ክርስትናን ቃል ኪዳንን ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት ዝተሰበከ ስብከት
ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ ሰብነቱ እያ። ሎሚ ንሱ ኣብ ሰማያት ስለ ዘሎ ንሳ ድማ ወካሊቱ እያ። እቲ ንዓለም ዘድልያ ነገር ኵሉ ድማ ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ። እዚ ነገር እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኪህሉ ይግባእ። ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን ቅርጽን ኣካይዳን ኣለዋ። ርእሲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ድማ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ርእሲ ዓይኒ ኣሎ፡ ኣብ ርእሲ እዝኒ ኣሎ፡ ኣብ ርእሲ ድማ ኣእምሮ ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ባህርያትውን ኣለዋ። ሓደ ካብዚ ድማ ፍቕሪ እዩ። ኣብ ንሓድሕድና ፍቕሪ ኪህሉ ብግዲ እዩ፡፡ ካልኣይ ባህሪኣ ድማ ሰላምን ስምምዕን እዩ። ሳልሳይ ባህሪ ናይ ቤተ ክርስቲያን ድማ ምጽንናዕን ምምዕዓድን እዩ። 20-06-2003
ክርስትና ኣብ ዓለም ዝንበር ናብራ እዩ። ንመንፈሳዊ ህይወት እነብሮ ኣለኹ ኪንብል ንኽእል ድማ፡ ንኣምላኽ ኣብ ኵሉ መዳይ ናይ ህይወትና፡ ኩሉ ሳዕ ኪንኣምኖ እንተ ኽኢልና እዩ። ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ክንነግሮም ከሎና ዘይኣምኑና፡ ዋዛ ስለዝመስሎምን፡ ኣምላኽ ክሳዕ ክንድኡ ዓቢይ እዩ ኢሎም ስለ ዘይሓስቡን እዩ። ኣመንቲ ንኣምላኽ ዘይኣምኑሉ ምኽንያት ድማ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎ ኣጠማምታ ካብ ዘይምፍላጥ እዩ ዝብገስ። ኣምላኽ ዝሓልየልና፡ ጸጉሪ ርእስና ዝፈቐደ፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝድግፈካ፡ ዕርዲን ከውሕን ምኳኑ እንተበጺሒናዮ ግና፡ ኣብ ኵሉ ኵነታትና ኪንኣምኖ ሓይሊ ንረክብ ኢና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ ኣምላኽ ኣጸቢቑ የፍቅረናን ይሓልየልናን እዩ እሞ ክንኣምኖ ይጽበየና እዩ። ኣምላኽ ይደግፈና።