነቲ ክርስቶስ ኣብ ምፍጣርካን ኣብ ምድሓንካን ዘውረሰካ ኣሰሩን ምስሉን መልክዑን ኣይተጥፍኣዮ። ኣብቲ ኣሰሩ እናረገጽካ ኣድምቆ እምበር ቀታልን ደምሳስን ኣሰሩ ኣይትኹን። ንናይ ሓጺር ዕምሪ ”ባህታን ነጻነትን” ክትብል ነቲ ተዳልዩልካ ዘሎ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣይትኽሰሮ። ነቦ ዘለኣለም ብሓጢኣትካ ኣይትስቀሎ። ነቲ ብኽቡር ዋጋ ዝዓደጎ ስጋኡ ብንጽህናን ቅድስናን ሓልዎ። ነቲ ብሓጢኣት ዝበለየ ኣረጊት ሰብ ደኣ ቐንጢጥካ ደርብዮን ስቐሎን እምበር ነቲ ሓድሽ ሰብሲ ኣይትቕተሎ። ”ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ” ተባሂሉልና እዩ’ሞ፡ ”እንተ ብህይወት እንተ ብሞት ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ” ደኣ በል። ነዚኣ ንምባልን ንምትግባርን ዓቕምን ፍቓድን እንተ ሓጺሩካ፡ ነቲ ዚጽበየካ መፈጸምታ ኣሽንኳይ ብኣካል ክትሓልፎ ብኣእምሮ ኽትሓስቦ እኳ ኣይክትጾሮን ኢኻ። ነቲ ኣርኣያኡ እንተነበርካዮ፡ ነቲ ኣሰሩ እንተ ኣድመቕካዮ ግና፡ ተኻፋሊ ኽብሪ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ። ”ነዳቒ ፍሩስ፡ ኣድማቒ ኣሰር፡ ሓዳሲ ኣርኣያ” ድማ ክትስመይ ኢኻ።

እትበቕዖ ይግበርካ እዚ ወደይ!!

ሰላም ኩነለይ!!


 ብሓውና በረኸት መንግስተኣብ