Posted on Posted in

ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ብዕለት 27-09-2003 ብ ዶ/ር ተኽልኣብ መንግስትኣብ

ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ንምሕሳብ፣ ንትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ኣጸቢቕና ክንርድኦን ርግጸኛታት ኪንከውንን የድልየና። ክርስቶስ ብርግጽ ብስጋ ሞይቱን ተንሲኡን እዩ። ክርስቶስ ቅድሚ ምትንሳኡ ሞይቱ እዩ፣ ኣብ ትንሳኤኡ ንምሕባር ንሕና ሕጂ ክንመውት ኣሎና። ቃል ኣምላኽ፣ “ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተዀንናስ፣ ብትንሳኤኡ ድማ ክንሓብሮ ኢና” ይብለና። ሞት ማለት ንሓጢኣት እምቢ ምባልን ነንመዓልቱ መስቀልካ ምጻርን ማለት እዩ። ከምዚ ዝበለ ናብራ ኔርና እንተዓረፍና ደሓር ናብ ክብሪ ክንትንስእ ኢና። ሽዑ መንፈስናን ስጋናን፣ ሰብ ምስ ሰብን፣ ሰብን መላእኽትን፣ ብዓቢኡ ድማ ሰብን ጐይታን ኪራኸቡ እዮም። ጐይታ ንትንሳኤ ዝበቅዕ ህይወት ይሃበና።

Posted on Posted in

ክርስትናን ቃል ኪዳንን ስብከት ብሓው ዶ.ተክለኣብ መንግስተኣብ ኣብ ቀጽሪ መካኔ ሂወት ቤተክርስትያን ዝተሰበከ ስብከት