Lyrics

    ኣምላኽና ትዓቢ ካብ ኩነታትና

ኣምላኽና ትዓቢ ካብ ኩነታትና
የሱስና ትዓቢ ካብ ሕቶታትና
ኣምላኽና ትዓቢ ካብ ኣኽራናትና
የሱስና ትዓቢ ካብ ማዕበላትና

    • ብምርካብ ብምስኣን ኩሉ እቲ ንሓልፎ
    • ብብርትዐ ድኻም ኩሉ ንሳገሮ
    • ንስኻ ኣብኡ ምሳና
    • ብጸበባ ፍጡን ረድኤትና ኢየሱስ ጎይታና

ኣምላኽና ትዓቢ ካብ ኩነታትና
የሱስና ትዓቢ ካብ ሕቶታትና
ኣምላኽና ትዓቢ ካብ ኣኽራናትና
የሱስና ትዓቢ ካብ ማዕበላትና

    • ስለዚ ንኹነታትና እግዚኣብሄር ዓቢ’ዩ ንብሎ
    • ስለዚ ንሕቶታትና እግዚኣብሄር ዓቢ’ዩ ንብሎ
    • ስለዚ ንኣኽራናትና እግዚኣብሄር ዓቢ’ዩ ንብሎ
    • ስለዚ ንማዕበላትና እግዚኣብሄር ዓቢ’ዩ ንብሎ

ክኾነልና እንምነዮ ሕቶትታና
መልሲ ኣብ ዘይተረኽቦ ድሌታትና
ብጽቡቕ ከተጽግበና መፍትሒ
ንኹሉ ግድላትና ኢኻ ኣምላኽና

    • ተስፋና ኣብ ቅድሜና በሪሁ ከይንርኢ
    • ዝኽልክሎና ኣኽራናት ምድሪ
    • ካብ ምህላውካ እተላዕለ
    • ጎልጎል ይኸውን ኣኽራን ዘበለ
    • ኩሉ ብስምካ ይእለ

መርከብ እምነትና ዘናወጽ ህቦብላ ንፋስ
ኩሉ ዝዓፍር ዝሃምም ማዕበላት
ቃልካ ሰሚዑ ይኸውን ህድኣት
ዕረፍቲ ይኾነልና ካብ ምንዋጽ
ብኣኻ ብጎይታ ኢየሱስ