Lyrics
- ኣምላኽና ትዓቢ ካብ ኩነታትና
ኣምላኽና ትዓቢ ካብ ኩነታትና
የሱስና ትዓቢ ካብ ሕቶታትና
ኣምላኽና ትዓቢ ካብ ኣኽራናትና
የሱስና ትዓቢ ካብ ማዕበላትና
-
- ብምርካብ ብምስኣን ኩሉ እቲ ንሓልፎ
-
- ብብርትዐ ድኻም ኩሉ ንሳገሮ
-
- ንስኻ ኣብኡ ምሳና
-
- ብጸበባ ፍጡን ረድኤትና ኢየሱስ ጎይታና
ኣምላኽና ትዓቢ ካብ ኩነታትና
የሱስና ትዓቢ ካብ ሕቶታትና
ኣምላኽና ትዓቢ ካብ ኣኽራናትና
የሱስና ትዓቢ ካብ ማዕበላትና
-
- ስለዚ ንኹነታትና እግዚኣብሄር ዓቢ’ዩ ንብሎ
-
- ስለዚ ንሕቶታትና እግዚኣብሄር ዓቢ’ዩ ንብሎ
-
- ስለዚ ንኣኽራናትና እግዚኣብሄር ዓቢ’ዩ ንብሎ
-
- ስለዚ ንማዕበላትና እግዚኣብሄር ዓቢ’ዩ ንብሎ
ክኾነልና እንምነዮ ሕቶትታና
መልሲ ኣብ ዘይተረኽቦ ድሌታትና
ብጽቡቕ ከተጽግበና መፍትሒ
ንኹሉ ግድላትና ኢኻ ኣምላኽና
-
- ተስፋና ኣብ ቅድሜና በሪሁ ከይንርኢ
-
- ዝኽልክሎና ኣኽራናት ምድሪ
-
- ካብ ምህላውካ እተላዕለ
-
- ጎልጎል ይኸውን ኣኽራን ዘበለ
-
- ኩሉ ብስምካ ይእለ
መርከብ እምነትና ዘናወጽ ህቦብላ ንፋስ
ኩሉ ዝዓፍር ዝሃምም ማዕበላት
ቃልካ ሰሚዑ ይኸውን ህድኣት
ዕረፍቲ ይኾነልና ካብ ምንዋጽ
ብኣኻ ብጎይታ ኢየሱስ