እግዚኣብሄር ንግብርና፣ ቃላትናን ሓሳብናን ከም ዝፈርድ ኣብቲ ዝሓለፈ ክፋል ትምህርትና ርኢና ኔርና። ግብሪ ኢልና ክንሓስብ ከሎና ግና፣ እቲ ሓጥእ ኣእምሮና ሓጢኣት ንዝብሎም ግብርታት ዘይኰነስ፣ ክርስቶስ ኣብ ቦታይ እንታይ ምገበረ ኢልና ክንሓስብ ከድልየና እዩ። ድሕሪ ፍርዲ ሰባት ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ዕረፍቲ ይኣትዉ፣ ገሊኦም ድማ ናብ ናይ ዘለኣለም ሞትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኣትዉ። መንግስቲ ኣምላኽ፣ መዝገብና ዝዕቈረላ፣ መጽሓፍ ህይወት ዘለዋ፣ ማሕደር ቅዱሳን ዝዀነት፣ ኢየሱስ ዘለዋን ቦታ እያ። ንሳ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረት፣ ድሑናት ጥራይ ዚርከቡላ ቦታ እያ። ኣብኣ፣ ሞት፣ ሓዘን፣ ብኽያት፣ ጻዕሪ፣ መርገም፣ ለይትን ባሕርን የሎን። ኣብኡ ሓጐስን ክብርን ኣሎ።