ኣብ ብሉይ ኪዳን ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ብምኽንያት እቲ ጐይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ ናይ መስቀል ዋጋ፣ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ንምዃን በቒዕና ኢና፣ ግናኸ እዛ ቤት መቕደስ እዚእ ቅድስቲ እያ። ቃል ኣምላኽ ድማ ነቲ ንርእሱ ካብቲ ዝቃጸዎ ሓጢኣት ሓልዩ ብቕድስና ዚመላለስ ሰብ ህያው እምኒ ይብሎ። እቲ ዝሞተልና ጐይታ ባዕሉ ሕሩይን ክቡርን ህያው እምኒ መኣዝን እዩ። ንሕና ድማ ክንቅደስ ክንመርጽን ልብና ክንከፍትን ከሎና ከምኡ ህያዋን ኣእማን ኢና ንኸውን። ስለዚ ድማ ንቕዱስ ክህነት ዝኸውን መንፈሳዊ ቤት ንህነጽ። ነዚ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝኾነ ስጋኡ ዘማሰነ ግን ኣምላኽ ባዕሉ ከም ዘማስኖ ብቓሉ ተዛሪቡና ኣሎ። ርእስና ብጽድቂ ክንሕሉ ኣምላኽ ይጽውዓና ኣሎ።
ብ ዶ/ር ተኽልኣብ መንግስትኣብ ኣብ ቀጽሪ መካነ ሂወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን