Posted on Posted in

ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ዝርከብ ምኳኑ ኣምላኽነቱ የረጋግጸሉ እዩ። “ሰማይ ዝፋኑ ምድሪ ድማ መርገጽ እግሩ እዩ” ከም ዝብል፡ ንሱ ነዚ ደረት ዘይብሉ ሰማይን ምድርን ዝመልእ ኣምላኽ እዩ። ብሰማይ ኰነ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ኰነ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብኢየሩሳሌም ኰነ ከተማ እቲ ዓቢ ንጉስ እያ እሞ” ኢሉ፡ በዚ ክንምሕል ከም ዘይግብኣና ነጊሩና ኣሎ። ክልተ ወይ ስለስተ ኰይኖም ብስሙ ኣብ ዝተኣከብሉ ድማ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ኪኸውን ከም ዝዀነ ነጊሩና ኣሎ። ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም እየ ኢሉ ድማ ተዛሪቡ ኣሎ። ንሱ ካብ ሰማይ ዝወረደን ኣብ ሰማይ ዘሎን ወዲ ሰብ ድማ እዩ። ንሱ ኩሉ ዝኽእል ድማ እዩ። በቲ ንኹሉ ኪመልከሉ ዝኽእል ሓይሊ፡ ከም ዝብል ከኣልነቱ ዓብዪ እዩ። ንሱ ዘይልወጥ ኣምላኽ እዩ። እዚ እቲ ዝዓበየ ንኣምላኽነቱ ዘረጋግጸሉ ባህርያት እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ።
07/02/2004

Posted on Posted in

ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮታዊ ባህርያት ዝውንን ኣምላኽ እዩ፡ ስለዚ ድማ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ሓደ ካብቲ መጀመርያ ንርእዩ መለኮታዊ ባህሪኡ ዘለኣለማውነቱ እዩ። ንሱ ቀዳማይን ዳሕራይን እዩ። ንሱ ኣልፋን ኦሜጋን እዩ፡ መጀመርታን መወዳእታን እዩ። ንሱ ዘለኣለማዊ ጥራይ ዘይኰነ ኣቦ ዘለኣለምንውን እዩ። ምውጽኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ ንሱ መሊሱ ዝወጸ እዩ። “ቃል ብመጀመርታ ነበረ” ከም ዝብል ንሱ ናይ መጀመርያ እዩ። ንሱ ቕድሚ ኩሉ ምኳኑ ድማ ተጻሒፉ ኣሎ። መንግስቱ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምኳኑውን ተጻሒፉ ኣሎ። ንሱ ሱር ናይ ርእሲ ኣቦታትውን እዩ። ንሱ ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ድማ እዩ። ኩሉ ምፍላጥ ናይ እግዚኣብሄር ጥራይ ዝዀነ ባህርይ እዩ። ንኣቦ ብጀካ ወዲ ዝፈልጦ የሎን። እዚ ቃል እዚ ክርስቶስ ንዘለዎ ፍልጠትን፡ ኣምላኽነቱን ይገልጸልና እዩ።
07/02/2004

Posted on Posted in

ንጐይታ ኢየሱስ ምርድኡ ዝኸብደና ኣዝዮ ረቂቕ ስለዝዀነ እዩ፡ እቲ ምንታይሲ ብዘሎ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ። ብዘይካ ኣቦን ኣቦ ኪገልጸሉ ዝፈቱን እንተ ዘይኰይኑ ድማ ንዕኡ ዝፈልጦ የሎን። ምስጢር እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዝፈርህዎ እዩ። ብዘይ ፍርሃት ንቕበሎ ምግላጽ ግና ሓኒቑ ወይ ነፉሑ ኪቐትለና እዩ። ስለዚ ጸጋ ኣምላኽ እንዓቁር ሰባት ምእንቲ ኪንከውን ኣዚና ክንጥንቀቕ ከድልየና እዩ። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ እዩ። ፊደል ይቐትል መንፈስ ግና ህያው ይገብር። ቃል ኣምላኽ ብግሁድ፡ ክርስቶስ መለኮታዊ ባህርን መለኮታዊ ግብርን ከም ዘለዎ ብምግላጽ ኣምላኽነት ክርስቶስ ይገልጸልና። ንኣብነት “ብዛዕባ ወዱ ግና፡ ኣንታ ኣምላኸይ . . . ” ይብል። ኣብ ካልእ ድማ፡ “ጐይታ ንጐይታይ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ክሳዕ ዚገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ”፡ ይብለና።
31/01/2004

Posted on Posted in

ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና ዝረኣናዮ ሓሳብ፡ ንሰለስትነት እግዚኣብሄር ዘብርሁ ጥቕስታት ምርኣይ ክንቅጽሎ ኢና። ንኣብነት ኣብ መልእኽቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ምዕራፍ 2፡17-18 ከምዚ ይብለና፡ “ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።” ኣብዚ ጥቕሲ እዚ “ሓደ መንፈስ” ዝብል ንመንፈስ ቅዱስ ይገልጽ፡ “ናብ ኣቦ” ዝብል ንእግዚኣብሄር ኣቦ ይገልጽ፡ “ሰላም ኣበሰረኩም” ዝብል ድማ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይገልጽ። ከምዚኦም ዝበሉ ብርክት ዝበሉ ጥቕስታት ክንርኢ ኢና። ኣምላኽ ብምግላጽ ይባርኸና።
24/01/2004

Posted on Posted in

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና፡ ቅድሚ ሰለስትነት እግዚኣብሄር ክንርዳእ ምፍታንና መጀመርያ ንብዙሕነቱ ክንፈልጥ ከም ዝግብኣና ርኢና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ኣብዚክፋል ትምህርትና፡ ብቃል ኣምላኽ መሰረት እግዚኣብሄር ክንደይ ኣካላት ከም ዘለዎ ክንርኢ ኢና። ገሊኡ እቲ ጥቕስታት ብቐጥታ ንኣብ፡ ንወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጠቅስ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ሓደ ዝዀነ ተግባር ናይ ሰለስቲኦም ግደ ተጠቒሱ ክንረኽቦ ኢና። ንኣብነት፡ “ስለዚ ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን፡ ወድን፡ መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም . . .” ይብለና። ኣብ ሉቃስ 1፡30-35 ድማ፡ እቲ መልኣኽ ንማርያም፡ ህጻን ከም እትወልድ ከበስራ እንከሎ ኣብኡ፡ ኢየሱስን፡ እግዚኣብሄር ኣቦን፡ መንፈስ ቅዱስን ተጠቒሶም ንረኽቦም ኢና።
17/01/2004