Lyrics
እቲ ምስ ዓለም ዝኣሰረኒ ሰንሰለት
1. ምእንቲ በደለይ ኣብ መስቀል ውዒልካ
ተፈጸመ ኢልካ ምስ ጨራሕካ
ሽዑ ተፈቲሑለይ ማእሰርተይ
እኔኹ’ እዝምር ጎይታይ
ተደ:- እቲ ምስ ዓለም ዝኣሰረኒ ሰንሰለት
በቲኽካ ደርቢኻለይ ኣብቲ መስቀል ውዕለት
ተፈቲሐ ነጻ ኮይነ እዝምር
ምሉእ ዕድመይ ከኽብረካ እነብር
2. ከም ሓጢኣተይሲ ሞት ዝግብኣኒ
ህይወትካ ወፊኻ ኣድሒንካኒ
ካብ ሰንሰለት ሓጢኣት ፈቲሕካኒ
ክበር ንገስ ዎ ልዑል መድሓኒ
3. ርሒቀዮ ካብ ቤቱ ተፈልየ
በቲ ጥዑም ቃሉ እናድሃየ
ኣይከም ሓጢኣተይን ብምሕረቱ
መሪሑ ኣእትዩኒ ናብ ቤቱ
4. ማእሰርተይ ፈቲሑ ወራሲ ጌሩኒ
ብደሙ ካብ ሓጢኣተይ ኣንጺሁኒ
ኣብ ሰማይ ኣኽሊል ህይወት እወርስ
ንመድሕነይ ዘልኣለም እውድስ