Lyrics
ኩሉ ኢካ ትክእል
1. መዓጹ ትኸፍት ንመቓውሕ ሴርካ
እሱራት ትፈትሕ ንባሕሪ መቒልካ
ቀቢጸ ተስፋ ምንጋፍ ትኮኖ
ቁጽሪ ኣይረከቦን ብዛዕባኻ ንብሎ
ተደ:- ኩሉ ኢካ ትክእል /3/ ዝደለካ ከኣ ትገብር
ንኣምላክነትካ ጉይትነትካ ነድንቕ ነቲ ስልጣንካ
ንሓይልካ ግርማካ ነዘንቱ ኩሉ ከኣልነትካ /2/
2. ቀስቲ ናይ ሓያላት ጎይታየ ትሰብሮ
ሰንከልከል ዝበለ ሓይልኻ ተዕጥቆ
ሸውዓተ ክትወልድ ዕጽውቲ ማህጸና
ትክእል ብሓቂ የለን ዝሰኣነካ
3. ካብቲ ደረቕ ከውሒ ዓይኒ ማይ ክፈልፍል
ብዘይገለ ዓንዲ ሰማያት ደው ከብል
ኣምላኽ ንስኻ ኢካ ገባር ተኣምራት
ስሌካ ይዛረብ ብዘሎ ፍጥረታት
እዚ ኣይእኩልን ኣይገልትጾን ዕቤትካ
ኣይንዓርፍን ካብ ምምስጋንካ
እዚ ኣይእኩልን ኣይገልትጾን ስልጣንካ
ኣይንዓርፍን ካብ ምምላኽ ንኣኻ
ጎይታየ በዚ ካብ ከበርካ
ኣምላከይ በዚ ካብ ነገስካ
ነቲ ዘገርም ዘደንቕ ተግባርካ
ልሳናት በዚሐን ዘመስግናካ
ስልጡን ሓሳባትካ ተኣምር ዕዮካ
ዝነግራ ጽድቅኻ ከምዚአን ይብዝሓ
ገና ኣሻሕ ኣእላፍ ይኩና ቁጽረን ዘይቁጸራ /2/