ብዕለት 18/10/2003 ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት መድሃኔ ኣለም ቤት ክርስትያን ዝተዋህበ ተኽታታሊ ትምህርቲ

ትንሳኤ ምውታን ዝኸውን ምእንቲ ዘለኣለማውነት እዩ – ሰብ ንዘለኣለም ናብ ሓጐስ ጐይታኡ ወይ ንዘለኣለም ናብ ስቓይ ምእንቲ ኪኣቱ። ቅድሚ ናብ ዘለኣለማውነት ምእታውና ግና ጐይታ ኪምለስ ከሎ ሓደ ዝኸውን ፍጻሜ ኣሎ። ንሱ ድማ ፍርዲ እዩ። ቅድሚ እዚ ናይ መወዳእታ ፍርዲ’ውን እንተዀነ ሰባት ይፍረዱ እዮም ዘለዉ። ነዚ ነገር እዚ ንምርዳእ ንዛንታ ናይ ኣልኣዛርን እቲ ሃብታም ሰብኣይን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ፍርድና ብመጠን እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ሓለፋታት ምዃኑ ድማ ኣይንረስዕ። ስለዚ ንትንሳኤ (ንህይወት) ዝኸውን ናብራ ኪንነብር ኣምላኽ ይዛረበና ኣሎ።