እዛ ራእይ እትብል መጽሓፍ ብዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ ኣብ 1999 ዝተጻሕፈት ኰይና ትርጉም፣ ኣካላት፣ ዓይነት፣ ባህርያት፣ ምንጪን ጥቕሚን ራእይ፣ ራእይ ብኸመይ ከምዝሕሎን ብራእይ ንምዕባይ ዝሕግዙና ነገራትን ካልኦትን ዘጠቓለለት እያ። እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ጉጅለ ይኹን ብውልቂ በዚ ኣርእስቲ መጽናዕቲ ንምግባር ከምእትሕግዝ ኰይና እያ ተዳልያ።