ልበይ …ንቓሕ!

ዎ ልበይ … ጽን በል ኣስተውዕል

ኣቕልብ ናብቲ ህያው ቃል

ብውቐሳ’ቲ ዕቡይ ከይትድሃል

ብውዳሴ ጠባሪ ከይትህመል

ፋኒንካ ከይትኣቱ ኣብ ገደል

ክቡሪ ርስትኻ ደኣ ኣስተብህል

ተስፋኻ ፈሊጥካስ ህድእ በል

ጽልኢ ክፍኣት ኣርሒቕካ

ፍቕሪ ኣንግስ ዘርብሓካ

ብሰላም ክትነብር ሃዲእካ

ትሕትና ይኹን ስልማትካ

ትዕቢት ሓሊኹ ከየውድቐካ

ፍርሃት’ቲ ልዑል ደኣ ይምላእካ

ንሱ’ዩ ጥበብ ዝኾነካ

ብጣዕሚ’ዛ ሓላፊት ከይትጥበር

ብዝሓልፍ ከይትልውጦ ነቲ ክቡር

ከንቱ ናብራ ሃይማኖት ከይትነብር

ብምጽኣት መርዓዊ ከይትሓፍር

ኣስትውዕል ልበይ፡ መገድኻ’ውን መርምር

ተዳሎ ክትወርስ ምስቲ ክቡር

ወሲንካ እቶ፣ ኣብ ፍቓዱ ‘ውን ስመር

ዘመኑ ኣለሊ ኣቕንዕ መገድኻ

ሓልዮት ሰጋ ከይዕምተን ነዒንትኻ

ከም ሰልሚ ዋላኻ ከየሕጽር ስጉምትኻ

ናብቲ ናይ ላዕሊ ደኣ ግበር ቆላሕታኻ

ብምልኣት ተወከል ክጽብቕ ፍጻመኻ

ብእምነት ደው በል  ጽናዕ በጃኻ

ዎ ልበይ ንቓሕ ፣ ተጠንቀቕ  ሓደራኻ!

 “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፣ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሓልዎ።” (ምሳሌ 4: 23)

     ኤርምያስ ጸጋይ