ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ብዕለት 27-09-2003 ብ ዶ/ር ተኽልኣብ መንግስትኣብ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ንምሕሳብ፣ ንትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ኣጸቢቕና ክንርድኦን ርግጸኛታት ኪንከውንን የድልየና። ክርስቶስ ብርግጽ ብስጋ ሞይቱን ተንሲኡን እዩ። ክርስቶስ ቅድሚ ምትንሳኡ ሞይቱ እዩ፣ ኣብ ትንሳኤኡ ንምሕባር ንሕና ሕጂ ክንመውት ኣሎና። ቃል ኣምላኽ፣ “ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተዀንናስ፣ ብትንሳኤኡ ድማ ክንሓብሮ ኢና” […]