ኣብ ትንሳኤ ምውታን እቲ ዝዓበይ ነገር ምስ ኣምላኽ ምዃን እዩ። እቲ ምስ ኣምላኽ ብምዃንና ዘምጽኣልና ተወሳኺ ነገር ከይወስኽናሉ እዃ እቲ ምስ ኣምላኽ ምዃን ዝብል ጥራይ ኣዝዩ ዓቢ ነገር እዩ።… …. ኣምላኽ እቲ ንዕኡን ንሰባትን ናይ ዘገልገልናዮ ዓስቢ ክህበና እዩ። ዓስቢ ናይቲ ሰባት ኣብ ልዕሌና ዝገበርዎ እሞ ዝተዓገስናዮ ነገርውን ኣምላኽ ክኽሕሰና እዩ። ሽዑ ኣኽሊል ህይወትን፡ ኣኽሊል […]
እግዚኣብሄር ንግብርና፣ ቃላትናን ሓሳብናን ከም ዝፈርድ ኣብቲ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና ርኢና ኔርና። ግብሪ ኢልና ክንሓስብ ከሎና ግና፣ እቲ ሓጥእ ኣእምሮና ሓጢኣት ንዝብሎም ግብርታት ዘይኰነስ፣ ክርስቶስ ኣብ ቦታይ እንታይ ምገበረ ኢልና ክንሓስብ ከድልየና እዩ። ድሕሪ ፍርዲ ሰባት ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ዕረፍቲ ይኣትዉ፣ ገሊኦም ድማ ናብ ናይ ዘለኣለም ሞትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኣትዉ። መንግስቲ ኣምላኽ፣ መዝገብና ዝዕቈረላ፣ […]
ብዕለት 18/10/2003 ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ዝተዋህበ ተኽታታሊ ትምህርቲ ትንሳኤ ምውታን ዝኸውን ምእንቲ ዘለኣለማውነት እዩ – ሰብ ንዘለኣለም ናብ ሓጐስ ጐይታኡ ወይ ንዘለኣለም ናብ ስቓይ ምእንቲ ኪኣቱ። ቅድሚ ናብ ዘለኣለማውነት ምእታውና ግና ጐይታ ኪምለስ ከሎ ሓደ ዝኸውን ፍጻሜ ኣሎ። ንሱ ድማ ፍርዲ እዩ። ቅድሚ እዚ ናይ መወዳእታ ፍርዲ’ውን እንተዀነ ሰባት ይፍረዱ […]
ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ብዕለት ብ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ ትንሳኤ ተኣምራታዊ ፍጻሜ እዩ። ሽዑ ድሩት ህልውናና ናብ ዘይድሩት ህልውና ኪመጽእ እዩ። “እቲ ዝርአ ንጊዜኡ እዩ፣ እቲ ዘይርአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ” ከም ዝተጻሕፈ ድማ ካብዚ ሎሚ ብዓይንና እንርእዮ ዘሎና ሓላፊ ነገር ናብቲ ብዓይንና ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ዘለኣለማዊ ነገር ክንሓልፍ ኢና። ካብዚ ብሓጢኣት እንፍተነሉ […]
ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ብዕለት 10-11-2003 ብ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ ቅድሚ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ምዝራብና፣ ብዛዕባ ሞት ክንዛረብ የድልየና። ንሞት ኣብ ኣርባዕተ ክንከፍሎ ንኽእል ኢና። ስጋዊ ሞት፣ ስነ-ምግባራዊ ሞት፣ መንፈሳዊ ሞትን ዘለኣለማዊ ሞትን ድማ ይበሃሉ። ንሓደ ናይ ብሓቂ ክርስቲያን ዝዀነ፣ ስጋዊ ሞት ድቃስን ናብ ክብሪ ኣምላኽ ዘእቱን መሰጋገሪ ስለዝዀነ ኪፈርሆ ኣይግባእን […]