Lyrics

 

ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቆቢ ኴንካና

 

ተደ. ጎይታየ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቆቢ ኴንካና

     ኣኽራን ከይተወልደ ሰማይን ምድርን ከይተፈጥረ

    አረ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ /2/

 

1.ዓለም ከይተፈጥረ ዝነበርካ

  ንኹሉ ኣብ ኢድካ ዝጨበጥካ

  ጎይታ ንስኻስ ንበይንኻ ኢኻ

  ካብ መጻወድያ ሃዳናይ ዘድሓንካና /2/

  ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ዘናገፍካና /2/

 

  1. 2.ብሓዊ ሓሊፍና ኣይነደድናን

   ባሕሪ ኤርትራ ሰጊርና ኣይጠሓልናን

   ምስ ጎልያድ ገጢምና ኣይተሰዓርናን

   ኣብ ቅዱስ ስምካ ኣዕቊብና ኣይተደፈርናን /2/

   ብስምካ ተመኪሕና ኣይሓፈርናን /2/

 

3.ዝውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ

   ሰይጣን ብነድሪ ንህይወትና ክምንቁሳ

   ኣስናኑ ይሕርቅም ክውሕጠና

   ግን ኣይተኻእሎን ኣምሊጥና ወጺእና ኣድሒንካና

   ግን ኣይኮነሉን ተበጂኻና ድንቂ ጌርካልና

 

4.ጸላኢና ክንድር ከሎ ከጥፍኣና

   ኣቦ መድሓኒና ተዘይትዋግኣልና

   ክሳዕ እዛ እዋን ኣይምጸናሕናን

   ብዘይዝኽሪ ካብዛ ምድሪ ቀደም ምጸነትና ምጠፋእና

   ሕጂ ግን ብረዲኤትካ ንነብር ኣሎና ብህይወት ኣሎና

 

5.ከምቲ ደርሆ ንጨቓዊታ እትሓቑፎም

   ከምኡ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኣጸጊዕካና

   ደጊም መን ኣሎ ዝቃወመና

   ንኣኻ ሓሊፉ ሕማቕ ዝገብረና ዝጎድኣና

   ልብና ይሕጎስ ኣሎ ተመስገን ኣምላኽና ልዕል በለልና

 

6.ቀደም ካብ ጥንቲ ዝነበርካ

   ሎሚ ኣብ ጊዜና ዝገነንካ

   ዘለኣለም ትነብር ህያው ኣምላኽ ኢኻ

   ዘይትልወጥ ንጉስ ጽኑዕ ዝፋንካ /2/

   ክበር ንገስ ሰልጥን ተመስገን ንብለካ /2/

 

7.ካብ ኣማልኽቲ ሓደ’ኳ የልቦን ዝመስለካ

   ማዕሬኻ ቆይሙ ዝማጎት ዝረትዓካ

   ብግብሪ ብሓይሊ ዓቢ መፍርህ ኢኻ

   ናይ ሓያላት ሓያል ናይ ነገስታት ንጉስ ናይ ጎይቶት ጎይታ ኢኻ /2/

 

ተደ. ጎይታየ ካብ ወለዶ ንወለዶ . . .