እግዚኣብሄር ሓደ ኣምላኽ ምኻኑ መሰረት ብምግባር ንብዙሕነት እግዚኣብሄር ንክርዳእ የድልየና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕነት እግዚኣብሄር ማለት ኣምላኽ ካብ ሓደ ንላዕሊ ኣካል ከምዘለዎ ብብዙሕ መንገድታት ተገሊጹ ኣሎ። እግዚኣብሄር ሓደ ኣምላኽ እዩ፥ ሰለስተ ኣካላት ከኣ ኣለውዎ። 10/01/2004
እግዚኣብሄር ሓደ ንሱ ጥራይ ኣምላኽ ኮይኑ ሰለስተ ኣካላት ድማ ኣለውዋ። ነዚ ሓቂ ንምርዳእ ብሓቂ ምግላጽ ኣማላኽ ዘድልዮ እዩ። ቅድሚ ሰለስትነት ኣምላኽ ምርኣይና ንሓድነት እግዚኣብሄር ክንርድኦ የድልየና። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ንሰለስትነት እግዚኣብሄር ከነስተውዕሎ ንኽእል። 03/01/2004
ትምህርቲ ስላሴ ትምህርቲ ምግላጽ (ኣስተርእዮ) ከም ምኳኑ መጠን፡ ናይ ኣምልኾ ትምህርቲውን እዩ። ምስጢረ ስላሴ ናይ ምድሓን ትምህርቲ እዩ። ምስጢረ ስላሴ ናይ ሓድነት ትምህርቲ እዩ። ምስጢረ ስላሴ ትምህርቲ ትሕትና እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ምስጢረ ስላሴ ናይ ምእዛዝ ትምህርቲውን እዩ። ስለዚ እዩ ነብዩ ኢሳያስ ክብሪ ኣምላኽ ምስ ረኣየ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኢሉ ናብ […]
እግዚኣብሄር ደረት ሰገር ኣምላኽ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ልዕሊ ኣእምሮና ኪኸውን ምኽኣሉ ዚገርም ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብሓድነቱን ሰለስትነቱን ምስጢር እዩ። ንምንታይ ኢና ግና ምስጢረ ስላሴ ንመሃር፧ ትምህርቲ ስላሴ ትምህርቲ ምግላጽ እዩ። ንወዲ ኣቦ ጥራይ ከም ዝፈልጦ፡ ንኣቦ ድማ ወዲ ጥራይ ከም ዚፈልጦ ነዚ ምግላጽ እዚ ውን ካብ ኣምላኽ ኪንቅበሎ ኣሎና። ነዚ ምስጢር እዚ ካብ መድረኽ ጥራይ […]
መጠቓለሊ ናይዚ ትምህርቲዚ፡ መልሲ ናይዝቐረቡ ሰለስተ ሕቶታት። እታ ቀዳመይቲ ኣብ ማቴ 10:42 ዘላ ጣሳ ዝሑል ማይ ዘስተየ እዃ ዓስቡ ከምዘይስእን ኣብ ዝብል እያ። እታ ካልኣይቲ ድማ ኣብ ማቴ 16:27-28 ዘላ፡ “ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኪመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡” እትብል እያ። እቲ ሳልሳይ ድማ […]