ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮታዊ ባህርያት ዝውንን ኣምላኽ እዩ፡ ስለዚ ድማ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ሓደ ካብቲ መጀመርያ ንርእዩ መለኮታዊ ባህሪኡ ዘለኣለማውነቱ እዩ። ንሱ ቀዳማይን ዳሕራይን እዩ። ንሱ ኣልፋን ኦሜጋን እዩ፡ መጀመርታን መወዳእታን እዩ። ንሱ ዘለኣለማዊ ጥራይ ዘይኰነ ኣቦ ዘለኣለምንውን እዩ። ምውጽኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ ንሱ መሊሱ ዝወጸ እዩ። “ቃል ብመጀመርታ ነበረ” ከም ዝብል ንሱ ናይ […]

Posted on

ኣብዚ ክፋል ትምህርትናውን ነቶም ብግሁድ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዝምህሩ ጥቕስታት ክንርእዮም ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ካባታቶም እዮም፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ ልዕሊ ኩሉ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ኣሎ። መሊሱ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ናብ ጢሞቴዎስ፡ “ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምላኾ ዓብዪ እዩ፡ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ […]

ንጐይታ ኢየሱስ ምርድኡ ዝኸብደና ኣዝዮ ረቂቕ ስለዝዀነ እዩ፡ እቲ ምንታይሲ ብዘሎ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ። ብዘይካ ኣቦን ኣቦ ኪገልጸሉ ዝፈቱን እንተ ዘይኰይኑ ድማ ንዕኡ ዝፈልጦ የሎን። ምስጢር እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዝፈርህዎ እዩ። ብዘይ ፍርሃት ንቕበሎ ምግላጽ ግና ሓኒቑ ወይ ነፉሑ ኪቐትለና እዩ። ስለዚ ጸጋ ኣምላኽ እንዓቁር ሰባት ምእንቲ ኪንከውን ኣዚና ክንጥንቀቕ ከድልየና እዩ። […]

ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና ዝረኣናዮ ሓሳብ፡ ንሰለስትነት እግዚኣብሄር ዘብርሁ ጥቕስታት ምርኣይ ክንቅጽሎ ኢና። ንኣብነት ኣብ መልእኽቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ምዕራፍ 2፡17-18 ከምዚ ይብለና፡ “ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።” ኣብዚ ጥቕሲ እዚ “ሓደ መንፈስ” ዝብል […]

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና፡ ቅድሚ ሰለስትነት እግዚኣብሄር ክንርዳእ ምፍታንና መጀመርያ ንብዙሕነቱ ክንፈልጥ ከም ዝግብኣና ርኢና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ኣብዚክፋል ትምህርትና፡ ብቃል ኣምላኽ መሰረት እግዚኣብሄር ክንደይ ኣካላት ከም ዘለዎ ክንርኢ ኢና። ገሊኡ እቲ ጥቕስታት ብቐጥታ ንኣብ፡ ንወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጠቅስ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ሓደ ዝዀነ ተግባር ናይ ሰለስቲኦም ግደ ተጠቒሱ ክንረኽቦ ኢና። ንኣብነት፡ […]