ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ መጀመርታ እዩ። ናብ ልዕል ዝበለ በሪኽ ቦታ ንምኻድ ሰባት ንእሽተይ ስጉምቲ ብምስጓም እዮም ዝጅምርዎ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምግልጋልን፣ ምስ ኣምላኽ ኣብ ምምልላስን ወሳኒ ተራ እዩ ዘለዎ። ቀርኔሎዎስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ዚነብር ሰብ ስለ ዝነበረ እዩ ኣምላኽ ንምጽዋቱን ጸሎቱን እተቐበሎ። ዮሴፍ ፍርሃት ኣምላኽ ስለ ዝነበሮ ምቹእ ናይ ዝሙት ኣጋጣሚ ረኺቡ እንከሎ፣ ካብዚ ነገር እዚ ኪሃድም መሪጹ። ስለዚ ድማ ኣምላኽ ናብ ንግስነት ልዕል ኣቢልዎ። ቃል ኣምላኽ፣ “ነቶም ዝፈርሁኻ ዝዓቖርካሎም፣ ነቶም ኣባኻ ዝምሕጸኑ፣ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳሎኻዮ ለውሃትካ ክንደይ ዓብዪ እዩ።” ይብለና እዩ’ሞ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ናትና ንግበሮ።