Lyrics

ክንዝምረሉ ኢና
1. እቲ ካብ ውርደት ናብ ክብረት
ካብ ሞትውን ናብ ህይወት
ዘሰጋገረና ኣምላኽ
ክንዝምረሉ ኢና ገና
ንስሙ ክንባርኾ ኢና (4)
ተደ:- ክንዝምረሉ ኢና ገና ንኣዶናይ
ክንዝምረሉ ኢና ገና ንኤልሻዳይ
ክንዝምረሉ ኢና ገና ንኢየሱስና
ክንዝምረሉ ኢና ገና ንኣምላኽና
ክንዝምረሉ ክንዝምረሉ ኢና
2. ኣብቲ ጭንቀትናን ምረትናን ሓጎስናን
ኣብቲ ሓዘንናውን መጸናኒዕና
እዚ ዘርኣየና ኣምላኽና
ክንዕልለኡ ኢና ገና
ንኽብሩ ክንዘልል ኢና (4)
3. ኩሉ ክልወጥ ክጽልምተና
ኩነታትውን ክቅየረና
ዘይቅየር ኣምላኽና
ክንባርኾ ኢና ገና
ንስሙ ክንውድስ ኢና ገና (4)

4. ንጸላእትና ዘንበርክከልና
ክንገዝኦውን ስልጣኑ
ዘዕተረና ኣምላኽና
ክንዝምረሉ ኢና ገና
ኣፍና መሊእና (4)
5. ኣታዚ ሓያል ሓያል ሓያላት
ብርቱዕ ውን ናይ ብርቱዓት
ኣሕዋት ሓቢርና
ከነውርየሉ ኢና ገና
ንስሙ ከነዕብዮ ኢና (4)