Posted on Posted in

-ገርህነትና ከም ናይ ናትናኤል ንጐይታን ንሓቅታቱን ጥራይ ክሕዛእ ከም ዘለዎ ኣይንዘንግዕ። ገርህነት ዝኣክል ክቡር መንፈሳዊ ንብረት፡ ነቲ ሰራቒ ዝኾነ ሰይጣንን መዓይይቱን እንተ መጢናዮ፡ ጉድኣት ነፍስና መዳርግቲ ኣይክርከቦን እዩ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

– ሓደ ሰብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ተኣምራትን ምግላጻትን ይሃልዎ ብዘየገድስ ትምህርቱን ፍረ ህይወቱን ካብ ሚዛን ቃል እግዚኣብሄር ከምልጥ ከም ዘይክእል ክንዝክር ይግባእ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

– እቲ መግቢ ክብከል፡ እቲ መገዲ ክትምየን፡ እቲ ጎይታ ክጽረፍ፡ እቲ መጓሰ ክዝረፍ፡ እቶም ጓሶት ክዕነዱን ክዕዘሙን እናረኣኻ ስቕ ምባል፡ ብቓላት ኮነ ብሓሳብ ክትገልጾ ዘጸግም ሓደገኛ ክስተት እዩ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

– መንፈሳዊ ሓቂ ከም ፖለቲካዊ ሓቂ ብብዝሒ ሰብ ኣይልካዕን እዩ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

– መጽሓፍ ቅዱስ ግን ፍትሓዊ ጥራይ ዘይኮነስ ክውንነታዊ’ውን እዩ። ክትግበር ዘይኽእል ኣብ መዓላ ዘይውዕል ሓቂ ገሊጹልና ኣይፈልጥን እዩ። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

– ብልጫ ቅዱሳን ኣብዚ እዩ ዘሎ። ነቲ ዝገጠሞም ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ኣጋጣሚታት ምስቲ ንኣጋጣሚታት ዘጋጥም ኣምላኽ ኣዛሚዶም እዮም ዝርእይዎ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ጥራይ ኣየዛምድዎን እዮም። ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

-ኣቕራቢ ኢሳይያስ ቢዘን
1- ፍጹምን ሓቀኛን ህላውነት ኣምላኽ ኣብ ህይወትና እምነት እዩ። እግዚኣብሄር ስቕ ኣብ ዝብለሉ ጊዜ’ውን ክንቅጽል ዝገብረና ንሱ እዩ (እምነት) ።

2- ፍቕሪ ትዕግስቲ ትሕትና ካልኦት ኩሎም መንፈሳዊ ፍረታት ባህርይና ስለ ዝኾኑ ክንፍጽሞም እንተ ዘይኪልና ክርስትና ጻዕሪ እምበር ዕረፍቲ ኣይንርእየሉን ኢና። (ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ)
– ኣቕራቢ ፊልሞን ተስፋስላሴ