Lyrics

ሳላ ምሕረቱ

ሳላ ምሕረቱ ደኣ’ምበር – ሳላ ምሕረቱ
ኣነ ምጠፋእኩ ነይረ – ቀደም ምጠፋእኩ
ሳላ ለውሃቱ ደኣ’ምበር – ሳላ ለውሃቱ
ኣነ ምጠፋእኩ ነይረ – ቀደም ምጠፋእኩ

ምሕረቱ’ዩ በዚሑለይ
ጸጋኡ’ዩ ዓዚዙለይ
ጥራስ ዘይጠፋእኩ ጸጋ/ምሕረት እግዚኣብሄር’ዩ /2/

ክብሪ/3/ ንኢየሱስ
መጎስ/3/ ንጐይታ ህይወተይ

ብናይ ዘለኣለም ፍቕሩ ኣፍቂሩኒ
ብዓቢ ምሕረቱ ዘኪሩኒ
ኣብ በሪኽ ደው’ውን ኣቢሉኒ – ኢየሱስ
ካብ ሓመድ ኣልዒሉ ሰብ ጌሩኒ
ሕፍረት ጸላእተይ’ውን ኣርእዩኒ
ኣብ ክቡር ቦታ’ውን ኣንቢሩኒ – መጎስ ኰይኑኒ – ክብረት ኰይኑኒ

ክብሪ/3/ ንኢየሱስ
መጎስ/3/ ንጐይታ ህይወተይ

ስለዚ’የ ዘመስግኖ
ንጎይታ ኢየሱስ – ልዕል ዘብሎ
ኣብ ህይወተይ ኣንጊሰዮ
ቀዳማይ ገይረ – ሰሪዐዮ

ሓንጊሩኒ – ምስ ድኻመይ
ጼሩኒ እወ – ምስ ዕያገይ
ርሑቚ ዝነበርኩ – ሕጂ ግን ቀረብኩ
ሳላ ጐይታ ኢየሱስ – ምሕረት’ውን ረኸብኩ /2/

ሳላ ምሕረቱ ደኣ’ምበር – ሳላ ምሕረቱ
ኣነ ምጠፋእኩ ነይረ – ቀደም ምጠፋእኩ
ሳላ ለውሃቱ ደኣ’ምበር – ሳላ ለውሃቱ
ኣነ ምጠፋእኩ ነይረ – ቀደም ምጠፋእኩ