ክርስትና ኣብ ዓለም ዝንበር ናብራ እዩ። ንመንፈሳዊ ህይወት እነብሮ ኣለኹ ኪንብል ንኽእል ድማ፡ ንኣምላኽ ኣብ ኵሉ መዳይ ናይ ህይወትና፡ ኩሉ ሳዕ ኪንኣምኖ እንተ ኽኢልና እዩ። ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ክንነግሮም ከሎና ዘይኣምኑና፡ ዋዛ ስለዝመስሎምን፡ ኣምላኽ ክሳዕ ክንድኡ ዓቢይ እዩ ኢሎም ስለ ዘይሓስቡን እዩ። ኣመንቲ ንኣምላኽ ዘይኣምኑሉ ምኽንያት ድማ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎ ኣጠማምታ ካብ ዘይምፍላጥ እዩ ዝብገስ። ኣምላኽ ዝሓልየልና፡ ጸጉሪ ርእስና ዝፈቐደ፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝድግፈካ፡ ዕርዲን ከውሕን ምኳኑ እንተበጺሒናዮ ግና፡ ኣብ ኵሉ ኵነታትና ኪንኣምኖ ሓይሊ ንረክብ ኢና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ ኣምላኽ ኣጸቢቑ የፍቅረናን ይሓልየልናን እዩ እሞ ክንኣምኖ ይጽበየና እዩ። ኣምላኽ ይደግፈና።