ሎሚ ኵነታት ሃገርናን፡ ህዝብናን፡ መንእሰያትናን ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ዘሎ። ቃል ኣምላኽ ድማ ብህድኣትን፡ ብዘይ ህውከትን ምእንቲ ክንነብር ቅድሚ ኩሉ ብዛዕባ መራሕትና ክንጽሊ ከም ዝግብኣና እዩ ዚነግረና። ምእንቲ ከይንጽሊ ሐልዮት ሓዳር፡ ስኽራንን ስስዐን እዮም ዝኽልክሉና እሞ፡ ነዚኣም ካብ ህይወትና ብምርሓቕ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድርናን፡ ህዝብናን ብጾምን ጸሎትን ኪንነቅሕ ይደልየና ኣሎ። ከምቲ ዮናስ እታ መርከብ ብዙሕ እናተሐቝነት እንከላ […]
ብዓይኒ እግዚኣብሄር ምጥማት ንዝገጥመና ኵነታት ወይ ብዛዕባ ዝዀነ ጉዳይ ክንውስን ከሎና ብዓይኒ እግዚኣብሄር ክንርእዮ ብጣዕሚ እዩ ዘድልየና። ኵነታትን፡ ውሳነታትን ብዓይንናን ብዓይኒ እግዚኣብሄርን ኪርኣዩ ከለዉ፡ ከም ኣብ ህይወት ጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ ማይ ናይ ምኻድን ምጥሓልን፡ ከም ኣብ ህይወት ኤልሳእን ገሓዝን ድማ ናይ ምትባዕን ናይ ምፍራህን፡ ኣብ ውሳነታት ናይ ሎጥን ኣብራምን ድማ ናብ ሶዶም ከም ምጽጋዕን ምንዳድን […]
ኣብ ብሉይ ኪዳን ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ብምኽንያት እቲ ጐይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ ናይ መስቀል ዋጋ፣ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ንምዃን በቒዕና ኢና፣ ግናኸ እዛ ቤት መቕደስ እዚእ ቅድስቲ እያ። ቃል ኣምላኽ ድማ ነቲ ንርእሱ ካብቲ ዝቃጸዎ ሓጢኣት ሓልዩ ብቕድስና ዚመላለስ ሰብ ህያው እምኒ ይብሎ። እቲ ዝሞተልና ጐይታ […]
ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ ሰብነቱ እያ። ሎሚ ንሱ ኣብ ሰማያት ስለ ዘሎ ንሳ ድማ ወካሊቱ እያ። እቲ ንዓለም ዘድልያ ነገር ኵሉ ድማ ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ። እዚ ነገር እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኪህሉ ይግባእ። ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን ቅርጽን ኣካይዳን ኣለዋ። ርእሲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ድማ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ርእሲ ዓይኒ ኣሎ፡ ኣብ ርእሲ እዝኒ ኣሎ፡ […]
ሃዋርያ ጳውሎስ፣ ብእምነት እንተ ኣሊኹም ርእስኹም ፈትኑ፣ ርእስኹምውን መርምሩ ኢሉና ኣሎ። መሊሱ እቶም ናትና ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ኪመሃሩ ከምዘድሊ ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ ከኣ ብክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ እዩ። ሓደ ካብኡ ድማ እምነት እዩ። ስለዚ ሎሚ ብቓል ኣምላኽ ሓቀኛ እምነት እንተ ኣሎና ርእስና ኪንፍትሽ ይግብኣና። ሓቀኛ እምነት ግብሪ ኣለዎ። ስሑት እምነት ግብሪ የብሉን። ሰባት ክንዲ […]