ክርስትና ኣብ ዓለም ዝንበር ናብራ እዩ። ንመንፈሳዊ ህይወት እነብሮ ኣለኹ ኪንብል ንኽእል ድማ፡ ንኣምላኽ ኣብ ኵሉ መዳይ ናይ ህይወትና፡ ኩሉ ሳዕ ኪንኣምኖ እንተ ኽኢልና እዩ። ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ክንነግሮም ከሎና ዘይኣምኑና፡ ዋዛ ስለዝመስሎምን፡ ኣምላኽ ክሳዕ ክንድኡ ዓቢይ እዩ ኢሎም ስለ ዘይሓስቡን እዩ። ኣመንቲ ንኣምላኽ ዘይኣምኑሉ ምኽንያት ድማ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎ ኣጠማምታ ካብ ዘይምፍላጥ እዩ […]
Posted on
by ቀሺ ዶክ. ተኽለኣብ መንግስትኣብ
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብምዝራብን ብምምራሕን ባህ ዝብሎ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ይዛረብ ከም ዝተጻሕፈ፣ ኣምላኽ እናሻዕ ዝዛረብ ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ዝዛረበና ድማ ምእንቲ ኪንእዘዞ ኢሉ እዩ። ብዘይ ምእዛዝ ጥፍኣት እምበር ድሓን ኣይርከብን እዩ እሞ፣ ንምእዛዝ ኣምላኽ ክነፍቅሮን ንብረትና ክንገብሮን ይግብኣና። ህይወትና ብምእዛዝን ብቕድስናን ዝተሰለመ እንተኾይኑ፣ ጐይታ ንጸሎትና ይሰምዕ፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ንምድሓን […]
Posted on
by ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ
ሃዋርያ ጳውሎስ፣ ብእምነት እንተ ኣሊኹም ርእስኹም ፈትኑ፣ ርእስኹምውን መርምሩ ኢሉና ኣሎ። መሊሱ እቶም ናትና ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ኪመሃሩ ከምዘድሊ ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ከኣ ብክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ እዩ። ሓደ ካብኡ ድማ እምነት እዩ። ስለዚ ሎሚ ብቓል ኣምላኽ ሓቀኛ እምነት እንተ ኣሎና ርእስና ኪንፍትሽ ይግብኣና። ሓቀኛ እምነት ግብሪ ኣለዎ። ስሑት እምነት ግብሪ የብሉን። ሰባት ክንዲ […]