ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮታዊ ባህርያት ዝውንን ኣምላኽ እዩ፡ ስለዚ ድማ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ሓደ ካብቲ መጀመርያ ንርእዩ መለኮታዊ ባህሪኡ ዘለኣለማውነቱ እዩ። ንሱ ቀዳማይን ዳሕራይን እዩ። ንሱ ኣልፋን ኦሜጋን እዩ፡ መጀመርታን መወዳእታን እዩ። ንሱ ዘለኣለማዊ ጥራይ ዘይኰነ ኣቦ ዘለኣለምንውን እዩ። ምውጽኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ ንሱ መሊሱ ዝወጸ እዩ። “ቃል ብመጀመርታ ነበረ” ከም ዝብል ንሱ ናይ መጀመርያ እዩ። ንሱ ቕድሚ ኩሉ ምኳኑ ድማ ተጻሒፉ ኣሎ። መንግስቱ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምኳኑውን ተጻሒፉ ኣሎ። ንሱ ሱር ናይ ርእሲ ኣቦታትውን እዩ። ንሱ ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ ድማ እዩ። ኩሉ ምፍላጥ ናይ እግዚኣብሄር ጥራይ ዝዀነ ባህርይ እዩ። ንኣቦ ብጀካ ወዲ ዝፈልጦ የሎን። እዚ ቃል እዚ ክርስቶስ ንዘለዎ ፍልጠትን፡ ኣምላኽነቱን ይገልጸልና እዩ።
07/02/2004
ኣብዚ ክፋል ትምህርትናውን ነቶም ብግሁድ ኣምላኽነት ክርስቶስ ዝምህሩ ጥቕስታት ክንርእዮም ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ካባታቶም እዮም፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ ልዕሊ ኩሉ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ኣሎ። መሊሱ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ናብ ጢሞቴዎስ፡ “ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምላኾ ዓብዪ እዩ፡ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ፡” ይብል። ኣብ መልእኽቲ ናብ ቲቶስ ድማ፡ በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ግናኸ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒና በቲ ንዓይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብጊዜኡ ንቓሉ ገለጾ፡” ይብል። ኣብዚ ክፋል ትምህርትና ካልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ከምዚ ዝበሉ ጥቕስታት ክንርኢ ኢና።
31/01/2004
ንጐይታ ኢየሱስ ምርድኡ ዝኸብደና ኣዝዮ ረቂቕ ስለዝዀነ እዩ፡ እቲ ምንታይሲ ብዘሎ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ። ብዘይካ ኣቦን ኣቦ ኪገልጸሉ ዝፈቱን እንተ ዘይኰይኑ ድማ ንዕኡ ዝፈልጦ የሎን። ምስጢር እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዝፈርህዎ እዩ። ብዘይ ፍርሃት ንቕበሎ ምግላጽ ግና ሓኒቑ ወይ ነፉሑ ኪቐትለና እዩ። ስለዚ ጸጋ ኣምላኽ እንዓቁር ሰባት ምእንቲ ኪንከውን ኣዚና ክንጥንቀቕ ከድልየና እዩ። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ እዩ። ፊደል ይቐትል መንፈስ ግና ህያው ይገብር። ቃል ኣምላኽ ብግሁድ፡ ክርስቶስ መለኮታዊ ባህርን መለኮታዊ ግብርን ከም ዘለዎ ብምግላጽ ኣምላኽነት ክርስቶስ ይገልጸልና። ንኣብነት “ብዛዕባ ወዱ ግና፡ ኣንታ ኣምላኸይ . . . ” ይብል። ኣብ ካልእ ድማ፡ “ጐይታ ንጐይታይ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ክሳዕ ዚገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ በሎ”፡ ይብለና።
31/01/2004
ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና ዝረኣናዮ ሓሳብ፡ ንሰለስትነት እግዚኣብሄር ዘብርሁ ጥቕስታት ምርኣይ ክንቅጽሎ ኢና። ንኣብነት ኣብ መልእኽቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ምዕራፍ 2፡17-18 ከምዚ ይብለና፡ “ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።” ኣብዚ ጥቕሲ እዚ “ሓደ መንፈስ” ዝብል ንመንፈስ ቅዱስ ይገልጽ፡ “ናብ ኣቦ” ዝብል ንእግዚኣብሄር ኣቦ ይገልጽ፡ “ሰላም ኣበሰረኩም” ዝብል ድማ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይገልጽ። ከምዚኦም ዝበሉ ብርክት ዝበሉ ጥቕስታት ክንርኢ ኢና። ኣምላኽ ብምግላጽ ይባርኸና።
24/01/2004
ኣብ ናይ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና፡ ቅድሚ ሰለስትነት እግዚኣብሄር ክንርዳእ ምፍታንና መጀመርያ ንብዙሕነቱ ክንፈልጥ ከም ዝግብኣና ርኢና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ኣብዚክፋል ትምህርትና፡ ብቃል ኣምላኽ መሰረት እግዚኣብሄር ክንደይ ኣካላት ከም ዘለዎ ክንርኢ ኢና። ገሊኡ እቲ ጥቕስታት ብቐጥታ ንኣብ፡ ንወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጠቅስ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ ኣብቲ ሓደ ዝዀነ ተግባር ናይ ሰለስቲኦም ግደ ተጠቒሱ ክንረኽቦ ኢና። ንኣብነት፡ “ስለዚ ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን፡ ወድን፡ መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም . . .” ይብለና። ኣብ ሉቃስ 1፡30-35 ድማ፡ እቲ መልኣኽ ንማርያም፡ ህጻን ከም እትወልድ ከበስራ እንከሎ ኣብኡ፡ ኢየሱስን፡ እግዚኣብሄር ኣቦን፡ መንፈስ ቅዱስን ተጠቒሶም ንረኽቦም ኢና።
17/01/2004